ፕሬዚደንት ትራምፕ ን1.8 ሚልዮን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዜግነት ንምሃብ መዲቡ

ቃለ-ማሕላ ዝፍፅሙ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቃለ-ማሕላ ዝፍፅሙ ሰባት

እቲ መቓን፡ ትራምፕ ቅድሚ ምስ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ሕጋዊ ልዝብ ምጅማሩ፡ ብሓደ ዝለዓለ ተሓጋጋዚ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኢዩ ከም ሓሳባት ቀሪቡ።

እቲ እማመ፡ ብሰኑይ 29 ጥሪ ንህዝቢ ክቐርብ ኢዩ። ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ምስ መክሲኮ ዘዳውብ መንደቕ መህነጺ 25 ቢልዮን ዶላር [17.6 ቢሎን ፓዎን] ክሓትት እዩ።

እቶም ንመህነጺ እቲ መንደቕ ዝተሓተት ገንዘብ ዝተቓወሙ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ነቲ መደብ'ውን ነቕፎሞ ኢዮም።

እቲ መደብ እንታይ'ዩ?

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ፡ እቲ ዝርዝር ኣብ ሓደ ብሓሙስ 25 ጥሪ ኣብ መንጎ ስቲፈን ሚለር፡ ናይ ዋይት ሃውስ ናይ ውጥን ሓላፍን ናይ ሰልፊ ሪፓብሊክ ናይ ባይቶ ተሓጋጋዝን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢዩ ተገሊጹ።

ሚለር ነቲ ናይ ዋይት ሃውስ መደብ "ድራማዊ ሕድገት" ሰምይዎ።

እቲ ሰማያዊ ንድፊ ኣብ ውሽጢ 10-12 ዓመት ን1.8 ሚልዮን ሰባት ዜግነት ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ።

እዚ ድማ ነቶም 700,000 ዝኾኑ ብሓለምቲ ዝፍለጡ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተው ቆልዑ የጠቓልል።

ኣብ ግዜ ፕሬዚደንት ኦባማ፡ ናይቶም ንኣሜሪካ ዝኣትው ቆልዑ ንኸይስጎጉ ዝከላኸል ዳካ [Daca] ተባሂሉ ዝፍለጥ መደብ ነይሩ።

እቶም ዝተረፉ 1.1 ሚልዮን ስደተኛታት ንዳካ ዘየመልከቱ ድማ ነቲ መደብ ብቑዓት ዝኾኑ ኢዮም።

ዜግነት ኣመሪካ ዝሓቱ ሰባት
መግለጺ ስእሊ, ደቂ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኣመሪካ

እቲ ናይ ዋይት ሃውስ መቓን ካልኦት ክልተ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብቐጻሊ ዝነቐፈን ውጥናት ክስረዛ ድማ ይጠልብ።

እቲ ቀዳማይ መቓን፡ ነቲ ብቸይን ማይግሬሽን ዝፍለጥ፡ ነበርቲ ኣሜሪካ ንሰበይቱ/ሰብኣያን ደቆምን እምበር፡ ንኻልኦት ኣባላት እቲ ስድራቤት ቪዛ ንኸይውሃቡ ዝእግድ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልእይ ድማ ዋይት ሃውስ ነቶም ንኣስታት 50,000 ሰባት ካብ ምሉእ ዓለም ነብሲ ወከፍ ዓመት ንኣሜሪካ ብዲቪ [DV lottery] ክኣትው ዘፍቕድ ሕጊ ድማ ክስረዝ ይደልይ።

እንታይ ተቓውሞ ኣስዒቡ?

ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ ቶም ኮቶን፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ጉዳይ ኢሜግሬሽን ዓቃባዊ መርገጺ ዘለዎ፡ ነቲ ናይ ትራምፕ መደባት መርሓባ ኢሉ ተቐቢልዎ።

እቲ ናይ ኣርካንሳን ኣባል ባይቶ፡ ቶም ኮቶን፡ እቲ ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ መቓን ኣዝዩ ለዋህ፣ ሰብእውን ጥንቁቕን ኢዩ ኢሉ።

ብኣንጻሩ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት በቲ መቓን ኣይተሓጎሱን።

ሓደ ኣባል ባይቶ ዴሞክራት፡ ዲክ ድርቢን፡ ነቲ ብፕሬዚደንት ትራምፕ ዝቐረበ ስድራቤታት ዘበታትን መቓን እቶም ብሓለምቲ ዝፍለጡ ሰባት ጅሆ ክትሓዙ የብሎምን ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ዘይውጽኢታዊ መንደቕ ድማ ቢልዮናት ዶላራት ምብኻን ብምቅዋም መግለጺ ሂቡ።