መረጻ ኢትዮጵያ፡ ውድባት ፖለቲካ ኦብነግን ኢዜማን ኣብ ክልል ሶማሌ ጎስጓስ ከይካየድ ሓቲቶም

መዝገብቲ መረጽቲ

ምንጪ ስእሊ, NEBE/FB

ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ)ን ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኤዜማ)ን ዝርከብዎም ኣብ ክልል ሶማሌ ንመረጻ ዝሳተፉ ኣርባዕተ ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ክልል ዝኾነ ምስ መረጻ ዝተሓሓዝ ምንቅስቓስ ከይካየድ ሓቲቶም።

ኣብቲ ክልል ዝወዳደሩ ናይ ውልቀ ሕጹያት እውን እቲ ምንቅስቓስ ደው ክብል ዝሓተቱ ኮይኖም 'ኣብ መስርሕ መረጻ ንዘልዓልናዮም ቅሬታታት ምላሽ ክሳብ ዘይተወሃበ" ብዝብል ነቲ ሕቶ ከምዘቕረቡ ተፈሊጡ።

ሕግታት ምርጫን ፓርቲታት ዝፈረምዎ ቃለ፟-መሓላን ብውድብ ብልጽግና ክልል ሶማሌ ከም ዝተጣሐሰ እቶም ውድባትን ውልቀ ተወዳደርትን ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ ገሊጾም።

ኣቦ መንበር ኦብነግ ኣይተ ዓብዱራሕማን ሞሓመድ መሃዲ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ዘተ ድሕሪ ምክያዶም ነቲ መግለጺ ከምዘውጽኡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ ከምዝበሎ: ኣመሓደርቲ እቲ ክልል ድምጺ ዝወሃበሉ "ካርድ ከምዝጨወዩን ንዝደለይዎም ውልቀሰባት ድማ ብኣማኢት ዝቑጸር ካርድታት ከምዝሃቡን" ይኸስስ።

ኣይተ ዓብዱራሕማን፡ ሓደ ውልቀሰብ መረጽቲ ድምጺ ዝህቡሉ ብዙሕ ካርድታት ሒዙ ዘርእይ ስእሊ ንቢቢሲ ልኢኹ።

ወሃቢ ቓል ውድብ ኢዜማ ኣይተ ናትናኤል ፈለቀ ብወገኑ፡ ውድቦም ኣብቲ ዘተ ድሕሪ ምስታፉ እቲ መግለጺ ከምዝወጽአ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ እንታይ ይብል?

ኣርባዕቲኦም ውድባትን ውልቀ ተወዳደርትን ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ "ኣፈጸምቲ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ካብ ኣመሓደርቲ እቲ ክልል ንዝመጽእ ጸቕጢ ተገዚኦም፤ መስርሕ ምዝገባ መረጽትን ዝርግሐ ካርድ መረጽቲ ኣብ ቁጽጽር ኣመሓደርቲ እቲ ክልል ወዲቑ" ክብሉ ይኸሱ።

ኣብ ክልል ሶማሌ ንዘለዉ መረጽቲ (ኣድመጽቲ) ዝተመደበ ካርድ ብዝሑ ከምዘይፍለጥ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ ተወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት እውን ንመስርሕ ዝርግሐ ካርድ ክዕዘቡ ከምዘይተዓደሙን ካልኦት ተዛመድቲ ቅሬታታትን ሒዙ'ሎ።

በዚ ኩነታት እቲ መረጻ ፍትሓውን ናጻን ብዝኾነ መገዲ ምክያድ ስለዘይከኣል ምትዕርራይ ክግበር እቶም ኣርባዕተ ውድባት ጸዊዖም።

ስለዝኾነ ድማ ተኣማንነት ዘለዎም፣ ዘይሻራውያንን ሓላፍነቶም ብግቡእ ክፍጽሙ ዝኽእሉን ኣፈጸምቲ ቦርድ መረጻ ናብቲ ክልል ክሳብ ዝመጽኡ፤ ከምኡ'ውን ግልጽን ተኣማንነት ዘለዎን መስርሕ ምዝገባ መረጻቲ ክሳብ ዝህሉ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝኾነ ናይ ምርጫ ምንቅስቓስ ከይካየድ ሓቲቶም።

ምላሽ ቦርድ መረጻ . . .

ወሃቢት ቃል ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ሶልያና ሽመልስ: ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኦብነግ ቅሬታ ከምዝበጽሖም ብምሕባር ቦርድ መረጻ ኣብቶም ዝቐረቡ ቅሬታታት ኣመልኪቱ ሎምዓልቲ ዘተ ክካይድ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጻ።

"ኦብነግ ዘቕረቦ ጥርዓን በጺሑና'ሎ። እቲ ሓበራዊ መግለጺ ግን ኣይበጽሓናን። ምዝገባ መረጽቲ ገና ሕዚ እዩ ጀሚሩ፤ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ እዩ ገይሩ ዘሎ። ናውቲ ምርጫ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ናብቲ ክልል በጺሑ" ዝበለት ሶልያና: ነቲ ዝቐረበ ቅሬታ መርሚርካ ምላሽ ንምሃብ እኹል ጊዜ ከምዘይነበረ ተዛሪባ።

ወሃቢ ቃል ኢዜማ ኣይተ ናትናኤል ሎሚ: ምስ ሓለፍቲ ቦርድ ምርጫ ዘተ ከምዝገብሩ ብምሕባር፡ እቶም ዝነበሩ ጸገማት በቲ ዘተ ከምዝፍትሑ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ምዝገባ መረጽቲ ናይቲ ኣብ መወዳእታ ግንቦትን መጀመርታ ሰነን 2013 (2021) ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ መረጻ ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ መረጻ ብዘይካ ኣብ ትግራይ ኣብ ኩሎም ክልላት ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብዚ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክሰጋገር ዝጸንሐ ሃገራዊ ምርጫ ንምስታፍ ዝምዝገቡ ዘለዉ መረጻቲ: ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ቁጽሮም ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝተሓተ ምዃኑ ቦርድ መረጻ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ምዝገባ መረጽቲ ክልል ሶማሌ ድማ ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ደንጉዩ ከምዝጀመረ እቶም ቅሬታ ዘስምዑ ውድባት ሓቢሮም።