ኬሪያ ኢብራሂም ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐት ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, House of Federation
ኣፈጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ነበር ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐት፡ ፖሊስ ሎሚ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ።
ፖሊስ፡ ሎሚ ንጉሆ እዩ ንቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል፡ ልደታ ምድብ መጋባእያ፡ ወይዘሮ ኬርያ ብመሰረት ሕጊ መቕጽዒ ገበን ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 28፡ ወይዘሮ ኬርያ ከምዝተፈትሐት ገሊጹ ዘሎ።
ብተወሳኺ ድማ፡ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ነበር ወይዘሮ ሕርይቲ ምሕረተኣብ፡ ከምኡ’ውን ኣማኻሪ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣይተ ወልደጊዮርግስ ኣሰፋ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ’ሎ።
እዞም ኣብ መዝገብ ክሲ በዓል ስብሓት ነጋ ጉዳዮም ክረኣይ ዝጸንሐ ክሱሳት ብዋሕስ ክፍትሑ ዝተወሰነ፡ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ምጽራይ፡ ኣብ ማእሰርቲ ከጽንሖም ዝኽእል እኹል መረዳእታ ከምዘይረኸበ ብምግላጽ መሰል ዋሕስ ክፍቀደሎም ንቤት ፍርዲ ስለዝሓተተ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ወይዘሮ ሕርይቲ ምሕረተኣብን ኣይተ ወልደጊዮርጊስ ኣሰፋን ነፍሲወከፎም ብዋሓስ 30 ሽሕ ብር ክፍትሑ ውሳነ ተዋሂቡ።
ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐት ዝተገለጸት ኣፈጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ነበር ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ ኢዳ ከምዝሃበት ዝተገለጸ እንትኾን ንኣስተት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሓ።
ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ጎንጺ ምስተወለዐ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ዝነበሩ መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር።
ዝቐረበሎም ክስታት ድማ ንህወሓት ብላዕለዋይነት ምምራሕ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፣ ክሕደት ሃገር፣ ከምኡ ድማ ኣባላት ፖሊስን ምክልኻልን ምዕጋት ዝብል እዩ።
ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







