ሓደ ላዕለዋይ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ብሰንኪ ቅልውላዉ ትግራይ ካብ መዝነቱ ወሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓደ ኣብ ኣመሪካ ክሰርሕ ዝጸንሐ ላዕለዋይ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ይፍጸም ኣሎ ዝብሃል ዘሎ ግፍዓታት ብምቅዋም ካብ መዝነቱ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ።
ኣቶ ብርሃነ ኪዳነማርያም፡ ምክትል ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ'ዩ። ኣብ ክፍለ ሃገር ካሊፎርንያ፡ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ'ውን ከም ፈጻሚ ጉዳያት (ኮንስል ጀነራል) ኮይኑ ንሓያሎ ዓመታት ዝሰርሐ'ዩ።
"ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዓሌት ናይ ምጽናት ኲናት ብምቅዋምን፡ ብሰንኪ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ዘውርዶ ዘሎ ኩሉ ዓመጽን ዕንወትን ካብ መዝነተይ ወረዲ ኣለኹ" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ክሰርሕ ዝጸንሐ ዲፕሎማት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነታ ሃገር "ናብ ዝጸልመተ መንገዲ ዕንወትን ምግምማዕን" ይመርሓ ኣሎ ክብል ነቒፉ።
"ከም ኩሎም፡ እቶም እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንኢትዮጵያ ናብ ብሩህ መጻኢ ክመርሓ'ዩ ዝብል ተስፋ ዝነበሮም'ኳ እንተኾንኩ፡ ብሰንኪ'ቲ ዝኽተሎ ዘሎ ኣንፈት ግን ጓህን ተስፋ ምቑራጽን መሊኡኒ ይርከብ" ይብል ኣቶ ብርሃነ።
ኣብ ዘመነ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ላዕለዎት ሰብሞያ፡ ፖለቲካዊን ወታሃደራዊን መራሕቲ ምቕታሎም፡ ከምኡ'ውን ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ምእሳሮም ከምዘሻቕሎ'ውን ጠቒሱ።
ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ ተገዲዶም ኣለዉ።
ሓይልታት ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ኣብቲ ክልል "ግፍዕታት ብምፍጻም፡ ኣብ ዕንወት ትግራይ" ይሳተፉ ምህላዎም፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዘሎ ጽልኢ ክዓቢ ይገብሩ ኣለዉ ክብል'ውን እቲ ዲፕሎማት ከሲሱ።
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዛጊት ብወግዒ ኣይተኣመኑን። ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመዘዙ፡ ሰበስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን፡ ብዓይኖም ወታሃደራት ኤርትራ ከምዝራኣዩ'ዮም ዝገልጹ።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ሓያሎ ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ ኣብቲ ኲናት፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጭውያን ዝምታን ዝርከብዎም ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብኹሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ከምዝተፈጸሙ ይኸሱ።
እቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ገበናትን ግፍዕታትን ብናጻ ኣካል ክጻረ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምጽዋዓ ይዝከር።
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ትማሊ ንባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገበናት 'ምጽናት ዓሌት' ይፍጸም ኣሎ ክብል ከሲሱ'ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ብሰሉስ ንቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ክስታት "መሰረት ዘይብሎም'ዮም" ብምባል ነጺግዎም።
ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜን እዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብ4 ሕዳር "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።
ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







