ቅልውላው ትግራይ፡ ክልተ ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ካብ ቀይዲ ወጺኦም

ምንጪ ስእሊ, SAWET/KAHISAY/FB
ክልተ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝቐነዩ መራሕቲ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ከምዝተፈትሑ ኣቦመንበር ሳወት ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ምኽትል ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ ምስ ሓላፊ ፋይናንስ እቲ ውድብ ኣይተ ካሕሳይ ሃይሉ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ኩነታት ብሓሙስ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ነይሮም።
እቶም ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ከተማ ሻሂ እናሰተዩ እንከለዉ ብወተሃደራት ከምዝተወስዱ፡ ኣቶ ሃይሉ ገሊጹ ነይሩ።
ኣሉላ፡ ብሰንኪ ቅልውላው ትግራይ ንዝተጸገሙ ማረት ምስ ‘ዩኤስ ኤይድ’ ብምትሕብባር ኣብ ዘቕርቦ ረድኤት ይሰርሕ ምንባሩ ዝሓበረ ኣይተ ሃያሉ፡ “ዝተረጋገጸ’ኳ እንተዘይኮነ ካብ መቐለ ውጽእ ኢሉ ናብ ዝርከብ መዓስከር እዚ ሰሜን ከምዝተወሰዱ እዩ ዝዝረብ” ክብል ኣረዲኡ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ቤት ጽሕፈት ሰብመዚ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን፣ ሓላፊ ሓይሊ ዕማም ('ኮማንድ ፖስት') ትግራይ ሌ/ጀነራል ዮሃንስ ገ/መስቀልን መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ክሰምረሉ ኣይካኣለን።
“ድሕሪ ምሳሕ ክንራኸብ ቖጸራ ሒዝና ናብኦም ክኸይድ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበርኩ እዮም ተኣሲሮም። ኣብ ጉዳይ ውድብ ንምዝርራብ እዮም [ኣሉላን ካሕሳይ ሃይሉ ዝተበሃለ ሓላፊ ፋይናንስን] ተራኺቦም ነይሮም። ካብኡ እቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ መጺኦም ወሲዶሞም” ኢሉ።
ስለምንታይ ከምዝተኣስሩ፡ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይፈልጡን፡ ነቲ ተግባር ከምዘይቕበልዎን ከምዝኹንንዎን ገሊጹ።
ንሱ ከምዝበሎ ማእሰርቲ ናይቶም መሪሕነት ውድብ ሳልሳይ ወያነ ብዝምልከት ካብ ምኽትል ሓላፊ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስን መብርሂ ንምርካብ ፈቲኖም ዛጊት ግን ዝተወሃቦም ሓበሬታ የለን።
ብተወሳኺ’ውን ኣብቲ ክልል ናብ ዝርከባ ጨንፈር ሰብኣዊ ኮሚሽን ኢትዮጵያ ከምዘፍለጡ ንቢቢሲ ዝገለጸ እቲ ኣቦመንበር “ክሳብ ሕዚ ኣብዚ ጉዳይ ሓላፍነት ዝወሰደን ‘በዚ ምኽንያት ኣሲረዮ’ ዝበለን የለን” ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







