ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ብዛዕባ ትግራይ ኣመልኪቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘትዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታታት ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።
ኣንቶኒ ብሎንከን፡ ኣብ ትግራይ ተወሳኺ ዕንወት ከይስዕብ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ናብቲ ቦታ ክኣትዋ ከፍቅድ ተማሕጺንዎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ እትገብሮ ዳግመ ጽገናን ሃገራዊ ምርጫን ኣመሪካ ኣበርክቶኣ ከምእትገብር እቲ ሚኒስተር ቃል ኣትዩ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ንዋና ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣመስጊኑ።
ኣቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ብምስዓብ "ኩሉ መዳያዊ ምዕባለን ሰላምን ንምንጋስ ከምኡ'ውን ዲሞክራሲ ዘለዋ ሰላማዊት ሃገር ንምህናጽ ዘለና ባህጊ ንምክዋን ርክባት ኢትዮጵያን ኣመሪካን ከነሐይሎ ኢና" ክብል ብትዊትር ጽሒፉ።
ዝሓለፈ ሰሙን'ውን መንግስቲ ኣመሪካ፡ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከወጹን ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ደው ክብልን ጸዊዑ ነይሩ።
ወሃቢ ቃል ስቴት ዲፓርትመንት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል፡ ዝምታ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጭውያን ካልኦት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ይፍጸሙ ከምዘለዉ "እሙናት ጸብጻባት" ከምዝረኸቡ ተዛሪቡ።
ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ገድብ ናብቲ ተመዛቢሉን ሓደጋ ጥምየት ኣጋጢምዎ ዘሎ ህዝቢ እቲ ክልልን ክበጽሕ'ውን ኣመሪካ ጸዊዓ ነይራ።
መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን ወተሃደራ ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ይዋግኡ ኣለዉ ንዝብል ክሲ "መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ'ዩ" ክብሉ ይገልጽዎ።
ንትግራይ ዝመርሕ ዝነበረን ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ተራ ዝነበሮ ውድብ ህውሓት ብ 3 ሕዳር ለይቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ ሓልታት ክልል ትግራይ 'ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት' ኢሉ ዝጸውዖ ወተሃደራዊ መጥቓዕቲ ከምዝኣወጀ ይዝከር።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቂሎም፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ከኣ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ።
ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት'ውን ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድልዮም ሰብመዚን ሕቡራት ሃገራትን ሓቢሮም።
ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ
እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲን ሓይልታት ህወሓትን ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ኣብቲ ክልል ዓቢ ሰባዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይግለጽ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ሬድኤት ትካላትን ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ትግራይ ዘረፋ፣ ቅትለት ሰለማውያን ሰባትን ከምኡ'ውን ካልኦት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ይፍጸሙ ከምዘለዉ ይገልጹ።
ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ዝርከብዎም ሓያሎ ወገናት፡ ኣብቲ ኲናት ብሄር መሰረት ዝገበረ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጻት፡ ጭውያን ይፍጸሙ ምህላዎም ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዘሻቐልዎም ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ትካላት ረድኤትን ቀይሕ መስቀልን'ውን፡ ነቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ እኹል ፍቓድ ከምዘይብሎም እዮም ዝገልጹ።
ዋና ጸሓፊ ናይቲ ትካል 'ኖርዌጅያን ረፊዩጂ ካውንስል' ጃን ኢገላንድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለ-መሕተት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ክንበጽሕ ብተደጋጋሚ ሕቶ እንተኣቕረብና'ውን ነቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ግን ክንበጽሓሎም ኣይክኣልናን ኢሉ።
ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ'ውን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ኣብ ትግራይ ሓገዝ ዘድልዮም ሚልዮናት ሰባት ክበጽሓሎም ብዘይምኽኣሉ እቲ ኩነታት እናበኣሰ ይኸይድ ምህላው ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ትግራይ ረድኤት ንዘድልዮም ሰባት ኣድላዪ ዘበለ ሓገዛት ይገብር ምህላው ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ሰላም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ 26 ዘይምንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት የብጽሕ ምህላው ገሊጹ።
ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







