ውሳነ ውህደት ከምዝተወደአ ጌርና ኣይንወስዶን -ዶ/ር ደብረጽዮን

ከይዲ ውህደት ኢህወዴግ መስርዑ ዘይተኸተለን ዘይተነጸረን ከምዝነበረ ኣቦመንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጺዮን ገብረሚካኤል ገሊጹ።
ንሱ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝበሎ፡ ኣባላት ኣሓት ውድባት ብዛዕባ እንታይነትን ፕሮግራምን እቲ ዝፍጠር ሓዱሽ ሰልፊ ከይተመያየጣ ኣቐዲመን ክፍርማ ከምዝተሓተተን፡ ህወሓት ድማ ኣቐዲምካ ዝርርብን ክትዕን ከይተገበረ ምፍራም ግቡእ ስለዘይኮነ ከምዝተቓወመን ተዛሪቡ።
''እቲ ተግባር መሕዘንን መሕፈርን'' ክብል ዝገለጸ ዶክተር ደብረጸዮን ''ቅዋምና ትኽክለኛ እዩ፡ ናይ ብዝሕን ናይ ዋሕድን ኣይኮነን፡ መተከላዊ እዩ'' ኢሉ።
ኣብ ኣወሃህባ ድምጺ ድማ ሸውዓተ ኣባላት እቲ ውድብ ከምዝነበሩን ኩሎም ከምዝተቓወሙን ብምግላጽ ሽዱሽተ ዝተብሃለ ጌጋ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣጀንዳ ምቕማጥ ተቓዊሞም ከምዝነበሩን ብኣብዝሓ ዝለዝጸደቐን ግን ከምዝተሳተፉን ብምግላጽ ኣብቲ ውሳነ ግን ምቅዋሞም ይዛረብ።
እቶም ተሳተፍቲ ምስ ፈረሙ ብጽባሒትኡ እዮም ናብ ምንባብ ኣትዮም ዝብለ ዶክተር ደብረ ጽዮን እቲ ተግባር ''ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ'' ክብል ገሊጽዎ።
''ፈሪምካ ናብ ምይይጥ ኣይእቶን። ከምዝሰማዕናዮ እውን ለውጢ ኣይነበሮን፤ ፈርሙ እያ [ተባሂላ]።''
ኣብቲ ቀጻሊ መዓልቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንውሳኔኦም ደጊሞም ክሓስብሉ ከምዝሓተቶም ዝገለጸ ዶክተር ደብረጺዮን፡ ሓሳቦም ዘቐይር ጉዳይ ከምዘየለን ንሳቶም ከምዘይውስኑዎን፡ ብሱሩ እውን ኣብዚ እዋን ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ከምዘይኮነ ከምዝሓበሩሉን ጠቒሱ።
እንተኾነ እቲ ጉዳይ ውህደት ናብቲ ጉባኤ ከምዘቕርብዎን እቶም ኣባላት እቲ ጉባኤ ዝውስንዎ ከምዝኮኾነን ''ንሕና ቅዋም ሒዝና ኣለና። ትኽክል እንተኾይንና ክድግፈና እዩ፤ ትኽክል እንተዘይኮይንና ተጋጊኹም ንወሃድ ክብል እዩ። እንተዘይተጋጊና ድማ ኣይንወሃድን ክብል እዩ'' ኢሉ። ዶክተር ደብረጺዮን ምስ ህዝቢ'ውን ምምኽኻር ከምዘድሊ ገሊጹ።
''ናይ ውሳነ ከይዲ ጀሚርናዮ ኣለና እምበር ኣይወዳእናዮን'' ዝበለ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ንቤት ጽሕፈት ኢህወዴግ ኣብ መወዳእታ ''ውሳነና ከነፍልጠኩም ኢና'' ከምዝበሉዎም ገሊጹ።
ብተወሳኺ እቲ ከይዲ ጥንቃቐ ከምዝሓትትን እቲ ውድብ እውን ኣማራጺታት ከምዘለዎን፡ ጉዳይ ውህደት ብቕደም ሰዓብ ክዝተየሉ ምዃኑ ብምግላጽ ሕዚ'ውን ትኹረት እቲ ውድብ ትግራይ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







