ሜክሲኮ፡ ተምሃሮ ሜክሲኮ ፆታዊ ጥቕዓት ዝምክታሉ ጃኬት ምሂዘን

ኣናይድ ፓራ እትብሃለክ ዝመሃዘቶ ኤሌክትሪክ ዘመንጨወቶ ጃኬት

ምንጪ ስእሊ, Conacyt

መግለጺ ስእሊ, እዚ ጃኬት ካብ ደገ እንትንካእ ነዝሪ ኤሌክትሪክ ዘመንጭው እዩ

ኣርባዕተ ተምሃሮ ሜክሲኮ ዝመሃዞኦ እዚ ጃኬት፡ ነዚ ዝተኸደና ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ ጥቕዓት ሓዊሱ ካብ ዝኮነ ይኹን ዝመፅእ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዓይነተኛ መገዲ ምዃኑ ተዛሪበን።

እቲ ኣብ እጅገ ከባቢ እቲ ጃኬት ዝቕበር ኤሌክትሪክ እዚ ኣብ ረብሓ እንድሕር ውዒሉ ዝኾነ መጥቃዕቲ እንትፍፀም ሃንደበታዊ ምላሽ ዝህብ እዩ።

እተን መሃዝቲ ተምሃሮ ነዚ ሓሳብ ከምፃኣ ዝደፋፈአን ኣብ ከባቢአን ብተዳጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ፆታዊ ጥቕዓት ምዃኑ ይዛረባ።

እቲ ንዝረት ኤሌክትሪክ ከመንጭው ዝኽእል፡ ሓደጋ ንምምካት እኹል ኣፅዋር እዩ'ኳ እንተዘይተብሃለ ሓደ መከላኸሊ መገዲ ግን ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ንኣዋልድ ጥራሕ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝተሰርሐ እዚ ጃኬት ብደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ 'ሜካትሮኒክስ' ኢነጂነሪንግ (ምህንድስና)፡ ኣናይድ ፓራን ኢስቴላ ጎምዝን፡ ተምሃሪት ሮቦቲክስ ጊዋን ፓርክ ከምኡውን ተምሃሪት ሕጊ ጋድሉፕ ማርቲንዝ ኣብቲ ምህዞ ልዑል ተሳትፎ ዝገበራ እየን።

ኣብቲ ምህዞ ዝተሳተፋ ኣርባዕተ ተምሃሮ

ምንጪ ስእሊ, ITESM

መግለጺ ስእሊ, ኣናይድ ፓራ፣ ኢስቴላ ጎምዝ፣ ጊዋን ፓርክ ከምኡውን ተምሃሪት ሕጊ ጋድሉፕ ማርቲንዝ

እዘን መሃዝቲ ተምሃሮ ኣብ ሞንተሪ ትካል ቴክኖሎጂ ዝመሃራ እንትኾና 'ፈጠራ ስራሕ' ኣብ ዝብል ኣካል ክፍሊ ትምህርቲ ዘማዕበለኦ ምዃኑ ተፀብፂቡ።

ካብ መንጎአን ሓንቲኣ ናይድ ፓራ፡ "ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ግዳያት ተደጋገሚ ፆታዊ ጥቕዓት ምዃነን ምስ ፈለጥና ንእሽተን መፅናዕቲ ኣካይድና እዚ ሐሳብ ድማ መፂኡልና " ክትብል ተዛሪባ።

ኣብታ ዝነብራላ ግዝኣት ሜክሲኮ ፑቤላ፡ መዓልታዊ ጾታዊ ጥቕዓት ይፍጸም።

እቲ ጃኬት ካብ ጡጥ ዝተሰርሐ እንትኾን፡ ትሸዓተ ቮልት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመንጪ ባትሪ ኣብ ዉሽጡ ተገጢሙሉ'ዩ።

እቲ ናይ ኤሌክትሪክ ገመድ፡ ኣብ ዉሽጢ እቲ ጃኬት ዝዘዋወር እንትኾን፡ እቲ ጃኬት ኤሌክትሪክ ንከመንጪ ኣብቲ መዕጸዊ (ጃኬት) መብርህን መጥፍን ተገጢሙሉ'ዩ።

እቲ ጃኬት ኤሌክትሪክ ንከመንጪ ኣብቲ መዕጸዊ (ጃኬት) መብርህን መጥፍን ተገጢሙሉ

ሓደ ሰብ፡ እቲ ጃኬት ንዝተኸደነ ሰብ ከጥቅዕ ሓሲቡ ማእገር እቲ ሰብ እንትነክእ፡ ናይ ኤሌክትሪክ ንዝሪ የጋጥም።

እቲ ንዝሪ ነቲ ዘጥቅዕ ሰብ ኣብ ዘንቀጥቅጠሉ እዋን፡ ተኸዳኒ እቲ ጃኬት ናይ ምምላጥ ግዘ ረኺቡ ንርእሱ የድሕን።

እንተኾነ ግና፡ ንዝሪ ኤሌክትሪክ እቲ ጃኬት ንህይወት ዘስግእ ኣይኮነን።

እቶም ተምሃሮ፡ ተመሳሳሊ መገዲ ብምጥቃም፡ ንዝሪ ዘለዎ ካናቴራ፣ ቐምሽን ስረን ንምስራሕ ሓሳብ ኣለዎም።

እቲ ጃኬት ግና ናብ ዕዳጋ እንትኣቱ 50 ዶላር ክሽየጥ'ዩ።