ቅልውላው ትግራይ: ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክትበጽሕ ምዃና ተፈሊጡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ምብጻሕ ክተካይድ ምዃና ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ግፍዕታት ንምጽራይ ዓለምለኻዊ መርመራ ከፍቅድ ድሕሪ ምጽውዑ'ዩ እቲ ምብጻሕ ዝካየድ ዘሎ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ቅትለትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ከምዘስዓበ ይፍለጥ።
ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።
ኣምባሳደር ጊታ ፓሲ፡ ናበየናይ ቦታታት ትግራይ ክትበጽሕ ከምዝፍቀደላ ብንጹር ኣይተፈልጠን።
"ኣመሪካ ንሓደጋ ዝተቓልዐ ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያ ሂወት ዘድሕን ሓገዝ ክትገብር ድልውቲ'ያ" ክብል በቲ ኤምባሲ ኣብ ትዊተር ዝወጸ መግለጺ ይጠቅስ።
ብ3 ሕዳር 2020 ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ናይቲ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዕጥቅን ሰብን ዝሓየለ ምዃኑ ዝንገረሉ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ብ4 ሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እቲ ስጉምቲ "ቀይሕ መስመር ዝሰገረ'ዩ" ብምባል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ወታሃደራዊ ሰጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ከምዝፈጠረን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ከምዝተፈናቐሉን ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት ይገልጹ። ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቁጽሪ ተፈናቐልቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ወሪዱ'ሎ።
ልዕሊ 60,000 ድማ ካብቲ ግጭት ሃዲሞም ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ።
ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ኣብቲ ኲናት፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጭውያን ዝምታን ዝርከብዎም ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብኹሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ከምዝተፈጸሙ ይኸሱ።
እቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ገበናትን ግፍዕታትን ብናጻ ኣካል ክጻረ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምጽዋዓ ይዝከር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ንቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ እቶም ክስታት "መሰረት ዘይብሎም'ዮም" ብምባል ነጺግዎም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







