ህወሓት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝጅመር ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

መራሕቲ ህወሓት ኣብ ኣኼባ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ

ምንጪ ስእሊ, EPRDFOFFICIAL/FB

መግለጺ ስእሊ, ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ፡ ውህደት ንምፍጻም ብዓብላሊ ድምጺ ውሳነ ክሓልፍ እንከሎ ህወሓት ግን ኣይተቐበሎን

እቲ ሎሚ ኣብ መቐለ ተኣኪቡ ዝወዓለ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ነቲ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝወሰዶ ውሁድ ፓርቲ ናይ ምፍጣር ውሳነ ብምቅዋም፡ ኣብቲ ናይ ጽባሕ ኣኼባ ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ።

እቲ ውድብ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፈጻሚ ስራሕ ይኹን እቲ ማእከላይ ኮሚቴ፡ ብስም ውህደት ንህወሓት ናይ ምፍራስ ስልጣን ከም ዘይብሉን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዝርከቡ ኣባላት ናይቲ ውድብ ዝውስንዎ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።

እቲ ንቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ከም ዝተላእከ ዝገልጽ ደብዳበ፡ እቲ ናይ ጽባሕ ኣኼባ "ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ፡ ኣብ ናይ ውህደት ኣጀንዳ ተዘራሪቡ ንኽውስን ሕጋውን ፖለቲካውን ስልጣን ከም ዘይብሉ" ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት "ደምዲሙ" ኢሉ።

"ናይ ህወሓት ዕድል ዝውሰን፡ በብደረጃኡ ምይይጥ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዝግበር ጉባኤ ህወሓት ጥራይ ብምዃኑ፡ ኣብዚ ናይ [ጽባሕ] ኣኼባ ክንሳተፍ ከም ዘይንኽእል ነፍልጥ።"

እቲ ደብዳበ፡ ብተወሳኺ፡ ህወሓት ኣብቲ ብዛዕባ ውህደት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ክዘራረብ ከም ዝተወሰነ ብምጥቃስ፡ እቲ ናይ ጽባሕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ምጽውዑ "ግቡእ" ኣይኮነን ኢሉ።

ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ፡ ውህደት ንምፍጻም ብዓብላሊ ድምጺ ውሳነ ክሓልፍ እንከሎ ህወሓት ግን ኣይተቐበሎን።

ሽዑ እቲ ውሳነ ምስ ሓለፈን ህወሓት ውህደት ምስተቓወመን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ንላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ረኺቡ ከዘራርቦም ከምዝደለየ፡ ኣባል ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሴ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ምስ ኣቦመንበር ኢህወዴግ ዝተገበረ ዘተ ፍረ ከም ዘይተረኽቦ ካብ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣነጺሩ ነይሩ።

ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ፡ ድሮ ስም እቲ ዝቐውም ውሁድ ፓርቲ፡ "ሰልፊ ብልጽግና" ከም ዝኸውን ድሕሪ ምስምምዑ፡ ንውሽጣዊ ምምሕዳሩ ዘገልግል "ሕገ-ደንቢ" ከም ዘጽደቐ ገሊጹ ነይሩ።

ነቲ ናይ ውህደት ስምምዕ፡ ብዘይካ ህወሓት፡ ኣባላት ውድባት ኦዴፓ፡ ኣዴፓን፡ ደኢህደንን ብደረጃ ፈጸምቲ ስራሓት ደገፎም ገሊጾም ኣለዉ።

እተን፡ ካብ ኢህወዴግ ወጻኢ ዝኾና ብ"ኣጋር ውድባት" ክግለጻ ዝጸንሓ ውድባትን ሰልፍታትን ድማ ኣካል ናይቲ ዝቐውም ውሁድ ፓርቲ ክኾና'የን።

እዘን ውድባት እዚኣተን፡ ኣብ ክልላት ዓፋር፡ ሶማልያ፡ ጋምቤላ፡ ቤነሻንጉል ጉሙዝ፡ ሃረሪን ስልጣን ተቖጻጺረን ዝርከባ'የን።

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦመንበር ኢህወዴግ ብምዃን ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንድሓር፡ እቲ ኣብ ምፍጣር ናይቲ ልፍንታዊ ግንባር ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ህወሓት፡ ክሕሰሞ ይረአ'ሎ።