ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን ኮሮናቫይረስ ናብ ውላድ ይሓልፍ’ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንተደኣ ግቡእ ጥንቃቐታት ተገይሩ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፋ ኣዴታት ኣብ ዝወልዳሉ እዋን፡ ንደቀን ነቲ ቫይረስ ከሕልፋ ከምዘይክእላ ሓደ ብንእሽቶ መጠን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።
ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከባ 3 ሆስፒታላት፡ ብኮቪድ-19 ካብ ዝተትሓዛ ኣደታት ዝተወለዱ 120 ህጻናት ኩሎም በቲ ቫይረስ ኣይተለኸፉን።
ብድሕሪ ውልደቶም፡ ገለ ካብቶም ህጻናት ጡብ ኣዲኦም ክጠብዉን ምስ ኣዴታቶም ኣብ ሓደ ክፍሊ ክኾኑን ዝተገበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ 2 ሰሙን ኣብ ዝተገበረሎም ምርመራ’ውን ካብቲ ቫይረስ ናጻ ኾይኖም ተረኺቦም።
ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ፡ እቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ዘተባብዕ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ፈተነ ኣብ ብዙሓት ክካየድ ኣለዎ ይብሉ።
ኮቪድ-19 ኣብ እዋን ጥንስን ኣብ እዋን ምጥባውን ናይ ምሕላፍ ተኽእሎኡ ክሳብ ክንደይ እዩ ኣብ ዝብል ዛዕባ ብዙሕ መረዳእታታት ስለዘየለ፡ ንጥኑሳትን ንሓራሳትን ዝወሃብ ማዕዳታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ።
ኣብ ብሪጣንያ፡ ሓካይም ማህጸንን ሕርስን ከምዝብልዎ፡ ኣደታት ምስ ህጻናት ደቀን ኣብ ሓደ ክፍሊ ክኾና ዝደልያ እንተኾይነን፡ ግቡእ ጥንቃቐታት ብምግባር ድላየን ክማለኣለን ይኽእል እዩ።
እዞም ሓካይምን ውድብ ጥዕና ዓለምን፡ ረብሓ ጡብ ኣደ ካብ’ቲ ብኮሮናቫይረስ ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ዝዛየደ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎም።
ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ግን፡ ካብ ኣደ ናብ ውላድ ኮሮናቫይረስ ናይ ምሕላፍ ተኽእሎ ንምንካይ፡ ሓራስ ኣደን ውላዳን ንግዚኡ ምፍልላይ ይሓይሽ እዩ ዝብል። ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ኩነታት ዘለዋ ኣዴታት ድማ፡ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ንደቀን ምጥባው፡ ጸበአን ሓሊበን ናብ ደቀን ክሰድዳ ከምዝኽእላ ይምዕድ።
ኣብ’ቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን፡ ኣደታትን ህጻናትን ኣብ ሓደ ክፍሊ ብሓንሳብ ክጸንሑ እዩ ተፈቒዱሎም። ኣደታት ድማ ጥንቃቐታት ገይረን የጥብዋ።
ኢደን ነነሻብ እናተሓጸባን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይረንን እየን ነዚ ዝገብራ ነይረን። መደቀሲ ናይታ ኣደን ውላዳን ድማ ብክልተ ሜትሮ ዝተረሓሓቐ እዩ።
ተመራመርቲ ዝረኸብዎ ውጽኢት:
- ኩሎም እቶም 120 ህጻናት ውልድ ምስበሉ፡ ቅምሶ ካብ ኣፍንጨኦም ብምውሳድ ዝተመርመሩ ኮይኖም፡ ኩሎም ካብ’ቲ ቫይረስ ናጻ እዮም።
- እቶም 82 ድማ መሊሶም ድሕሪ ሰሙንተመርሚሮም ኩሎም ናጻ ኾይኖም። ካብዚኦም እቶም መብዛሕተኦም (68) ምስ ኣዴታቶም ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝጸንሑ ኮይኖም እቶም ሰለስተ ርብዒ ድማ ዝጠብዉ ዝነበሩ እዮም።
- 72 ህጻናት ድማ ኣብ ክልተ ሰሙኖም ተመርሚሮም ናጻ ኮይኖም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







