ኢትዮጵያ፡ ተቓወምቲ ውድባት ወጥሪ ኣብ ዝዓብለሎ ምትፍናን ብልጽግናን ህወሓትን እንታይ ይብሉ?

ዶክተር መረራ ጉዲና፣ ኣሉላ ሃይሉ፣ ኣዳነ ታደሰን ናትናኤል ዘለቀን (ካብ ጸጋም ናብ የማን)

ምንጪ ስእሊ, BBC/WOYIN/EDP/ECSJ

    • Author, ኣክሊሉ ጸጋይ
    • Role, ጋዜጠኛ ቢቢሲ

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ማለት ኣብ መንጎ ብልጽግናን ህወሓትን ካብ እዋን ናብ እዋን እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ምትፍናን ሓደገኛ ሳዕቤናት ከየኸትል ብዙሓት ስግኣቶም ይገልጹ። ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት'ከ ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ይብሉ?

ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ምስግጋር ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን መንግስቲ ትግራይን (ብልጽግናን ህወሓትን) ብማእሰርቲ ሰበስልጣን ተጋሩ፣ ምንዋሕ 6ይ ሃገራዊ መረጻ፣ ፣ ምክያድ ክልላዊ መረጻ ትግራይን ካልኦት ምኽንያታትን ዝሰዓበ ወጥሪ ክሳብ ናብ ኲናት ዘምርሕ ጎንጺ ከይፍጠር ስግኣቶም ዝገልጹ ብዙሓት'ዮም።

ብፍላይ ብድሕሪ ክልላዊ መረጻ ትግራይ ምክያዱን ዘመነ ስልጣን ፌደራል መንግስቲ ዘብቅዐሉ መዓልቲ [25 መስከረም 2013 ዓ/ም ግእዝ] ምብጽሑን ክስዕብ ዝኽእል ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኸውን ልዑል ስግኣት ኣሎ።

መንግስቲ ትግራይ፡ ብተኸታታሊ፡ ብፍሉይ ሓይልን ምሊሻታትን ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ምርኢት ከቕርብ፤ መንግስቲ ፌደራል እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ድልውነት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌደራልን ሓለዋ ቤተ መንግስቲ ('ሪፐብሊካን ጋርድ)ን ስለዘርኢ እቲ ምትፍናን ናብ ዘይተደለየ ምፍሳስ ደም ከየስዕብ ዝሻቐሉ ውሑዳት ኣይኮኑን።

እቲ ወጥሪ . . .

ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ (ኢዴፓ) ኣይተ ኣዳነ ታደሰ፡ እቲ ኣብ መንጎ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ዘይምርድዳእ እናረሰነ ይመጽእ ከምዘሎን ሃገራዊ ስግኣት ከምዝፈጠረን ይዛረብ።

ንሱ፡ እቲ ፖለቲካዊ ዘይምስናይ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ፓለቲካዊ ሰልፍታት እታ ሃገር ዝረኣ'ኳ እንተኾነ ብፍላይ ግን እቲ ኣብ መንጎ ብልጽግናን ህወሓትን ዘሎ ዘይምቅዳው "ኣብ ህልውናን ድሕነትን ሃገር፡ ሓደጋ ከምዘንጻላሉ" ገይሩ ኣሎ ይብል።

"እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ወጥሪ ከይዱ ከይዱ ናብ ምፍራስ ህልውና ሃገር ከብጽሕ ከምዝኽእል ብተደጋጋሚ ክንዛረብ ጸኒሕና ኢና። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ከም ፓርቲ ነቲ ኣብ ሞንጎኦም ዝተፈጠረ ዘይምውዳው ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእል መስርሕ ሽምግልና ንምስታፍ ድልዋት ምዃንና እናገለጽና መጺእና ኢና" ይብል።

ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ንሓሳብ ኣይተ ኣዳነ ዘጎልብት ገምጋም'ዩ ዘለዎም።

"እቲ ምትፍናን ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ይበጽሕ ኣሎ" ብምባል የረድኡ።

"እቲ ምትፍናን ሓደገኛ ናብ ዝኾነ ደረጃ የምርሕ እዩ ዘሎ። ኲናት ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን። ውጽኢቱ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ዝረብሕ ኣይኮነን" ክብሉ ድማ እቲ ረስኒ ናብ ከመይ ዝበለ ኩነታት የምርሕ ከምዘሎ ይዛረቡ።

እቲ "ናብ ዘየድልይ ምቁርራጽ ምእታው" ዘምስል ኣካይዳ ዝረብሕ ከምዘይኮነ ብምሕባር ድማ ናብ ዘይተደለየ ጎንጺ ክእተው ከምዝኽእል ዘለዎም ስክፍታ ይገልጹ።

ሃገራዊ መራጻ ምንውሑ ትኽክል ከምዘይኮነን ትግራይ ክልላዊ መረጻ ብምክያድ መንግስቲ ክተጣይሽ ምኽኣላ ግን ሕጋውነት ከምዘለዎን ዝዛረብ ምኽትል ኣቦ መንበር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ፡ እቲ ብደረጃ ብልጽግናን ህወሓትን ዘሎ ወጥሪ ግን ብቕልጡፍ ክፍታሕ ዘለዎ ጉዳይ ከምዝኾነ ይኣምን።

ንሱ "ኣብ ሞንጎ ፓርቲታት ዘሎ ኣፈላላይ ናብ ብደረጃ መንግስቲ ክኸውን ብምግባር ህዝባዊ ጎንጺን ዘይምስናንይን ምፍጣር ከም ዓብዪ ጸገም ኢና ንሪኦ። ኣብ ፌደራል መንግስቲ ይኹን ክልላዊ መንግስቲ ፓርትን መንግስትን ክፈላለ ኣለዎ" ይብል።

እቲ ጸገም ኣብ ሞንጎ ብልጽግናን ህወሓንት እንተኾይኑ ባዓለን ክፈትሕኦ ከምዝግባእ ነዚ ክገብራ እንተዘይክኢለን ከኣ ብሕጋዊ መገዲ ክፍታሕ ከምዘለዎ መርገጺ ውድቦም ምዃኑ የረድእ።

ህወሓት ኣብ ፌደራል መንግስቲ ዝነበራ ልዕልና ካብ ዝሰኣነትሉ እዋን ጀሚራ ዝወሰደቶም ስጉምትታት ክትንጸል ዝገብርን ካብቲ "ሃገራዊ ለውጢ" ዘርሓቓን ከምዝኾነ ዝዛረብ ወሃቢ ቓል ውድብ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ኣይተ ናትናኤል ፈለቀ ብወገኑ እዚ ድማ ናብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ወጥሪ ንኽብጻሕ ምኽንያት ከምዝኾነ ይኣምን።

"ብልጽግና ንፌደራል ዝመርሕ ህወሓት ድማ ንክልል ዝመርሑ መንግስታት ምዃኖም እናተፈለጠ፤ እቲ ሕዚ ዝረኣይ ዘሎ ግን መንግስቲ ምስ መንግስቲ ናብ ምትፍናን ዝኣተዉ'ዩ ዘምስል። እዚ ከኣ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ዝሃስይ ደረጃ ዝበጽሐ ይመስል" ክብል ድማ ዘረዎም ገምጋም ይገለጽ።

ውሳነታት መንግስታት ፌደራልን ትግራይን

25 መስከረም ምስበጽሐ፡ መንግስቲ ትግራይ "ካብ ሎሚ ንደሓር ምስ መንግስቲ ፌደራል ስሩዕ ርክብ ኣይክህልወናን፤ ዝወጽኡ ሓደሽቲ ኣዋጃትን መምርሕታትን ድማ ኣብ ትግራይ ተፈጻምነት ኣይክህልዎምን" ክብል ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።

ብወገን መንግስቲ ፌደራል ድማ "ካብ ሕዚ ንደሓር ድጎማ በጀትን ካልኦት መንግስታዊ ርክባትን ዝምልከት ብቐጥታ ምስቲ 'ሕጋውነት ዘይብሉ መንግስቲ ትግራይ' ክፍጽም ኣይክእልን። ርክበይ ምስ መሪሕነትን ወረዳታትን ቀበሌታትን ትግራይ እዩ" ዝብል መግለጺ'ዩ ኣውጺኡ።

"እቲ ኣብ ንጎ ክልቲኦም ዘሎ ወጥሪ ከይዱ ከይዱ ናብ ምፍራስ ህልውና ሃገር ከብጽሕ ከምዝኽእል ብተደጋጋሚ ክንዛረብ ጸኒሕና ኢና። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ከም ፓርቲ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝተፈጠረ ዘይምውዳው ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእል መስርሕ ሽምግልና ንምስታፍ ድልዋት ምዃንና ክንገልጽ ጸኒሕና ኣለና" ይብል።

ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና እውን ንሓሳብ ኣይተ ኣዳነ ዘጎልብት ገምጋም'ዩ ዘለዎም። "እቲ ምትፍናን ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሕዚ ግን ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ይበጽሕ ኣሎ" ክብሉ የረድኡ።

"እቲ ምትፍናን ሓደገኛ ናብ ዝኾነ ደረጃ የምርሕ ኣሎ። ኲናት ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን። ውጽኢቱ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ዘርብሕ ኣይኮነን" ክብሉ ድማ እቲ ረስኒ ናብ ከመይ ዝበለ ኩነታት የምርሕ ከምዘሎ ይዛረቡ።

እቲ "ናብ ዘየድሊ ምቁርራጽ ምእታው" ዘምስል ኣካይዳ ዘርብሕ ከምዘይኮነ ብምሕባር ድማ ናብ ዘይተደለየ ጎንጺ ክእተው ከምዝኽእል ዘለዎም ስክፍታ ይገልጹ።

ፕርዚደንት ክልል ትግራይ ደብረጽዮን (ዶ/ር) ብጸጋም፤ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ብየማን

ሃገራዊ መራጻ ምንውሑ ትኽክል ከምዘይኮነን ትግራይ ክልላዊ መረጻ ብምክያድ መንግስቲ ክተጣይሽ ምኽኣላ ግን ሕጋውነት ከምዘለዎን ዝዛረብ ምኽትል ኣቦ መንበር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ፡ እቲ ብደረጃ ብልጽግናን ህወሓትን ዘሎ ወጥሪ ግን ብቕልጡፍ ክፍታሕ ዘለዎ ጉዳይ ከምዝኾነ ይኣምን።

ንሱ "ኣብ ሞንጎ ፓርቲታት ዘሎ ኣፈላላይ ናብ ብደረጃ መንግስቲ ክኸውን ብምግባር ህዝባዊ ጎንጽን ዘይምስናንይን ምፍጣር ከም ዓብዪ ጸገም ኢና ንሪኦ። ኣብ ፌደራል መንግስቲ ይኹን ክልላዊ መንግስቲ ፓርትን መንግስትን ክፈላለ ኣለዎ" ይብል።

እቲ ጸገም ኣብ ሞንጎ ብልጽግናን ህወሓትን እንተኾይኑ ባዕለን ክፈትሕኦ ከምዝግባእ፡ ከምኡ ክገብራ እንተዘይክኢለን ከኣ ብሕጋዊ መገዲ ክፍታሕ ከምዘለዎ መርገጺ ውድቦም ምዃኑ የረድእ።

ህወሓት ኣብ ፌደራል መንግስቲ ዝነበራ ልዕልና ካብ ዝሰኣነትሉ እዋን ጀሚራ ዝወሰደቶም ስጉምትታት ክትንጸል ዝገብርን ካብቲ "ሃገራዊ ለውጢ" ዘርሓቓን ከምዝኾነ ዝዛረብ ወሃቢ ቃል ውድብ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ኣይተ ናትናኤል ፈለቀ ብወገኑ፡ እዚ ኩነታት ናብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ወጥሪ ንኽብጻሕ ምኽንያት ከምዝኾነ ይኣምን።

"ብልጽግና ንፌደራል ዝመርሕ ህወሓት ድማ ንክልል ዝመርሑ መንግስታት ምዃኖም እናተፈለጠ፤ እቲ ሕዚ ዝርአ ዘሎ ግን፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ናብ ምትፍናን ዝኣተዉ'ዩ ዘምስል። እዚ ከኣ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ንዝርከብ ህዝቢ ዝሃሲ ደረጃ ዝበጽሐ ይመስል" ክብል ድማ ዘለዎም ገምጋም ይገልጽ።

ውሳነታት መንግስታት ፌደራልን ትግራይን

25 መስከረም ምስበጽሐ፡ መንግስቲ ትግራይ "ካብ ሎሚ ንደሓር ምስ መንግስቲ ፌደራል ስሩዕ ርክብ ኣይክህልወናን፤ ዝወጽኡ ሓደሽቲ ኣዋጃትን መምርሕታትን ድማ ኣብ ትግራይ ተፈጻምነት ኣይክህልዎምን" ክብል ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።

ብወገን መንግስቲ ፌደራል ድማ "ካብ ሕዚ ንደሓር ድጎማ በጀትን ካልኦት መንግስታዊ ርክባትን ዝምልከት ብቐጥታ ምስቲ 'ሕጋውነት ዘይብሉ መንግስቲ ትግራይ' ክፍጽም ኣይክእልን። ርክበይ ምስ መሪሕነትን ወረዳታትን ቀበሌታትን ትግራይ እዩ" ዝብል መግለጺ'ዩ ኣውጺኡ።

ኣቦ መንበር ኢዴፓ ኣይተ ኣዳነ ከምዝብሎ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዘሎ ዘይምርድዳእ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝውሰኑ ዘለዉ ውሳነታት "ሃገር ናብ ምፍራስ ደረጃ" ከብጽሕ ዝኽእል'ዩ።

"[ዝሰኣንና ዘይብልና] ክንስና ሃገር ናይ ምስኣን ሓደጋ ከምዘንጸላለወ ኢና ንኣምን። ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታት ብጣዕሚ ሓላፍነት ዝጎደሎም እዮም። ነቲ ክልል እናደፍኡ ናይ ምንጻል ሕቶ ከምዘቕርብ ይገብርዎ ኣለዉ" ዝብል እቲ ኣቦ መንበር፡ ብወገን ትግራይ ድማ ኮነ ኢልካ ነቲ ጸገም ከምዝጋደ እናገበርካ፡ ናብ ዘተን ምቅርራብን ዘይከኣለሉ ደረጃ ንኽብጻሕ ዝውሰዱ ስጉምትታት ከምዝረኣዩ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ኢዜማ ኣይተ ናትናኤል ግን እቲ ቀንዲ ጸገም ብወገን ህወሓት ከምዝነቕሉ'ዩ ዝዛረብ።

"መሪሕነት ህወሓት ንነብሶም ካብ መስርሕ ለውጢ ኣውጺኦም፤ ነቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮም ልዕልና ክረኽቡ እንተዘይኪኢሎም ሃገራዊ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ንምስታፍ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ዘመልክት ተግባራት ክፍጽሙ ጸኒሖም'ዮም" ይብል።

በዚ ምኽንያት ከኣ ናብ ሰላም ዝመርሑ መገዲታት ኩሎም ይዕጸዉ ከምዘለዉ ይዛረብ ናትናኤል። "መንግስቲ ፌደራል ምስቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ስልጣን ዝሓዘ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘይኮነስ ምስ ታሕተዎት መሓውር ርክብ ክገብር'የ ምባሉ ዘጸገም ውሳነ ኣይኮነን" ብምባል ድማ ንሕጋውነት ውሳነ መንግስቲ ፌደራል ከም ቅቡል ይወስዶ።

ኣካይዳ መንግስቲ ፌደራል ካብ መበገሲኡ ንጉዳይ ሉኣላዊ ስልጣን ክልላት ኣብ ሕቶ ከምዝኣቱ ከምዝገበረ ዝገልጽ ምኽትል ኣቦ መንበር ውድብ ሳወት ኣይተ ኣሉላ ብወገኑ፡ "ህዝቢ ባዓሉ ንባዕሉ ከመሓድር ከምዘለዎ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ መሰል'ዩ። ፌደራል መንግስቲ ግን ንክልላት እናፍረሰ ኣብ ትሕቲኡ ይገብሮም'ዩ ዘሎ። ንመራሕቲ ክልላት ናብ ኢዱ ክኣትዉ ብምግባር ኣሃዳዊ ስርዓት ንምምስራት'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ" ክብል ይዛረብ።

ዕምሪ ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ኣብቂዑ እናሃለወ ኣብ ቤተመንግስቲ ክጸንሕ ምኽኣሉ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ከኣ "መንግስቲ ትግራይ ካብ ሕዚ ንደሓር ንፌደራል መንግስቲ ኣፍልጦ ኣይህብን ምባሉ ንሕና'ውን ንቐበሎ ውሳነ እዩ" ይብል።

ኣስዒቡ ድማ "እንተ እቲ ብወገን መንግስቲ ፌደራል 'ምስ መንግስቲ ትግራይ ርክብ የብለይን፤ ርክበይ ምስ ቀበሌታትን ወረዳታትን እዩ" ብዝብል ዝተወሰነ ውሳነ ግን ንፌደሬሽን ዘይኮነስ ንባህርያት ኣሃዳዊ ስርዓት ዘርኢ እዩ። ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ንዘሎ ስልጣን ንምቁጽጻር ዝግበር ጻዕሪ እዩ" ክብል የረድእ።

"ዝመርሓካ ካልእ፡ እኽሊ ወይ ቀለብ ዝሰፍረልካ ከኣ ካልእ፡ ፈጺሙ ክኸውን ዘይከኣል ነገር'ዩ" ብምባል እቲ መንግስቲ ፌደራል 'ርክበይ ምስ ቀበሌን ወረዳን እዩ' ብዝብል ዝወሰኖ ውሳነ ግብራዊ ከምዘይከውን ፕሮፌሰር መረራ ዘለዎም እምነት ይገልጹ።

"ነቲ ክልል ብላዕለዋይነት ዘመሓድሮ ህወሓት እዩ። ስለዚ መንግስቲ ፌደራል ንህወሓት ሰጊሩ ምስ ታሕተዋይ ኣወዳድባ ወይ ከኣ ምስ ህዝቢ እንታይን ብኸመይን ክሰርሕ ከምዝኽእል ንምፍላጥ ዘጸግም'ዩ። ነቲ ውሳነ ናብ ስራሕ ምትርጓም ቀሊል ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት የብልናን። ዝተሓላለኸ ጉዳይ እዩ ክኸውን" ይብሉ።

ፍታሕ. . . ብመንን እንታይን?

እቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ብፍላይ ውድባት ብልጽግናን ህወሓትን ዘሎ ከቢድ ምትፍናን ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሕ ብምስጋእ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዕርቅን ስምምዕን ንምስላጥ ተፈቲኖም'ዮም።

ካብቶም ዝተገበሩ ጻዕርታት እቲ ሓደ ሃይማኖታዊ መራሕቲ፣ ዓበይቲ ዓድን ፍሉጣት ሰባትን ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ-መቐለ እናተመላለሱ ዝገበርዎ ተደጋጋሚ ፈተነ እዩ።

እንተኾነ ካብቲ መድረኽ እዚ ዝበሃል ውጽኢት ክርከብ ከምዘይተኻእለ ዝገልጹ ብዙሓት'ዮም።

ካብቶም ፓለቲካዊ መራሕቲ ዝወሃብ መልሲ'ውን "ብወገነይ ንምርድዳእ ድልው እየ" ካብ ዝብል ብዝሰገረ ናብ ተግባር ተሰጋጊሩ ኣብ ዙርያ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ዝተዛተዩሉ ኣጋጣሚ ኣይተፈጠረን።

ፕሮፌሰር መረራ ሕዚ'ውን መራሕቲ እተን ውድባት ተራኺቦም ፖለቲካዊ ድርድር ክፍጽሙ ምኽኣሎም እንኮ ኣማራጺ ከምዝኾነ ይኣመኑ።

"ኣብ ክልቲኦም ወገናት ጸገማት ከምዘለዉ ዝፍለጥ'ዩ፤ ስለዝኾነ ክዘራረቡን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን ኣለዎም" ይብሉ።

ውድቦም ኦፌኮ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት "ብሄራዊ ዕርቂ" ክካየድ ሓሳብ ከቕርብ ምጽንሑ ዘዘኻኽሩ ፕሮፌሰር መረራ "ሕዚ'ውን ከምኡ ክግበር እንተዘይተኻኢሉ መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያን ህዝብታታን ዝኸፍአ ከምዝኸውን ልክዕ ከም መጽሓፍ ቅዱስን ቁርኣንን ምስባኽ ጥራይ እዩ ዝተርፈና" ክብሉ ይገልጹ።

ምኽትል ኣቦ መንበር ውድብ ሳወት ኣይተ ኣሉላ ግን እቲ መስርሕ ምርድዳእ ብቐሊሉ ክሰምር ከምዘይክእል ብምግላጽ "ክልተ ማዕዶ ንምዕዶ ዘለዉ ኣካላት'ዮ ዝቃለሱ ዘለዉ። ናይ ስርዓት ድልየት ተጻብኦታት ኣለዉ። ብፍላይ ብወገን መንግስቲ ፌደራል እንተሪኢና ጊዜ ናይ ምግዛእ ጉዳይ እምበር ኣሃዳዊ ስርዓት ናይ ምምስራት ድልየት እዩ ዘሎ" ይብል።

ግዚያዊ ፍታሕ እንተተገይሩ'ውን መሊስካ ናብ ጎንጺ ዘእቱ ከምዝኸውን ዝዛረብ ኣሉላ፡ "ከምቲ ብሄር ብሄረሰባት ኣብ 1987 ዓ/ም ግእዝ ተዋዓዒሎም ፌደሬሽን ዘቖሙ ሕዚ'ውን ብሓባር ኮይኖም 'ኢትዮጵያ ብኸመይ ክትቕጽል ኣለዋ?' ኣብ ዝብል ተመያይጦም ሓድሽ ውዕል ክፍጸም ኣለዎ ዝብል መርገጺ ኣለና" ይብል።

ፌደራል መንግስቲ በቶም ብሄር ብሄረሰባት ዝቖመ ማእኸላይ ኣካል እምበር ዝውንኖ ህዝብን መሬትን ስለዘየለ ምሉእ ስልጣን ናይ ክልላት ወይ ህዝብታት ከምዝኾነ ድማ ወሲኹ የረድእ።

ህወሓት፡ "ቅሩብ ካብ ዘይምዃኑ" ናብ ምርድዳእ ከብጽሕ ዝኽእል ዝርርብ ምክያድ ኣጻጋሚ ከምዝኸውን ዝገልጽ ወሃቢ ቓል ውድብ ኢዜማ ኣይተ ናትናኤል ብወገኑ፡ "እቲ ወጥሪ ብምዝርራብ ንኽፍታሕ መንግስቲ ፌደራል ዝለዓለ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ። ነዚ ዝገብር ግን ንህወሓት ካብ ምፍራሕ ወይ ካብ ምሕላይ ብዝብገስ ዘይኮነስ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ብዝብል ክኸውን ኣለዎ" ክብል ሓሳቡ ይህብ።

ስለዝኾነ ከኣ መንግስቲ ፌደራል ዝኽተሎም ኩሎም ኣማራጽታትን ዝወስዶም ስጉምትታትን ብመንጽር ነቲ ጉዳይ ብሰላምን ብዝርርብን ምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ከምዘለዎ ርእይትኡ የቐምጥ።

ኣቦ መንበር ኢዴፓ ኣይተ ኣዳነ ከምዝሕብሮ ድማ ክልቲኦም ወገናት "ሓላፍነት ዝጎደሎ" መገዲ'ዮም ዝኽተሉ ዘለዉ። ስለዝኾነ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኹሉን ብዘይገለ ቅድመ ኩነት ብልጽግናን ህወሓትን ተቐራሪቦም ንምዝርራብ ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም።

"ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ሃገርና ባህላውን ሃይማኖታውን ናይ ዕርቅን ሽምግልናን ስርዓት ስለዘሎ፤ ኣብዚ ሓላፍነት ዘለዎም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ነቲ ጸገም ተገንዚቦም ፍታሕ ንምምጻእ ክጽዕሩ ኣለዎም። መራኸቢ ብዙሃን እውን ሓቢርካ ምንባር ረብሕኡ እንታይ ከምዝኾነ፤ ኢትዮጵያ ብዘይ ትግራይ እንታይ ክትመስል ከምእትኽእልን ካልእን ኣብ ምርዳእ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ኣለዎም" ይብል።

ግደ ተቓወምቲ ፓርቲታት?

ኣይተ ኣዳነ ከምዝብሎ እንተኾይኑ ዝበዝሓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ፖለቲካዊ ውድባት መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ስጉምቲ ንኽወስድ ዝደፋፍኣ እየን።

እዚ ድማ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ዘዕርጎ'ምበር ፍታሕ ዘምጽእ ከምዘይኸውን ይኣምን።

"በዚ መገዲ ነዚ ኩነታት ክንፈትሖ ኣይንኽእልን። እዛ ሃገር ከም ሃገር ክትቕጽል እንተኾይና ፖለቲካዊ ውድባት ተኣኻኺበን ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ዘኽእል ድርድር ንኽጅመር ንኽልቲኦም ወገናት ከዘራርባ ኣለወን ዝብል እምነት ኣለና። እቲ ጸገም ናይ ክልትኤን ጥራይ ኮይኑ ዝተርፍ ኣይኮነን" ክብል ከኣ ሓሳቡ ይህብ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ተጠርኒፈን ዝርከባ ልዕሊ 100 ሰልፍታት ሓደ ጉጅለ ብምውዳብ ንኽልቲኦም ኣካላት ኣዘራሪቡ ፍታሕ ንምምጻእ ናብ ተግባር ክእተው ከምዘለዎ ጸቒጡ ይዛረብ።

ኣሉላ ግን ተቓወምቲ ውድባት ነቲ ዝድለ ምርድዳእ ንምፍጣር ዘኽእል ዕድል ከምዘይብለን'ዩ ዝኣምን።

"ዝነበረ ስርዓት [ኢህወዴግ] እተን ዝፍጠራ ተቓወምቲ ፓርቲታት ድኹማት ንክኾና እዩ ዝገብር ነይሩ። ድልዱላት ዝበሃላ እንተተፈጢረን'ውን በቲ ገዛኢ ውድብ ዝዕብለላሉ ኩነታት'ዩ ነይሩ። ስለዚ ክስምዓ ዝኽእላሉ ዕድል ዝተሓተ እዩ" ይብል።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ሞንጎ ብልጽግናን ህወሓትን "ናይ ስልጣን ጻምእ" ስለዘሎ ካልኦት ውድባት ኣብ ሞንጎ ኣትየን ፍታሕ ከምጽኡ ከምዘይክእሉን ተሰማዕነት ከምዘይብሎምን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብኣብነት ብምጥቃስ የረድእ።

"ባህሪያት ብልጽግናን ህወሓትን ዴሞክራሲያዊ እንተዝኸውን እተን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ካልኦት ፓርቲታት ተሓዊሰን ነቲ ዘሎ ወጥሪ ምፍታሕ ምተኻእለ። ግን ከኣ ክልትኤን ኣብ ምትህልላኽን ድልየት ስልጣንን እየን ዘለዋ። ረብሓ ህዝቢ ዘይኮነስ ንስልጣን'ዮም ዘቐድሙ፤ ስለዚ እተን ካልኦት ውድባት ፓለቲካ ዝደለይኦ ዓይነት ሓሳብ እንተሃለወን ኣብቲ ዘሎ ምትፍናን ፍታሕ ዘምጽኣሉ ባይታ የለን" ክብል ይድምድም።

ወሃቢ ቓል ኢዜማ ኣይተ ናትናኤል ከምዝብሎ፡ ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር፡ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ብማዕዶ ኮይነን ካብ ምዕዛብ ሓሊፈን ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ዘድሃበ ስራሕ ክሰርሓ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለወን።

"ንሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ተጠቒመን ብልጽግናን ህወሓትን ነቲ ብሓባር ዝፈረምናሉ ሰነድ ቃል ኪዳን ከኽብራ ጸቕጢ ክገብራለን ይግባእ። ንሕና'ውን እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ንኸፈጽም ክንደፋፍኦ ኢና። ሓባራዊት ሃገር ስለዘላትና ነቲ ጉዳይ ብማዕዶ ኮይንና ክንርእዮ የብልና" ክብል የረድእ።

ካብዚ ብተወሳኺ እተን ተቓወምቲ ፓርትታት ብሓባር ኮይነን ወይ ከኣ ብተናጸል ነተን ኣብ ምትፍናን ዝርከባ ስልፍታት [ብልጽግናን ህወሓትን] ናብ ምርድዳእ ከምዝኣትዋ ብምግባር እቲ ኣብ ሃገር ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ብኣጋ ክከላኸልኦ ጸዊዑ።