ደቂ ኣንስትዮን ስነፍልጠትን፡ ንድሑር ኣተሓሳስባት ዝሰዓራ ተመራመርቲ

ደቂ ኣንስትዮ ሳይንቲስታት

ምንጪ ስእሊ, Schmidt Futures/BBC/NovoNordisk/Getty

እዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚኤን ንዘጋጠምወን ማሕለኻታት ብትብዓት ሰጊረን ኣብ ዓውዲ ሳይንስ (ስነፍልጠት) ዓለምና ስመን ክጽዋዕ ዝገበራ እየን።

ጀማሪት ወይ ገዲም፡ ፕሮፌሰር ቤል በርኔል

ቅድሚ 50 ዓመታት ንፐልሳር [ማግኔታዊት ኒውትሮን ኮኸብ] ዝረኸበት'ያ። ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዓውዲ ሳይንስ ብምምጻእ ተሳትፎ ክገበራ'ውን ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ብምክያድ ትፍለጥ።

ብ1950ታት ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ገና ተመሃሪት ኮይና፡ ንሳ'ውን ልክዕ ከም ካልኦት ደቂኣንስትዮ፡ ሳይንስ ክትመሃር ኣይተፈቐደላን። በዚ ምኽንያት ከኣ ወለዳን ካልኦት ሰባትን ተቓውሞኦም ከስምዑ ጀሚሮም።

ኣብቲ እዋን ደቂ ተባዕትዮ ናብ ቤተ-ፈተነ ሳይንስ ክለኣኹ ከለዉ ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ግን ነቲ ዕድል ይረኽባ ዘይምንባረን ትዝክር።

"ኣዋልድ ናብ ሓዳር ኣትየን ዓራት ከመይ ይንጸፍ ክመሃራ ጥራይ ይግበር ነይሩ" ትብል።

ዴም ጆክሊን ቤል በርኔል

ምንጪ ስእሊ, Colin McPherson

መግለጺ ስእሊ, ዴም ጆክሊን ቤል በርኔል

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ብፕሮፌሰርነት 'ኣስትሮፊዚክስ' ሞያዊ ፍልጠታ ኣብ ምስግጋር ትርከብ።

ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሳይንስ ብምምጻእ እጃመን ክፍጽማ ብእትገብሮ ምትብባዕ ድማ ሽልማታት ክትረክብ ኪኢላ'ያ።

ንሳ ከም እትብሎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሳይንስ ዘለወን ተሳትፎ ዝተሓተ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ብምኽንያት ድሑር ኣተሓሳስባታት'ምበር ብቑዕ ኣእምሮ ብዘይምሓዘን ኣይኮነን።

ንደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ሳይንስ ክትምዕድ ከላ "ኣይትደሓላ፤ ቅረባ፤ ብዕቱብ ስርሓ ቆራጻት ከኣ ኩና" ትብል።

መራሒት መናዕቲ፡ ዶክተር ኒኮላ ቢር

ኣብ ሳይንስ ዘለዋ ድልየት ግዜ ቁልዕነታ'ዩ ዝጅምር።

ኣብቲ እዋን ሓደ መምህራ ማዕበል ድምጺ ከመይ ከም ዝመስል ዘረድኣሉ መገዲ፡ ካብ ሕልንኣ ዘይጠፍእ ተዘክሮኣ እዩ።

ሩዝ ኣብ ልዕሊ ወረቐት ብምግባር ንኢሽተይ ስፒከር [መጉልሕ ድምጺ] ተጠቂሙ'ዩ ነቲ ሳይንሳዊ ባህርያት ከረድኦም ፈቲኑ። እዚ ድማ ካብ ሕልንኣ ከም ዘይጠፍአ ትዛረብ።

ካብ ኣባላት ስድርኣ ቀዲማ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተወት ንሳ'ያ። ብባዮኬሚስትሪ ቀዳማይ ዲግሪኣ ምስ ሓዘት ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ብምእታው ፍልጠታ ኣማዕቢላ።

ዶክተር ኒኮላ ቢር

ምንጪ ስእሊ, NovoNordisk

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ኒኮላ ቢር

ኣብ ኦክስፎርድ ማእከል መጽናዕቲ ኖቮ ኖርዲክ ሓላፊት ክፍሊ ትምህርቲ 'ዲስከቨሪ ባይሎጂን ፋርማኮሎጂን' ኮይና ትሰርሕ።

ደቂ ኣንስትዮ ዋላ'ኳ ኣብ መሪሕነት ዘለወን ቦታ ዝተገደበ ይኹን፡ ንሓድሕደን ክተሓጋገዛ ከም ዝግባእ ትኣምን።

"ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተለመደ ድሑር ኣተሓሳስባ፡ ክንድዝከኣለን ናብ መሪሕነት ንክመጽኣ ስሙር ጻዕሪ ምግባር ኣገዳሲ ከም ዝኾነ እሓስብ" ክትብል ትዛረብ።

ንድሑር እምነታትን ኣተሓሳስባታትን ክትቃለስ ወትሩ ድልውቲ ከም ዝኾነት እትገልጽ ዶክተር ኒኮላ፡ ነቶም ማሕለኻታትን ቅድመ-እማረታትን ምስባር ከም ዝከኣል ዘለዋ ጽኑዕ እምነት ተረድእ።

ዘይድፈር ዝደፈረት: ግላዲስ ጌቲች

ግቲች ኣብ ሓደ ኣኼባ "መሃንዲስ [ኢንጂኔር] ኣይትመስልን" ካብ ዝተብሃለትሉ እዋን ጀሚራ፡ ኢንጂነር ከመይ ክመስል ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ከም ዝገበረት ትዛረብ።

መካኒካል ኢንጂነሪንግ (መካኒካዊ ምህንድስና) ተጽንዕ ኣብ ዝነበረትሉ ንግጉይ ኣተሓሳስባታትን እምነታትን ብትሪ ትቃለስ ነይራ። ዘይድፈር ወይ ዘይከኣል ዝመስል ነገር ዝደፈረት ክትኸውን ድማ ድልየት ነይርዋ።

ኣብ ኬንያ ተመሃሪት መካኒካል ኢንጂነሪንግ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንሳ ካብ ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ነይራ።

ግላዲስ ጌቲች

ምንጪ ስእሊ, Schmidt Futures

መግለጺ ስእሊ, ግላዲስ ጌቲች

"ዝበዝሑ ምሳና ይመሃሩ ዝነበሩ ደቂተባዕትዩ ንሕና ክንወጾ ከም ዘይንኽእል ይሓስቡ ነይሮም" ክትብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ትዝክር። ኮይኑ ግን ንትምህርታ ብምውዳእ ቀዳማይ ዲግሪ ረኺባ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ብምህንድስና 'ኤሮስፔስ' ፒኤችዲ ትውድእ ኣላ።

ናይ ሸምዲት ሳይንስ ፌሎውሺፕ 2019 [ኣብ ሳይንስን ኢንጂነሪንግ ናይ ዶክትሬት ዕድል ትምህርቲ ዝህብ ፕሮግራም] ተዓዋቲት ብምዃን ትምህርታ ትከታተል ኣላ።

ብኸም ፕሮፌሰር ቤል በርኔል ዝበላ ደቂኣንስትዮ ዝተነቓቕሐት ጌቲች፡ ንሳ'ውን ንሓደሽቲ ደቂኣንስትዮ መሃንዲሳት ኣብ ምትብባዕ ከም እትሰርሕ ተዛሪባ።

"ዝኾነ ሰብ ሓድሽ መገዲ ክደሊ ከም ዘለዎ ምእማነይ ንቕድሚት ክቕጽል ገይሩኒ። ንኻልኦት ሰባት መገዲ ንምጽራግ ጉዕዞ ክንጅምር ኣለና" ትብል።

ካልኦት ኣሰራ ዝስዕባ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝህልዋ እምነታ ገሊጻ።

ዶክተር ሜጋን ዊለር

ዓለምና ንዘጋጥምዋ ብድሆታት ብኸመይ ክትሰግሮም ትክእል? ሳይንስ ነዚ ፍታሕ ኣለዎ፡ ግን ከኣ ንጸገማት ብዝተፈላለዩ መነጸራት ምርኣይ እንተተኻኢሉ ጥራይ ፍታሕ ከም ዝርከብ ዶክተር ሜጋን ትኣምን።

ዶክተር ሜጋን ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ኤች ሸሚድት ሳይንስ ፌሎውስ [HSchmidt Science Fellows] እያ።

እዚ ፕሮግራም ኣብ መጻኢ ወለዶ መራሕቲ ዓውዲ ሳይንስ ዝኾና/ኑ ሙሁራት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።

Dr Megan Wheeler

ምንጪ ስእሊ, Schmidt Futures

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ሜጋን ዊለር

ዶክተር ዊለር ብ'ኒዩሮሳይንስ'ን 'ክሊኒካል ሳይኮሎጂ'ን ክልተ ዶክትሬት ኣለዋ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ሳይንስ ንብድሆታት ዓለምና ኣብ ዝፈትሓሉ ዕላማ ኣድሂቡ ንዝካየድ ፕሮግራም ትመርሕ ኣላ።

ናይ መጻኢ ኮኾብ፡ ኤሊና ኣይኖ ጆናን

ንፍሉጥ ሙሁር ፊዚክስን በዓል ሞያ ህክምናን ዶክተር ኤልያን ኣይኖ ጓሉ እያ። ኣብ ፊንላንድ ዓብያ።

መብረቕ (መስታ) ክረኣይ ከሎ ወላዲ ኣቡኣ ብዛዕብኡ ሳይንሳዊ መብርሂ እናሃባ፡ ኣዲኣ ከኣ ብዛዕባ ኣካላት ደቂሰብ ፍልጠት እናመገበታ ከም ዝዓበየት ትዛረብ።

ገና ቆልዓ ኮይና ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ትግደስ ብምንባራ፡ ናይ ባዕላ ፋርማሲ ከፊታ።

ኤሊና ኣይኖ ጆናን

ምንጪ ስእሊ, BBC/Helen Briggs

መግለጺ ስእሊ, ኤሊና ኣይኖ ጆናን

ብባይሎጂ (ስነ-ሂወት) ክትምረቕ ብምኽኣላ፡ መጻኢ ህይወታ ካብኡ ዝረሓቐ ኣይነበረን።

"ብሳይንስ ብጣዕሚ'የ ዝምሰጥ፡ ምኽንያቱ ክፈልጥ እደልይ እየ። ክትፈልጦ ዝግበኣካ፡ ክተንብቦን ክትመሃሮን ዘለካ ብዙሕ ነገር ኣሎ" ትብል።

ናብ ዩኒቨርሲቲ ሄልሰንኪ ብምእታው ሞለኪዩላዊ ሳይንስ ኣጽኒዓ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ኣብ ኦክስፎር ማእከል መጽናዕቲ ኖቮ ኖርዲስክ ተመራማሪት ኮይና ትሰርሕ።

"ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ ኣብ ሳይንስ ዘለወን ቦታ ዝሰፍሓሉ ኩነታት ክንሓስብ ከለና፡ እቲ ስራሕ ካብ ሎሚ ክንጅምሮ ከም ዘለና እሓስብ" ክትብል ተረድእ።