ዶክትር ዘነበች 'ንማሕበረሰብ ከም መሃይም ክንቐጽሮ የብልናን' ዝብል ጽኑዕ እምነት ነይርዋ

ዶክተር ቦጋለች ምስ ህጻናት

ምንጪ ስእሊ, KMG WEBSITE

ኣብ እዋን ቁልዕነታ ብምኽንያት ጎዳኢ ልምዲ ምኽንሻብ ከቢድ ስቓይ ኣሕሊፋ እያ። ሰለስተ ግዜ ድማ ካብ ጠለፋ ክትሃድም ክኢላ።

እቲ ጎዳኢ ልምድታት ኣብኣ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ኣሓታ'ውን በጺሑ ክልተ ኣሓታ ብምኽንያት ምኽንሻብ ብዘጋጠመን ሞት ስኢናተን'ያ።

"ጓል ኣንስቴእቲ ክተመሃር የብላን" ብዝብል ድሑር ኣተሓሳስባ ማሕበረሰብ ከኣ ዕድል ትምህርቲ ክትረክብ ኣይከኣለትን ነይራ። ሽዑ ኣቡኣ ናብ ትምህርቲ ከይትኽይድ ክገብር ከሎ፡ ኣዲኣ ግን እናሓብአት ትሰዳ ነይራ።

ናብ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምኻዳ ኣንጊሃ ናብ ማይ ትወርድ'ሞ ነቲ ማይ ሒዛ ናብ መምሃሪ ክፍሊ ትኣትው። ክሳብ ትፍደስ ድማ ብሳዕሪ ሸፊና ሒዛቶ ትውዕል።

ትመሃር ከምዘላ ምስጢር ኮይኑ ክቕጽል ኣይከኣለን፤ ሓደ መዓልቲ ተቓሊዑ። ምንባብ ከም እኸኣለት ምስተፈለጠ 'ጉድ!' ተባሂሉ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝተመሃረት እንኮ ጓልኣንስተይቲ ከም ዝነበረት ይዝረብ። ዶክተር ቦጋለች . . . ብዙሓት 'ቦጌ' ክብሉ ይጽውዕዋ።

ኣዲኣ እናሓብአት ዘጀመራት ትምህርቲ ክሳብ ኣሜሪካ ንዝለዓለ ዕድል ትምህርቲ ኣብጺሕዋ'ዩ።

መጀመርታ ግን ኣብ እስራኤል ዩኒቨርሲቲ ሁብሪው ዕድል ትምህርቲ ብምርካባ 'ማይክሮ ባዮሎጂ' ን 'ፊዚዮሎጂ'ን ኣጽኒዓ።

ብድሕሪኡ ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ማሳቹሴትስ ትምህርቲ ቀጺላ። ሳልሳይ ዲግሪኣ ከኣ ብ 'ኢፒዲሚዮሎጂ' ካብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ረኺባ።

ጥብቅና ንደቂኣንስትዮ ኢትዮጵያ

ኣብ 1989 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ናብ ሃገራ ምስተመለሰት እቲ ኣብ ልዕሊኣ ይበጽሕ ዝነበረ በደል ኣብ ካልኦት ከይድገም ክትሰርሕ ጀሚራ።

ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ከምባታ ጠምባሮ ማእከል ምትሕግጋጋዝ ደቂኣንስትዮ ከምባታ ('ከምባቲ ሜንቲ ጌዝማ') ብዝብል ሃገር ቦቆል ትካል መስሪታ።

እቲ ትካል ልዕሊ 200 ሽሕ ደቂኣንስትዮ ካብ ምኽንሻብ ከምዘድሓነ ይግለጽ። ብሓፈሻ ድማ እቲ ጎዳኢ ልምዲ ናብ 3 ሚኢታዊት ንኽወርድ ብዙሕ ስራሕ ሰሪሑ።

እዛ ኣብ ልእሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍጸም ምኽንሻብ ደው ክብል ብዙሕ ጻዕሪ ዝገበረት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሞተት ትማሊ'ዩ ተሰሚዑ።

ኣብ ኣሜሪካ ሓገዝ ሕክምና ክትረክብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብቕድሚ ትማሊ ለይቲ ዓሪፋ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ምስ ዶክተር ቦጋለች

ምንጪ ስእሊ, Facebook

ሰራሕተኛ ናይቲ ንሳ ዘጣየሸቶ ትካል ዝኾ ኣይተ በላይ ኣድማሱ፡ ዶክተር ቦጋለች ኣብ ድህነትን መሰላትን ደቂኣንስትዮ ብምሉእ ዓቕማ ትሰርሕ ምንባራ ይዛረብ።

" 'ማሕበረሰብ መሃይም ኣይኮነን፤ ፍልጠት ኣለዎ። ካብኡ ንመሃሮ ብዙሕ ነገር ኣሎ' ዝብል መርገጺኣ ብጣዕሚ ይገርመኒ ነይሩ" ይብል።

ምስ ማሕበረሰብ ተቐራሪብካ ምዝርራብን ጸገማቱ በዓሉ ክፈትሕ ምግባርን ከምዘድልይ ጽኑዕ እምነት ነይርዋ።

ሽልማታት

ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ 'ፖፕሌሸን ሚድያ ሰንተር' [ ኣብ ጥዕና ማህበረሰብ ዝሰርሕ ዓለማዊ ትካል] ዶክተር ንጉሰ ተፈራ ብወገኑ፡ ጎዳእቲ ልምዲታት ኣብ ምውጋድ ዝነበራ እጃም ዝለዓለ ምንባሩ ይገልጽ።

ምስ ሕብረተሰብ ተቐራሪብካ ምስራሕን ጸገማቱ በዓሉ ክፈትሕ ምግባር ከምዘድልይን ጽኑዕ እምነት ነይርዋ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ 'ፖፕሌሸን ሚድያ ሰንተር' [ኣብ ጥዕና ማሕበረሰብ ግንዛበ ንምፍጣር ዝሰርሕ ዓለማዊ ትካል] ዝኾነ ዶክተር ንጉሴ ተፈራ፡ እታ ዶክተር ኣብ ምክልኻል ጎዳእቲ ልምድታት ዝሰርሓቶም ስራሕቲ ሰፋሕቲ ምንባሮም ይዛረብ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ ኣብ ኣሜሪካ 'ዉመን ደሊቨሪ' ብዝበሃል ትካል ሽልማት ረኺባ'ያ። ካልእ ብዙሕ ሽልማታት ከምዝረኸበት'ውን ሓቢሩ።

በዓልቲ ሞያ ሕጊ ህሊና ብርሃኑ ድማ፡ ዶክተር መሰል ደቂኣንስትዮ ብዝለዓለ ደረጃ ካብ ዝኽበረላ ኣሜሪካ ናብ ሃገራ ንምምጻእ ብምውሳና ትንእዳ። "እዚ ምልክት ጥንካረ እዩ" ክትብል ትገልጾ።

"ናብ ኢትዮጵያ ክትመጽእ ከላ ናይ ሓደ ሰብ ዘይኮነስ ናይ ብዙሕ ሰብ ዓቕሚ ሒዛ እያ ኣትያ" ትብል።

ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ጥቕዓት ኣብ ምክልኻል ንዝሰርሓቶ ስራሕ ብ2007 ኣ.ኢ ፡ ሽልማት 'ላሪሳ' ተሸሊማ።

ኣብ 2008 ከኣ ሽልማት 'በጎ ሰው' [ኣብ ኢትዮጵያ ሰናይ ተግባር ንዝፈጸሙ ሰባትን ትካላትን ዝወሃብ] ክትሽለም ክኢላ።

ስነስርዓት ቀብሪ ዶክተር ቦጋለች ኣብ ዝተወለደትሉ ከምባታ ጠምባሮ ከም ዝኸውን ሰራሕተኛ ትካላ ኣይተ በላይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።