ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ሰሜን ሽዋን ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞን ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ሽዋ፡ ንመዓልታት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጣየሸ ማእከል እዚ፡ ኣብ ገለ ጸገም ጸጥታን ድሕነት ዘለዎም ከባቢታት እቲ ክልል ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከም ዝኸልከለ ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ።
ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ንምህዳእ ሓይሊ ዕማም ከም ዝተጣየሸ ሓቢሩ።
ኣብቲ ክልል፡ ኣብ ዞባታት ሰሜን ሽዋን ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝርከብ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞን ኣብ ዝርከቡ ገለ ወረዳታት ጎንጺ ክለዓል ቀንዩ'ዩ።
ብፍላይ ኣጣዬ ኣብ ዝተባህለት ከተማን ከባቢአን ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን፡ ዕንወት ከም ዘብጽሐ ኣፍሊጡ ኣመልኪቱ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ኣብቶም ከባቢታት ዝቖመ ሓድሽ እዚ ብፍላይ ካብ ደብረሲና ናብ ኮምቦልቻ ኣብ ዘሎ መስመር ኣብ ዝርከቡ መዋስንቲ ወረዳታት፡ ካብ ዋና መንገዲ ንየማንን ጸገማን ክሳብ 20 ኪሎ ሜትሮ ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከም ዘይከኣል ኣጊዱ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ፡ መንገዲ ምዕጻው፣ ትካላት ሃይማኖታዊ ኮነ መንግስታዊ ትካላት ከምኡ'ውን ናይ ውልቀሰባት መንበሪን ንብረትን ምዕናውን 'እዚ ተግባር ንምፍጻም ብውልቀ ኾነ ብጉጅለ ምንቅስቓስን' ዝተኸልከለ ምዃኑ'ውን ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።
ኣብዚ ዕግርግር ዝተላዕለሉ ከባቢ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ምርግጋዕ ንምፍጣር ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን፡ ነቶም ዝተነበሩ እገዳታት ጥሒሱ ዝተረኽበ ዝኾነ ይኹን ኣካል ድማ ስጉምቲ ከም ዝውሰዶ ተገሊጹ።
ኣብቲ ከባቢ እንታይ እዩ ኣጓኒፉ ነይሩ?
ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ዝርከቡ ኣጣዬ፣ ካራቆሬ፣ ሽዋሮቢት፣ ማጀቴ፣ ኣላላና ኣንጾኪያን ኣብ ዝተብሃሉ ሓሙሽተ ወረደታት፡ ብዕጡቓት ሓይልታት ከቢድ ጉድኣት ምብጽሑ ሰብ ስልጣን እቲ ክልል ንመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ገሊጾም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ብዙሓት ሰባት ከም ዝተጎድኡን መንበሪ ኣባይቲ ተቓጺሎም ንብረት ከምዝዓነዉን ሓቢሮም።
ሽሙ ክግለጽ ፍቓደኛ ዘይኮነ ሓደ ነባሪ ሽዋ ሮቢት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ጎንጺ ቀዳም ንጉሆ ዝጀመረ ኮይኑ "ኣብ ኣርባ ኣምባን ብርጭቆን ዝተባህሉ ዓድታት ሰብ ሃሊቑ" ክብል ገሊጹ።
ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ከባቢ ሃዲሙ ከም ዝወጽአን'ውን ይዛረብ።
በቲ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባትን ናይ መንግስቲ ኣኽበርቲ ጸጥታን ከም ዝተቐተሉ ዝሓበረ ምንጪ ቢቢሲ፡ መንግስቲ ድሕነት ሰላማውያን ዜጋታት ከኽብር ተማሕጺኑ'ሎ።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረባ ነባሪት ኣጣየ ብምኽንያት እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መጥቃዕቲ: መንግስቲ ፌደራል ዝለኣኾም ኣኽበርቲ ጸጥታ ናብቲ ከባቢ ስለ ዝኣተዉ ቅሩብ'ኳ ተረጋጊዖም እንተነበሩ፡ ዳግማይ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ምውራዱ ከም ዘሕዘና ገሊጻ።
ንገዛእ ርእሳ ስድርኣ ሒዛ መሃል ሜዳ ተባሂሉ ናብ ዝፍለጥ ዓዲ ትመዛበል ከም ዘላን እቲ ጎንጺ ስለ ዘይሃድአ ዳርጋ ኩሉ ነባሪ ከተማታት ደብረብርሃንን መሃል ሜዳን ይግዕዝ ከም ዝነበረን ተዛሪባ።
ናብታ ከተማ ጸጥታ ከኽብር ዝኣተወ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕሙ ስለ ዝኾነ ኣብታ ከተማ ባርዕ ከም ዝነበረ'ውን ሓቢራ።
ሓላፊ ጉዳያት ጸጥታ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኣቶ ኣበራ መኮነን፡ "ኩሉ ነገር ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኮይኑ'ሎ" ድሕሪ ምባል ህዝቢ ናይ ምርግጋዕ ስራሕቲ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን ዝሃቦ ዝርዝር መብርሂ የለን።
ነበርትን ሰበ ስልጣን እቲ ክልልን፡ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ን'ኦነግ-ሸኔ' ዝበሃል ዕጡቕ ሓይሊ እዮም ተሓታቲ ዝገብሩ።
ኣብቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ: መንግስቲ ዝሃቦ ወግዓዊ መረዳእታ'ኳ እንተዘየሎ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኣብ ዘውጽኦ መረዳእታ ግን ልዕሊ 300 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ።
ናይ ኦሮምያን ኣምሓራን ውድባት ብልጽግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ተራእዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







