እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሜክሲኮ፡ ጾታ ዝፈልዩ ዲቪዛ ኣጊዳ
ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ክላውዲያ ሼኒባም ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ዝምሃሩ ተምሃሮ፡ ድሕሪ ሕጂ ጾታ ዝፈልዩ ድቪዛ ኣይክኽደኑን'ዮም ኢላ።
"ደቂ ተባዕትዮ እንተደልዮም ቀምሽ፤ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ስረ ክኽደኑ ይኽእሉ'ዮም" ኢላ።
እዚ ስጉምቲ፡ "ንመዓርነት ባይታ ክፈጥር ይክእል'ዩ"።
ቅድም ኢሉ ዝነበረ መስርሕ፡ "ናብ ቤት ትምህርቲ ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ቀምሽ ክክደና ግዴታ'ዩ፤ ስረ ድማ ንደቂ ተባዕትዮ እዩ" ዝብል።
ከንቲባ ሼኒባም እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ፡ "እዚ ታሪኩ ሓሊፉ'ዩ" ብምባል፡ እዚ ሓድሽ ውሳነ 'ብቐጥታ' ግብራዊ ክከውን'ዩ ኢላ።
ሚኒስቴር ትምህርቲ ሜክሲኮ ንውሳኔ እታ ከንቲባ ተቐቢሉ፤ ካልኦት ከባቢታት'ውን ክስዕብኦ ምኻነን ሓቢሩ።