ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጥሕሰታት 'መሰረት የብሎምን' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ስዒቡ፡ እቶም ኣብ'ቲ ክልል ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት 'ሓቃዊ መሰረት ዘይብሎም እዮም' ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ትማሊ ንቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ ነቲ ክሲ ነጺግዎ ዘሎ።
ብተወሳኺ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ "ሕጊ ናይ ምኽባር" ዝብሎ ወፍሪ ክድግፋ ዝሓተተ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ዝተዋደደ ዓለም ለኻዊ ጸቕጢ ይበጻሓ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
"ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ግዝኣታ፡ ሕጊ ንምኽባር ኣብ እትንቀሳቐሰሉ እዋን፤ ዝተዋደደ ኣለም ለኻዊ ነቐፌታ እናተኣናገደት እንትኸውን፤ ኣፍሪቃውያን 'ንጸገማት ኣፍሪቃ ኣፍሪቃዊ ፍታሕ' ንምርካብ ምስ ኢትዮጵያ ክስለፉ ጻውዒተይ የቕርብ" ኢሉ።
ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስትን ክልል ትግራይን ዝተወለዐ ኩናት ስዒቡ፡ ዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተፈጸሙ ዝገልጹ ጽብጻባት ከውጽኡ ጸኒሖም እዮም።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት አብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ወተሃደራት ኤርትራ: ኣብ መወዳእታ ሕዳር ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም ብምእታው: ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ጠቒሱ ጸብጺቡ።
ሁውማን ራይትስ ዎች'ውን ነቲ 'ከም ገበናት ኲናት ክቁጸር ዝኽእል እዩ' ዝበሎ እቲ ኣብ ኣክሱም ዝተኸስተ ፍጻመ፡ ደጊሙ ዝጸብጸበ ኾይኑ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 'ካብ ዘረባ ብዝዘለለ ከጻርየኦን ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድን' ምሕታቱ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ክሲታት 'መሰረት ዘይብሎም' ክብል ነጺግዎም ኣሎ።
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ'ቲ ኲናት ይሳተፉ ኣለዉ ንዝብል ክሲ'ውን ኣይቕበሉዎን።
ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኩሎም ኣብቲ ኩናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይሊታት ብገበን ኩናት ክውሰዱ ዝኽእሉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጹ እዩ።
ቀዳማይ ሚነስተር ኣብዪ ኣሕመድ ግና፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺኡ፡ ኣብቲ ክልል ግቡእ ዘይኮነ ኣተሓሕዛ ዜጋታት ኣሎ ንዝብል ክሲ "ሓቃዊ መሰረት ዘይብሉን ዘይምርድዳእ ንምዕባይ ዝዓለመን እዩ" ኢሉ።
ብተወሳኺ እውን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምዃን ምርምራ ክገብር መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ።
መንግስታዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኩናት ምስተወለዐ ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምርምራ ይገብር ከምዘሎ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ቅትለታትን ገበናት ጾታዊ ዓመጽን 'መባእታዊ' ጸብጻብ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ
ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝምራሕ ክልል ትግራይን ፌዴራል መንግስትን ዝነበረ ፍሕፍሕ፡ ሕዳር 4 ቀዳመይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምስ ኣዋጀ፡ ናብ ቅሉዕ ጎንጺ ምምርሑ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ፌዴራል መንግስቲ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ፡ እቲ ኲናት ከምዘብቀዐ እንተገለጸ'ኳ፡ ውግእ ቀጺሉ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ይገልጹ።
ብዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብቲ ክልል ኣማኢቲ ኣሻሓት እንትመዛበሉ፡ ናብ ሱዳን ድማ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ምስዳዶምን፣ ኣብቲ ክልል ከቢድ ጥሜትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣንጸላልዩ ከምዘሎን ይዝረብ።
ኣብቲ ክልል፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተፈጸሙን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከጻሪ ክፍቀደሉ ምሕታቱን ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







