ኣብ ኢትዮጵያ ወራር ኣንበጣ 'ፖለቲካዊ መልክዕ ይሕዝ ኣሎ'፡ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራት ትግራይ

ኣብ ከተማ መቐለ ክዝቲ ዝቐኔ መድረክ ሙሁራትን ፖለቲኸናታትን ብርክት ዝበሉ ዛእባታት ኣልዒሉ

ምንጪ ስእሊ, DT

ኣብ ኢትዮጵያ: ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተራእዩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ልዕሊ ዘራእትን መገሃጫን ከቢድ ዕንወት የውርድ ከም ዘሎ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራት ትግራይ ናብ ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ ዝጽሓፉዎ ደብዳበ ሓቢሮም።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ርእያቶ ዘይትፈልጥ ወራር ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ብቐጻሊ ኣብ የመንን ክልል ዓፋርን ዝፈሪ ዘሎ ዕስለ ነቲ ስግኣት ከም ዘዕርጎ ጠቒሶም።

ወራር እቲ ዕስለ ኣንበጣ በቲ ሕጂ ዘለዎ ፍጥነት እንተቐጺሉ ድማ ብሚሊዮን ዝቑጸሩ ዜጋታት ንጥምየትን ክቃልዑ ምዃኖም ስግኣቶም ገሊጾም።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘሎ ሓያል ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ክልል ዓፋር፣ ኣብ ኣምሓራ ድማ ኣብ ሰሜን ወሎን ክልል ትግራይን ኣብ ልዕሊ ዘራእትን መጋሃጫን ዘውርዶ ዘሎ ዕንወት ከቢድ ምዃኑ'ዩ ዝሕበር።

እዚ ለበዳ ኮቪድ-19፣ ሓደጋ ውሕጅን ኣብታ ሃገር ብዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ እናማዕበለ ብዝመጽእ ስግኣት ድሕነትን ግጭትን ዝተራእየ ምዃኑ ከም ዘሻቕሎም ኣብቲ ደብዳበ ኣስፊሮም።

ብተወሳኺ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ "ኮነ ኢሎም ንትግራይ ክጎድኡ ዝደልዩ ትካላት መንግስቲ ፌደራል እውን ኣለው'ዮም" ኢሉ ኣሎ።

ብምኽንያት ሕጽረት ሓገዝ መንግስቲ ፌደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን እቲ ህዝቢ ብባህላዊ ኣገባብ ነቲ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ክከላኸሎ ይቃለስ'ኳ እንተሎ፡ ውጽኢታዊ ስለ ዘይኮነ ግን እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ መላእ ከባቢታት ትግራይ ክዝርጋሕ ከም ዝኽኣለ ሓቢሩ።

" ንወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ፡ ከም ፖለቲካዊ ዛዕባ ርእዮም ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ክትረኽቦ ዝግባእ ከም ድሮን፣ ኬሚካልን ካልእ ናውታትን ምኽላእ" መንግስቲ ፌደራል ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኾነ ታሪኻዊ ስሕተት ይፍጽም ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ ክብሉ ከሲሶም።

"እዚኦም ኩሎም ተደሚሮም ነቲ ህዝቢ ይጎስዩዎ ኣለው። እቲ ኩነታት በዚ እንተቐጺሉ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ናብ ዝኸፍአ ጉድኣት፣ ጥምየትን ኣሰካፊ ሰብኣዊ ቅልውላውን ክቃላዕ'ዩ" ብምባል ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ቖላሕታ ክገብረሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብዚ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ ንቢሮ ሕርሻ ትግራይ ኰነ ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ወረዳታት ብስልኪ ዋላ ብኻልእ መንገዲ ረኺብና ክንሓቶም እንከለና፡ ነቲ ኩነታት ኣብ ምምችቻውን ዝንፀገሉ ከባቢ ብምንፃር ክንጸግ ኣብ ምግባርን፡ ፍቓደኛታት ስለ ዘይነበሩ ክሳብ ሕዚ ኣይተነጸገን ምባሉ ይዝከር።

"ኣብዚ ሰሙን ምስቶም ወረዳታት ተራኺብና ኢና፤ ንፅባሕ ቦታ ዝንፅሩልና እንተዀይኖም ሕዚ'ውን ክንነፅግ ንኽእል ኢና። ንህዝቢ ሓሲቦም፡ ምህርቲ እቲ ሕብረተስብ ካብ ፖለቲካ ፈልዮም ብምርኣይ፤ ህዝቢ ከይጉዳእ ኩነታት እንተዘመቻችዉ እምበር መንግስቲ ፈደራል ድልየትን ድልውነቱን ኣለዎ" ክብል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስትሪ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ብፍላይ ድማ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወረዳታት ስለ ዝዀኑ ካብ ፖለቲካዊ ስምዒት ወጺኦም፡ ግራትን ዘራእትን ሓረስታይ ካብ ፖለቲካ ዝተፈለየ እዩ እሞ ነቲ ኩነታት እንተዘመቻችዉ ብምባል፡ ምስቲ ዝምልከቶ ትካል ድማ ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሓበሬታ ሂቡ'ዩ።

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ተጋሩ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ሕገ መንግስታውን ፖለቲካውን ቅልውላው፡ ፖለቲካዊ መልክዕ ክሕዝ'ውን ከም ዝኽእል ስግኣቱ ክገልጽ እንከሎ፡ ዝኸፍአ ሓደጋ ከይመጽአ እንከሎ ዓለምለኻውን ዞባውን ሓገዝ ክግበር ሓቲቶም ኣለው።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ክዝርጋሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ትንበያ ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም የመልክት።

ብተወሳኺ ኣብ የመንን ክልል ዓፋርን እቲ ኣንበጣ ይራባሕ ስለዘሎ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ናብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክዝርጋሕ ይኽአል እዩ ዝብል ስግኣት እውን ኣሎ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ትካል ንፌደራል መንግስቲ ካብ ዝህቦ ሓገዝ ወጻኢ ብቐጥታ ናብተን በቲ ዕስለ ዝተጠቕዓ ክልላት ክልእኽ ተስፋ ከም ዝገብር ሓቢሩ።

"ከምኡ እንተዘይተገይሩ ግን ሚልዮናት ዜጋታት ንሕጽረት መግቢ ክቃልዑ፤ እንስሳት'ውን መጋሃጫ ክስእኑ'ዮም" ብምባል ስግኣቶም ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን እቲ ዕስለ ኣብ ዝፈርየሉ ዘሎ ቦታ ኣብ የመንን ዓፋርን እናሃለው ምቁጽጻር ዝክኣለሉ መስርሕ ክተኣታቶ ሓቲቱ።