እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሜክሲኮ፡ ሕጹይ ፕረዚደንት 'ናይ ፕረዚደንት ነፋሪት' ኣይደልን ኢሉ
ኣንደሬስ ማኑዮል ሎፕዝ ኦብራዶር፡ ምስ ናይ ህዝቢ ነፋሪት እናተጉዓዘ እንከሎ ብምኽንያት ብርቱዕ ዝናብ ንሰለስተ ሰዓታት ድኣ መንገዱ ይሰናኸል'ምበር ሓሳቡ ከምዘይቕይር ሓቢሩ።
እዚ ሕጹይ ፕረዚደንት ጸጋማዊ ክንፊ፡ ኣብ ሓምለ ፕረዚደንት ንክኸውን ዝተመረጸ ክኸውን እንከሎ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ቃላ መሓላ ክፍጽም እዩ።
እታ ናይ ፕረዚደንት ሜክሲኮ ነፋሪት ቦይንግ 787 ደሪም ላይነር ኮይና፡ ብፕረዚደንት ሜክሲኮ ነበር ፈሊፕ ካልድሮን ኣብ 2012 ዝተጠለብት'ያ። እዛ ነፋሪት ኣስታት 218.7 ሚልዮን ዶላር እያ ትትመን።
እዛ ነፈሪት፡ ፕረዝደንታት ካብ ዝጥቀሙለን ዘመነዎት ዝብሃላ ነፈርቲ ሓንቲ እያ።
ሕጹይ ፕረዚደንት ኣንደሬስ ማኑዮል ሎፕዝ ኦብራዶር "ኣብዛ ሃገር ጥምየት እንከሎ ኣብ መጋየጺት ነፋሪት ክትጉዓዝ ምፍታን ዘሕፍር'ዩ" ብምባል እዩ ነዛ ነፋሪት ዝሕሰማ ዘሎ።
እታ ነፋሪት ክሸጣ ውጥን ከምዘለዎ'ዉን ተዛሪቡ።