ቅትለት ኣኽሱም፡ ናይ ኣኽሱም ቀሺ እየ ኢሉ ዘታለለ ሰብ ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጺሙ ዝበሎ ቅትለት ብዝምልከት ጸብጻብ ምስ ኣውጸአ፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ሓደ ተቐማጢ ኣመሪካ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ናይ ኣኽሱም ቀሺ እየ ኢሉ ቃል ሂቡ ብምባል ሓቂ ዘይኮነ ሓበሬታ ከዋዓውዑ ቀንዮም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን "ኣብቲ ጸብጻብ (ኣምነስቲ ዘውጸኦ) ዝተጠቐሰ ምንጪ ቀሺ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቦስተን ዝቕመጥ መታለሊ እዩ’’ ዝብል መግለጺ ሂቡ፡፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እውን ንሓደ ጋዜጠኛ ብምጥቃስ ነቲ ውልቀ ሰብ ‘‘መደናገሪ’’ ክብል ገሊጽዎ፡፡
ኣብ ካልእ ዜና ድማ እቲ ኣብ ቪድዮ ዝተራእየ ውልቀ ሰብ ኣማኒ ናይ'ታ ቤተክርስትያን እውን ከምዘይኮነ ኣባ ጴጥሮስ ንዝተባህሉ መራሒ ኦርዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኒውዮርክ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ፡፡
እቲ ዛንታ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ፍጹም ኣረጋ'ውን ኣብ ትዊተር ገጹ ኣካፊልዎ ነይሩ፡፡
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ምፍራይ እቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዝቐነየ ቪድዮ ዝኾነ ተሳትፎ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ ኣሎ፡፡
ንምዃኑ እንታይ እዩ ኣጓኒፉ? ቀሺ ዘይኮነ ግን ቀሺ እየ ኢሉ ዘታለለ ሰብከ ኣሎ ድዩ?
ኣኽሱም ዝምልከት ሰነዳዊ ቪድዮ
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣምነስቲ ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዩትዩብ ካብ ዝተለጠፈ ሰነዳዊ ቪድዮ ተቖንጪሎም ዝተወሰዱ ክፋላት ኣብ ማሕበራዊ ገጾም ክዝርግሑ ቀንዮም፡፡
ገሊኦም ሚካኤል በርሀ ናይ ዝተባህለ ነባራይ ቦስተን ፎቶን ቪድዮን ብምልጣፍ፡ "ቀሺ ዘይኮነ ከሎ ቀሺ እየ ኢሉ መስኪሩ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎም ቪድዮታት ዘርጊሖም፡፡
ነቲ ቪድዮ ዘዳለዉ ሰባት ግንተዋሳኣይ ከምዝኾነ እዮም ዝገልጹ፡፡
ዕላማ ናይ'ቲ ቪድዮ ‘‘ነቶም ግዳያት ድምጺ ንምዃን’’ ከምዝኾነን፡ እቲ ቪድዮ ተዋስኦ ከምዝኾነ እውን ብግልጺ ከምዝገለጹን ይዛረቡ፡፡
ኣብ'ቲ ነዊሕ ቪድዮ ‘‘እቶም ታሪካት ብኻልኦት ሰባት ተደጊሞም ከምዝቐረቡ’’ ዘመልክት መግለጺ ኣለዎ፡፡
እዚ ማለት እቶም ኣብቲ ቪድዮ ዘለዉ ሰባትን ድምጺታትን ናይ ባዕሎም እቶም ግዳያት ዘይኮኑስ ተዋሳእቲ እዮም፤ ኣብ ገሊኦም መፋለጢታት እቲ ቪድዮ ድማ እዚ መጠንቀቕታ ተጻሒፉዎም እዩ፡፡
እቲ ጸብጻብ ቅድሚ ምውጽኡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝተፈነወ መላለዪ ሓጺር ቪድዮ ግን ብዛዕባ እዚ ዝሓብሮ ነገር የለን፡፡
ድሕሪ ገለ ምስሊታትናቲ ቀሺ ኮይኑ ዝዋሳእ ሰብ እዩ ዝሓልፍ፡፡
‘‘ሽመይ ቀሺ ወልደ ማርያምም እዩ፡፡ 26 ሕዳር 202፡ ኣብ ቤተክርስትያንና ቅድስቲ ማርያም ጽዮን ኣኽሱም ኣብ ዓሚቕ ጸሎት ኔርና’’ ይብል፡፡
ኣብ ገለ ክፋል ድማ ‘‘ንኹለና ተኲሶም ወቒዖምና፤ ደው ክነብሎም ግን ኣይከኣልናን’’ ክብል ይስማዕ፡፡
ነቲ ኣዘራራቢ ቪድዮ መን እዩ ኣሰናዲእዎ?
እቲ ቪድዮ ንኸስቢ ዝተጣየሰ ከምዘይኮነ ብዝገልጽን ኣብ ትግራይ ኣተኲሩ ዝሰርሕን ትግራይ ሚድያ ሃውስ እዩ ናብ ዩትዩብ ተጻዒኑ፡፡
ነቲ ቪድዮ ዘፍረዩዎ ድማ፡ መርሃዊ ወልስ-ቦግን፡ ልዋም ግደይን ራህዋ ግደይን ዝተባህላ ደቂ ኣንስትዮ ዝመስረተኦ ‘ስታንድ ዊዝ ትግራይን’ እዮም፡፡
መርሃውን ልዋምን ድማ ኣለይቲ እቲ ቪድዮ ከምዝኾኑ ተጠቒሱ ኣሎ፡፡
ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝቐነየ ዓውዓው መንቀሊ ዝኾነን ከም ቀሺ ኮይኑ ዝተዋሰአን ሚካኤል በርሀ'ውን አብ ተሳተፍቲ ተጠቒሱ ንረኽቦ፡፡
መርሃዊ፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ቦስተን ብዝነብሩ ተጋሩ ከምዝተዳለወን ሚካኤለ በርሀ እውን ኣተሓባባሪ ማሕበረሰብ ከምዝኾነን ኣብ ፌስቡክ ጠቂዑ ነይሩ፡፡
‘‘ግልጺ ክኾነልኩም፡ ሚካኤል በርሀ ቀሺ ኣይኮነን፡፡ ይዋሳእ እዩ ነይሩ’’ ብምባል ነቲ ዝቐረበ ተቓውሞታት መልሲ ሂቡ፡፡
ብተወሳኺ ድማ ‘‘ሆሊውድ ከምዚኦም ዓይነት ነገራት ኩሉሻብ ይሰርሕ እዩ፡፡ ሆሊውድ ናይ እየሱስ ክርስቶስ ፊልሚታት ከምዝሰርሕ ትፈልጡ እንዲኹም? እየሱስ ክርስቶስ መሲሎም ይሰርሑ ንሱ ግን ኣይኮኑን፡፡ ኣምሲልካ ምስራሕ እዩ’’ ብምባል ገሊጹ፡፡
ልዋም ብወገና እቲ ቪድዮ ነቶም ድምጾም ከስምዑ ዘይከኣሉ ግዳያት ድምጺ ንምዃን ከምዝተዳለወን በቲ ካብ መንግስትን ሃየስትን ዝተውሃበ ግብረ መልሲ ከምዝተገረመትን ገሊጻ፡፡
ነቲ ለካቲት 26 ክፍነው እዩ ዝብል መላለዪ፡ ከም ሙሉእ ገይሮም ሓሲቦምዎ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እትገልጽ ልዋም ‘‘ናይ ማይክ (ሚካኤል በርሀ) ፎቶ ብምውሳድ፡ ረኺብናዮ፤ ኣብ ቦስተን እዩ ዝነብር፤ ኣብቲ እዩ ዝሰርሕ ቀሺ ኣይኮነንነ ወዘተ ኢሎም፡፡ ተቐቲሉ ግን ብህይወት ኣሎ ገለ ዝብሉ ርእይቶታት እውን ተዋቦሂም’’ ኢላ፡፡
ራህዋ ብወገና ‘‘ካብቶም ዘንበብኩዎም ርእይቶታ ዘስሐቐኒ፡ እቲ ቀሺ ቆርበቱ ንምክንኻና ዝጥቀሞ ዓይነት ቅብኣት ዶ ምሓበርኩምና ዝብል እዩ’’ ኢላ፡፡
እቲ ሰነዳዊ ፊልም ምስ ኣምነስቲ ዘራኽብ ኣለዎዶ?
መርሃዊ እቲ ንሳቶም ዝፈነውዎ ቪድዮ ምስ ጸብጻብ ኣምነስቲ ምግጣሙ፡ ‘‘ናይ ኣጋጣሚ’’ ከምዝኾነን ኣምነስቲ ሪፖርት ከውጽእ ምዃኑ ኣቐዲሙ ሓሬታ ከምዘይነበሮምን እዩ ዝገልጽ፡፡
ወሃቢ ቃል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እውን ትካሎም ምስ'ቲ ቪድዮ ዘራኽብ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ወሃቢ ቃል ኮነር ፎርቹን ‘‘ኣምነሰቲ ኢንተርናሽናል ምስ'ቲ ቀሺ ኮይኑ ዝተዋሰአ ሰብ ይኹን ምስ ካልኦት ኣፍረይቲ እቲ ቪድዮ ተራኺቡ ኣይፈልጥን፤ ከም ምንጪ እውን ኣይተጠቐምናን’’ ኢሉ፡፡
‘‘ተንተንቲ ሽርሒ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓቅነት ዘይብሉ ርእይቶ ክሳብ ዝህቡሉ እቲ ቪድዮ ከምዝተሰርሐ እውን ኣይንፈልጥን ኔርና፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ እውን ነዚ ወሲዱ ምቅልሑ ኣገሪሙልና እዩ’’ ኢሉ፡፡
ራህዋ ግደይ ብወገና፡ ገለ ካብቶም ዛንተኦም ኣብ'ቲ ሰነዳዊ ፊልማ ዝተዘንተወሎም ግዳያት ምስክርነቶም ንኣምነስቲ ሂቦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ፡ እቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ዓሚቕ ምንባሩ ከምዘመላኽት ትዛረብ፡፡
ኣብ ልዕሊ እቲ ቪድዮ ዝተገበረ ወፍሪ ጠቐነ፡ ኣቓልቦ ንምልዋጥ ዝተገበረ ከምዝኾነ እትገልጽ ልዋም ግደይ፡ እንተኾነ ዚያዳ ናህሪ ከምዝፈጠረሎም ገሊጻ፡፡
‘‘ሐዚ ነቲ ናህሪ ክንቅጽሎ ጥራይ እዩ ዘለና’’ ኢላ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







