መረጻ 2013፡ ውድባት ብልጽግና፣ ኢዜማን እናትን ዝለዓለ በዝሒ ዘለዎም ሕጹያት ኣቕሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Vepar5
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ክካየድ እዩ ተባሂሉ መደብ ኣብ ዝተትሓዘሉ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ውድባት ብልጽግና፣ ኢዜማን እናትን ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎም ሕጹያት ከምዘቕረቡ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
መግለጺ እቲ ቦርድ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ'ቲ መረጻ ካብ ዝሳተፉ 47 ውድባት፡ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና 2432 ሕጹያት ብምቕራብ እቲ ዝለዓለ እዩ፡፡
ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ድማ፡ 1385 ሕጹያት ብምቕራብ ካልኣይ ደረጃ እንትሕዝ፡ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይብሉ "እናት" ዝተባህለ ውድብ ድማ 573 ሕጹያት ብምቕራብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ፡፡
ነዞም ሰለስተ ሰልፊታት ሓዊሱ፡ ብደረጃ ሰልፍን ውልቀን ንምውድዳር ልዕሊ 8 ሽሕ ሕጹያት ከምዝተመዝገቡ፡ ምዝዛም ምዝገባ ሕጹያት ኣመልኪቱ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡፡
ኣካቢት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ብርቱኳን ሚደቅሳ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብቲ መረጻ ንምስታፍ 47 ውድባት ከምዝተመዝገቡን፡ 8209 ሕጹያት ከምዝወዳደሩን ሓቢራ፡፡
ኮይኑ ግና ቁጽሪ ተወዳደርቲ ውድባት'ኳ ከምዘለዎ ዝቕጽል እንተኾነ፡ ቁጽሪ ሕጹያት ግን ክውስኽ ከምዝኽእል ተዛሪባ፡፡
ብተወሳኺ ኣብቲ ን 22 መዓልታት ዝተኻየደ ምዝገባ ተወዳደርቲ፡ 125 ሰባት ብውልቀ ንምውድዳር ከምዝተመዝገቡ ገሊጻ፡፡
እቲ ምዝገባ ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ፡ ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳራት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ብሓፈሻ ኣብ 673 ክልላት መረጻ እዩ ተኻይዱ፡፡
ጉዳይ ኦነግን ኦፌኮን
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውድባት ኦነግን ኦፌኮን ካብቲ መረጻ ‘‘ተደፊእና’’ ክንወጽእ ተጌርና ብምባል ንርእሶም ከምዘግለሉ ዝዝከር እዩ፡፡
እቲ ቦርድ መረጻ ዝርዝር ሕጹያት ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን እውን፡ ናይዞም ውድባት ሕጹያት ኣይተኻተቱን፡፡
ኣብዚ ጉዳይ ዝተሓተተት ብርቱኳን ሚደቅሳ፡ ‘‘ናብ ናይ ሕጹያት ምዝገባ ቅድሚ ምኻድና፡ ውድባት ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጸገማት ብውልቀን ብጉጅለን ረኺብና መፍትሒ ንምሃብ ፈቲንና ኢና’’ ኢላ፡፡
ኦፌኮ ዘቐመጥኩዎም ቅድመ ኩነታት እንተዘይተማሊኦም ኣይሳተፍን ብምባል ካብቲ መረጻ ከምዝወጸ ብምግላጽ፡ እቲ ነቲ መረጻ ዘፈጽም ትካል ብመንጽር እቶም ዝቐረቡ ነጥቢታት ከምዘይሰርሕን ገሊኦም ድማ ከምዘይምልከቱዎን ገሊጻ፡፡
‘‘ሓቂ ንምዝራብ ገለገሊኦም ብምንታይ መልሲ ከምዝረኽቡ ኣይንፈልጥን፤ ብቐጥታ ምስ ቦርድ መረጻ ዝተሓሓዙ ኣይኮኑን፡፡ ብዛዕባ ምዕጻው ቤት ጽሕፈታትቶም፡ ኣበይ ከምዝተዓጸዎም’ኳ እንሓተትናዮም ኣበይ ክምዝኾነ ኣየቕረቡን’’ ኢላ፡፡
ክልቲኦም ውድባት ካብ ውድድር ክወጹ እቲ ቦርድ ከምዘይደፈኦም እውን ተዛሪባ፡፡
ብተወሳኺ ክልቲኦም ኣብቲ መረጻ ዘይምስታፎም ከምዘሕዘና ዝገለጸት ወ/ሪት ብርትኳን፡ እንተኾነ በዚ ምኽንያት ጸገም ክፍጠር ይኽእል እዩ ኢሎም ዝተዳለውሉ ነገር ከምዘየለ ገሊጻ፡፡
ኣብ እዋን ምዝገባ ሕጹያት ዘጋጠሙ ጸገማት
እቲ ቦርድ ኣብ ከይዲ ምዝገባ ኣጋጢሞምኒ ዝበሎም ቀንዲ ጸገማት ኣብቲ መግለጺ ጠቒሱ እዩ፡፡
ዋሕዲ ምትሕብባር ቀረባት ዘጓዓዓዛ ተሸከርከርቲ፣ ብወገን ክልላት ነቶም ቀረባት መቐመጥን ቤት ጽሕፈታት ዘይምምላእን፣ ጸገም ድሕነትን ጸጥታን እቶም ቀንዲ ጸገማት ምንባሮም እዩ እቲ ቦርድ ዝገልጽ፡፡
ነቶም ጸገማት ንምፍታሕ ድማ ተኸታተልቲ ዘተታት ከምዝገበሩ ዝገለጸት ወ/ሪት ብርቱኳን፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉልን ኣርባዕቲኦም ዞባታት ወለጋን ብምኽንያት ስግኣት ጸጥታ ምዝገባ ሕጹያት ዘንጊዑ ምክያዱን ሐዚ’ውን ናይ ጸጥታ ጸገም ከምዘሎን ተዛሪባ፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ገለ ከባቢታት ሕጹያት ዝተኣሰሩሉ ኩነታት ከምዘነበረን ከምዘሎን ገሊጻ፡፡
መረጻ 2013
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ሃገራውን ክልላውን መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት ስግኣት ኮሮናቫይረስ ከምዝተናወሐ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ግንቦትን መጀመርታ ወርሒ ሰነን ንምክያድ ምድላው ይግበር ኣሎ፡፡
ኣብ'ቲ ብምኽንያት ኲናት ትግራይ ዘይትሳተፈሉ መረጻ፡ ኣስታት 50 ሚልዮን ህዝቢ ክሳተፍ ትጽቢት ከምዝግበር ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ገሊጹ እዩ፡፡
ነዚ ንምክያድ ድማ፡ ኣብ'ታ ሃገር ልዕሊ 50 ሽሕ ድምጺ መውሃቢ ጣብያታት፣ ልዕሊ 152 ሽሕ ምዝገባ መረጽቲ ዝፍጽሙ ሰብሞያን፡ ልዕሊ 254 ሽሕ ኣፈጸምትን ከምዝዋፈሩ ተሓቢሩ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







