ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣዴታት፡ 'ነዴታትኩምሲ ከምዚ ኸማይ’ዶ ትዝክሩወን?'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዝኾነ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ህይወትን ሃለዋትን ኣዴታት ርሑቕ ገጠራት እንክለዓል ቅድሚ ኹሉ ኣደይ እያ ትራኣየኒ።
ኣብ ከተማ ገዛእ ርእሶም ዘነባብርሉ ዕሙር ንግዳዊ ትካልን ዝተደላደለ ናብራን ዝነበሮም ወለደይ፡ ብዕግርግር ዝዝከር ዓመተ 1975፡ ሰላም ኤርትራ ምስተዘርገን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ፡ መንእሰያት ብስልኪ ክሕነቑን ብጥይት ክቕተሉን ምስ ጀመሩ፡ ወለድና ክማልእዎ ዝኽእሉ ንብረት ጥራሕ ሒዞም ንደቆም ጠርኒፎም ንዓዲ ወሲዶሙና።
ሽዑ ከኣ እየ ናብራ ገጠር እውን ክፍትኖን ከስተማቕሮን ዕድል ረኺበ። ኩናት ወረ ኩናት ስለዝቐጸለ ካብ ትምህርትና ተሰናኺልና።
ኣብ ከተማ ዝለመድናዮ ሕንቁቕ ናብራ ስኢንና ከም ሰብና ከቢድ ናብራ ገጠር ክንለማመዶ ጀሚርና። ወለድና ኣብ ገጠር ተወሊዶም ስለዝዓበዩ እቲ ናብራ ኣይሓደሶምን።
ነቶም ካብ ዝለመድናዮ ዓራትን ፍርናሽ ኣብ ንእድን ማእስን ክንድቅስ፡ ኣብ ክንዲ ቡንባ ከፊትና ማይ ንሰቲ፡ ካብ ርሑቕ ቦታ ብዝባናን ብጊርባን ዝተጓረተ ማይ ክንሰቲ፡ ኣብ ክንዲ ኣምፑል ኤለትሪክ ቀንዴል ከነብርህ ዝጀመርና ደቆም ግን ከቢዱና።

ምንጪ ስእሊ, Eric Lafforgue/Art in All of Us
ግን ዋላ እውን እቲ ብኢድ ሰብ ዝምገብን ዝሕጸብን ዝነበረ ኣዝዩ ሕንቁቕ ሰብ፡ ጸገም ምስ ወረዶስ ንኹሉ ይኽእሎ እዩ። ፈትዩ - ከይፈተወ ይለማመዶ።
ድሕሪ ቁሩብ እዋን ግን ደሓን ይእተዉ ስድራና ኣለማሚዶምና መዛኑና ኣዝማድ እናምሃሩና ናብራ ገጠር ኪኢልናዮ። ዓዓቕምና ክንገብር ከኣ ደድሕሪ ወለድና ናብ ዕዮ ሕርሻ ክንወፍር ጀሚረና።
ስድራና ጥሪት ስለዝዓደጉ ምስ ደቂ ዓድና መንእሰያት ፈቐዶ ሩባን ኩርባን ጥሪት ክንጓሲ ጀሚርና።

ምንጪ ስእሊ, hadynyah
ኣጋጣሚ ኮይኑ ወለድና፡ ኣብ ከተማ ዘዋህለሉዎ ትሕዝቶ ስለዝጸንሖም፡ እቲ ንሓረስታይ ዘድልዮን ዝድግፎን፡ ከም ጽምዲ ኣብዑር፡ ማይን ዕንጸይትን ዝጓርቱ መጽዓኛ፡ ንጸባን ስጋን ዝኾና ጥሪት ጤለ በጊዕ ስለዝዓዳደጉ ኣብ ዕዮ ሕርሻ ዝሕግዙዎም ሸቃሎ ክኸፍሉ ይኽእሉ ስለዝነበሩ ናይ ጉልበት ደገፍ ነይሩዎም እዩ።
እቲ ዓቕሚ ዘይብሉ ገባራይ ግን ማዕረ ክንደይ ከምዝሽገር ምስክር እየ - ልዕሊ ኩሉ ከማይ መሰልተይ ደቀንስትዮ።
እቲ ክግበር ዝከኣል ሓገዝ እናሃለዋ እውን ወላዲተይ፡ ንሓንሳብ በረኻ ውዒላ ንዓዲ ክትኣቱ እንከላ፡ ሕቖኣ ክሳብ ዝጉበጥ ልዕሊ ዓቕማ ዕንጸይቲ ተሰኪማ ብረሃጽ ተሓጺባ ንገዛ ክትኣቱ ክርእያ እንከለኹ፡ ናብቲ ዝነበርናዮ ምቾት ናብራ ከተማ እንምለሰሉ መዓልቲ ሃንቀው እብል ነበርኩ።
ምስ ምንዋሕ ግዜ ግን ኩሉ ይልመድ እዩ። ኣነ ንባዕለይ ኣብ ገጠር ጎቢዘ፡ ምስ ጥሪት፡ በረኻ ውዒለ ንገዛ ክኣቱ እንከለኹ ናይ ግድን ዕንጸይቲ ኣራርየ ክኣቱ ኣሎኒ።
በይነይ ዘይኮንኩ ኩሉ ጓሳን በረኻ ዝወዓለ ስድራ ሓረስታይን ዝገብሮ እዩ። ሕጂ ካብ ናብራ ገጠር ርሒቐ፡ ዶባት ሰጊረ ርሑቕ ሃገር ሰፊረ ብዛዕባ ኣዴታት ናብራ ገጠር እንክዝክር ነብሲ ወከፍና እቶም ዕባይ ገጠር ብዘሎና ዕዳ ሕልናን ግብርን አስተንትን።
ብፍላይ ኣብዚ ናይ ኮቮድ እዋን እተን ኣብ ገጠራት ዝርከባ ሓረስቶት ደቀንስትዮ፡ ኣይረድ እምበር ሕማም እንተጋጢሙ ኣብ ከባቢአን ብቑዕ ሕክምናን እኹል መድሃነትን ስለዘይርከብ ብዝያዳ ንሳተን እየን ክህሰያ።
ብፍላይ ከኣ ምስዚ ሕጂ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ኣንበጣ፡ ዕለታዊ ህይወት ሓንቱ ስድራ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውንግድንእዩ።
ኣዴታት ትግራይ፡ ምድረ ሰማይ ንዝኽድን ዕስለ ኣንበጣ ብድምጽን ጨንገርን ከባርራ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክርእየን እንከለኹ ከብደይ ይበልዓኒ።
ኣብ ቦተአን ንወላዲተይ ንኣዴታት ኤርትራ ንዝተጸገማ ኣዴታት ዓለም ኣቐሚጠ እርእየን እሞ ኣደ ስድራስ ኣይትንባዕ ደኣ እብል። ዓቕምና ብዝኽእሎ ክንደጋገፈን ክኣ እምሕጸን።
ሓረስቶት ኣዴታት፡ ዓመት ምሉእ እግሪ እግሪ ሰብኡተን ወፊረን፡ ኣብ እዋን ማሕረስ፡ ኣብ ጎልጓል ተደፊአን፡ እኽሊ መሰብቆላ፡ ወርሕን ክልተ ወርሕን ዝናብ ሰማይ ኣብ ዝባነን እናጽሓያ፡ ተደቢረን ግራተን ክጽህያ ከቢድ ግዜ አሕሊፈን ዘራእቲ ጨልቂዑን ሰዊቱን ሎሚ ጽባሕ ዓጺደን ዓውዲ ኣውዲቐን ምህርተን ክሓፍሳ እናተጸበያ ኣብ ሑጻ ምድረበዳ ተጸፍዩ ዝተወልደ ዕስለ ኣንበጣ ሓደጋ ክወድቀን እንከሎ ከመይ ዘይነብዓ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ንእስነተይ ኣሰር ወለደይ ኣብ ዕዮ ሕርሻ ስለዝተሳተፍኩ ጻዕርን ድኻምን ሓረስታይ አዐርየ ስለዝፈልጦን ንብዓትን ቃንዛን ኣዴታት ብዓይነ ሕልናይ እስእሎ’ሞ ብሓሳብ ምሰአን እነብዕ።
እቲ ከቢድ ናብራ ሓረስታይ፡ እትረፍ ወራር ኣንበጣ ተወሲኹዎ፡ ብዘይብኡ እውን ከቢድ እዩ።
ዓመት ምሉእ ረሃጹ እናሓበሰ፡ ምስ መሬት እናተቓለሰ፡ ምስ ድኹም ምሕደራ እናተባእሰ ህዝብን ሃገርን ዝምግብ ሓረስታይ ዘይሓለፈሉስ፡ ቁሩብ ፊደል ቆጺሩ፡ ፍልጠት ቀሲሙ ቢሮን ወረቐትን ሒዙ ኣብ ኦፊስ ዝተቐመጠ ክዋጃ ዝሓሸ ናብራ ክነብር ክሓስቦ ይኸብደኒ።
እቲ ብዝተፈላለየ ዓውዲ ዝተማህረ፡ ውላድ እቲ መሰረትን መበቆልን ሃገርን ዓድን ዓዃይ ሓረስታይን ህዝቢ ከመሓድር ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት መንብሮ ሓረስታይ ከመሓይሽ ማዕረ እቲ ዓዃይ ፋሕተርተር ክብል ስለዘይርእዮስ ረሃጽን ድኻምን ወለደይ እረኣየኒ’ሞ ካብ ሕድሮም ነዊሕ ርሒቐ ከምዘለኹ ይስወጠኒ።

ምንጪ ስእሊ, Veronique DURRUTY
ሕቡራት ሃገራት ን15 ጥቅምቲ ከም ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣዴታት ርሑቕ ገጠራት ክትበዓል ካብ ዝውስን ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ዕላማ ኣህጉራዊ ዕለት ዜጋታትን ስርዓታትን ኣብቲ ዝለዓል ቴማን ዛዕባን ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ንምዝኽኻር እዩ።
ካብቲ ኣብ ገጠር ዝዓበኹሉ ግዜ ክሳብ ሎሚ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ግን ከአ ብመጠኑ ዝተገበረ ለውጢ እኳ እንተሎ ኣዴታትን ኣሓትን ገና ክሳብ ሕጂ ብዝባነን ዕንጸይቲ ይወፍራን ማይ ይወርዳን ኣለዋ። ናብራ ገጠር ከም ቀደሙ ናብራ ምረት ናብራ ጽሮትን አኻእሎን እዩ።
ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ኣብዚ ከቢድ ናይ ኮቪድ እዋን ምስ ኩሉ ጸገማተን ኣብ ቅድመ ግንባር ዝስለፋ ደቀንስትዮ እየን።
ምስ ኣሚነን ምስ ደቀን ንስድራዝጥውራ ንሳተን እየን። መግቢ ስድራ የዳልዋ፡ ካብ ርሑቕ ሩባታት ከይተረፈ ዝስተ ማይ ብዝባነን ጓሪተን ስድረአን ዝናብያ፡ ኣብ ከቢድ ዕዮ ሕርሻ ማዕረ ሰብኣይ እናሰርሓ፡ ሰንሰለት ወለዶ ንምቕጻል ዝጠንሳ ዝሓርሳ፡ ደቀን ዘዕብያን ስድረአን ዝናብያን ደቀንስትዮ ኣዴታትን ኣሓትን እየን።
ደሓን ይእተዋ ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ ብዙሕ ዝጎድለን ነገር እኳ እንተሎ፡ ሓሓሊፈን ንጽጉማት ኣዴታት ጊርባን ኣድግን ክዕድላን ኣድሓነት ዝሰመያኣ ዕንጸይቲ እትቑጥብ፡ ጸገማት ኣዴታት እትፈትሕ ከመይ ዝኣመሰለ ፕሮጀክት ስለዘተኣታተዋ ብልቢ ከመስግነን ይደሊ።
ነዴታትኩምሲ ከምዚ ኸማይ’ዶ ትዝክሩወን? ንነገሩ እየ ኢለዮ እምበር መን ነዲኡ ዘይዝክርን ዘየኽብርን! እቲ ጻዕርን ድኻምን ወላዲቱ ዝስመዖ እቲ ቃንዛን ንብዓትን ወላዲቱ ዘይርስዕ ሰብ ዝፈተኖ ጉዕዞ ዝቐንዖ ይመስለኒ።

ምንጪ ስእሊ, Per-Anders Pettersson
ነብሲ ወከፍ’ቲ ኣብ ገጠር ተወሊዱ ዝዓበየ መንእሰይ፡ ሎሚ አዒንቱ ዓሚቱን ጻዕርን ድኻምን ወላዲቱን ሓፍቱን ብዓይነ ሕልንኡ ክዝክር እንከሎ መጠነ ክንደይ ዝእወዶ ዕዳ ከምዘለዎ ክስመዖ እዩ።
ኣብ ዛዕለት እዚኣ፡ ነብሲወከፍ እቲ ብዝባን ኣዲኡን ሓፍቱን ካብ ዒላታትን ሽያኽን ወይ ካብ ወሓዚ ሩባታት ዓዱን ጎደቦኡን ብዝተጓረተ ማይ ጽምኡ ዘጥለለን ድሕሪት ተመሊሱ ነብሱ እንተፈቲሹ፡ማዕረ ክንደይ ዘይተኸፍለ ዕዳ ከምዘለዎ ክስቆሮ እዩ።
እቲ ሎሚ፡ እንተስ ተማሂሩ፡ ብፍልጠቱ ተቖጺሩ ኣብ ከተማታት ዝነብር፡ እንተስ ዝሓሸ ናብራን ህይወትን ክደሊ ካብ ገጠራት ዓዱ ኣርሑቑ ምናልባት ዶባት ሃገሩ ሰጊሩ ብስደት ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝነብር፡ንሓንቲ ደቒቕ እውን ዓይኑ ዓሚቱ ሕሉፍ ህይወቱ እንተዘኪሩ ጻዕሪ ወላዱቱን ሓፍቱን ክስመዖ እዩ።
እቲ ዝተወልደ ብዓቕሙ ዓዱን ገጠሩን ክሕግዝ፡ እቲ ህዝቢ ዘመሓድር መንግስቲ ከኣ ህይወትን ናብራን ገጠራት ከመሓይሽ ክጽዕር፡ እቲ ብጉልበት ዝዕመም ዕዮ ሕርሻ ብዘበናዊ መሳርሒ ንኽፍጸም ኣብ ምርምርን ምህዞን ክሰርሕ ንሓረስቶት ክድግፍ ግዴታ ኣለዎ።
ሓፍትኹም ዕባይ ገጠር ነባሪት ስደት እየ!!







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







