ሜክሲኮ፡ ጾታ ዝፈልዩ ዲቪዛ ኣጊዳ

ፈተና ዝሰርሕ ዘሎ ቆልዓ

ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ክላውዲያ ሼኒባም ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ዝምሃሩ ተምሃሮ፡ ድሕሪ ሕጂ ጾታ ዝፈልዩ ድቪዛ ኣይክኽደኑን'ዮም ኢላ።

"ደቂ ተባዕትዮ እንተደልዮም ቀምሽ፤ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ስረ ክኽደኑ ይኽእሉ'ዮም" ኢላ።

እዚ ስጉምቲ፡ "ንመዓርነት ባይታ ክፈጥር ይክእል'ዩ"።

ቅድም ኢሉ ዝነበረ መስርሕ፡ "ናብ ቤት ትምህርቲ ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ቀምሽ ክክደና ግዴታ'ዩ፤ ስረ ድማ ንደቂ ተባዕትዮ እዩ" ዝብል።

ከንቲባ ሼኒባም እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ፡ "እዚ ታሪኩ ሓሊፉ'ዩ" ብምባል፡ እዚ ሓድሽ ውሳነ 'ብቐጥታ' ግብራዊ ክከውን'ዩ ኢላ።

ከንቲባ ሜክሲኮ ክላውዲያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ሚኒስቴር ትምህርቲ ሜክሲኮ ንውሳኔ እታ ከንቲባ ተቐቢሉ፤ ካልኦት ከባቢታት'ውን ክስዕብኦ ምኻነን ሓቢሩ።