ኮሮናቫይረስ፡ ብምርምርን ሓበሬታን ንሕብረሰተቡ ክሕግዝ ዝጽዕር ኢትዮጵያዊ ዶክተር

ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ዋሺግተን ዲሲ ኣብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣተኲሩ ዝሰርሕ ዶክተር ገበየሁ ተፈሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኮሌጅ ሕክምና ሳይንስ እዩ ተማሂሩ።
ንዝተወሰኑ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ጋምቤላን ምስ ሰርሐ ድማ፡ ናብ ኣመሪካ ከይዱ ተወሳኺ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ብምክትታል ብሕክምና ውሽጥን (ኢንተርናል ሜድሲን) ተመሓላፍቲ ሕማማትን ተመሪቑ።
ሕጂ ዶክተር ገበየሁ ዝሰርሐሉ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ትካል ጥዕና ዝተፈላለዩ ማእከላት ሕክምና ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
ኣብቲ ዝነብረሉ ቨርጂንያ ድማ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያን ስለ ዘለዉ፡ ምስኦም ብቐረባ ይሰርሕ።
ብተወሳኺ ኣብ ሜሪላንድን ዲሲን ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ የገልግል ኣሎ።
ቀንዲ ትኹረት ዶክተር ገበየሁ ኣብ ኤችኣይቪ፣ ሄፐታተስ ቢ፣ ሲን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ኮይኑ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘለዉ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ዝግበሩ ምርምራት ነቲ ዝሰርሐሉ ትካል ወኪሉ ይነጥፍ።
ዶክተር ገበየሁ፡ ብመንጽር እቲ ዝሰርሓሉ ቦታን ትኹረት ዝገብረሎም ሕማማትን ''ነቲ ሕብረተሰብ ብሞያይ ብዙሕ ኣበርክቶ ክገብር ኣኽኢሉኒ'' ይብል፡፡
ንሱ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ነቲ ማሕበረሰብ ክጠቅም እዩ ብምባል ናይ ባዕሉ መርበብ ሓበሬታ ከፊቱ'ዩ፡፡
ኣብዚ ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ይሕግዝ እዩ ዝብሎ መምርሒታት ጥዕና፣ መብርሂታትን ዝተፈላለዩ ሓበሬታታትን ናብ ቋንቋ ኣምሓርኛ እናተርጎመ የቕርብ፡፡
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣጋጠመ ድማ ብዛዕባ እቲ ሕማም ይሕግዙ እዮም ዝብሎም መረዳእታታት መዓልታዊ ክበጽሖም ይገብር ነይሩ።
''ዓቕመይ ብዘፍቐዶ ህዝቢ ንምግልጋል ዝኣተኹዎ ማሕላ ክፍጽም ይጽዕር እየ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ማዕከናት እናቐረብኩ ህይወት የድሕኑ ዝበልኩዎም ሓሬታታት የካፍል እየ'' ይብል፡፡
እቲ ማሕበረሰብ ብቋንቁኡ እኹል ሓበሬታ ኣይረክብን ኢሉ ስለ ዝኣምንን ብፍላይ ድማ ንኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ብዙሓት ስኑዓት ሓበሬታታት ስለ ዝዝርግሑን፡ ነዚኦም ምቅላስ ግቡአይ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
ሓቀኛ ሓበሬታ ጥዕና
በቲ ኣብ ኣመሪካ ሓያል ጉድኣት ዘብጽሕ ዘሎ ሕማም ኮሮናቫይረስ፡ ልክዕ ከም ጸለምቲ ኣመሪካውያንን ዘርኢ ሂስፓኒክ ዘለዎምን ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እውን ተቓላዕቲ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዶክተር ገበየሁ ይዛረብ፡፡
እዚኦም ዝዋፈርሉ ስራሕ፣ ዝነብሩሉ ከባቢ፣ ኣገባብ መነባብሮኦምን ባህሎምን ምስ ሰብ ዘራኽብ ስለዝኾነ ነቲ ሕማም ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ክብ ከም ዘብሎ እውን ይሕብር፡፡
"ብተወሳኺ እቲ ለበዳ ዘይተሓሰበ ምስ ምዃኑ፡ ገለ ኣባላት ሕብረሰተብና ቅልጥፍ ኢሎም ኣድላዪ ስጉምቲ ዝወስዱ'ኳ እንተኾኑ መብዛሕትኦም ግና ስኣን ሓበሬታን ዕሽሽ ብምባልን ተጠቃዕቲ ይኾኑ ኣለዉ'' ኢሉ።
ስኑዕ ሓበሬታ ብዝምልከት ድማ ''ከም ውድብ ጥዕና ዓለም ዝበሉ አኣብ እተን ሃገራት ዝርከቡ ተመሳሰልቲ ትካላት ጥዕና ዝህቡዎ ምኽሪ ምስማዕ ይምረጽ"' ዝብል ዶ/ር ገበየሁ እቶም ሓሬታታት ኣብ ምርዳእን ተግባራዊ ምግባርን ግን ፍልልይ ከም ዘሎ ይገልጽ።
ብተመሳሳሊ እቲ ፍልልይ ኣብ ሰብ ሞያ ጥዕና እውን ከም ዝረኣይን፡ እቲ ሕብረሰተብ ዝረኽቦ ሓበሬታ ብዝርድኦ ቋንቋ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓቀኛ እውን ክኸውን ኣለዎ ይብል፡፡

ምንጪ ስእሊ, GEBEYEHU TEFERI
ስግኣት ለበዳታት
''ሕማም ኮቪድ-19ን ሽሙን ሓድሽ ይምሰል እምበር ኣብ ዘፈር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝጸንሐ ቫይረስ እዩ" ዝብል ዶ/ር ገበየሁ፡ ካብ ኤችኣይቪ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ሕማማት ንዘጽንዑ ዘለው ሰብ ሞያ ሓድሽ ከም ዘይኮነ ይዛረብ።
ሕማም ዘምጽኡ ቫይረሳት ባህርያቶም እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ክፈላለ ከም ዝኽእል ግን ይጠቅስ።
ባህርያቶም ንፍላጥን መድሓኒት ንምርካብን ዝግበር መጽናዕቲ ድማ ኣብ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ እንስሳት እውን ከም ዝካየድ ኣዘኻኺሩ።
"ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ምስ ደቂ ሰባት ሓቢሮም ዝነበሩ እዮም፤ ብሓፈሻ ኣርባዕተ ዝኾኑ ኣለዉ፡፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ኣብ ሰባት ከም ቀሊል ጉንፋዕን ተመሳሰልቲ ሕማማትን ዘስዕቡ እዮም፡፡ ንሳቶም ድማ ቀተልቲ ኣይኮኑን'' ይብል፡፡
ለበዳ ኮቪድ-19 ብዙሓት ሰባት እንተቐተለ'ውን ምስቶም ካልኦት ቤተሰብ ኮሮናቫይረስ ተመሳሳሊ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ዶክተር ገበየሁ፡ ''ኣዐርዩ ቀታሊ ዝኾነ ቫይረስ ሰብ ቀቲሉ ንባዕሉ እውን ይመውት እዩ'' ብምባል ኣብ መንጎ እቶም ቀተልቲ ዝኾኑ ቫይረሳት ዘሎ ኣፈላላይ ይሕብር፡፡
ሳርስ ቁጽሪ ሓደ ከም ኣብነት ብምጥቃስ እቲ ሕማም ጉድኣት ኣብጺሑ ንባዕሉ እውን ከም ዝጠፍአ ብምግላጽ ንከምዚኦም ዝበሉ ቫይረሳት ክታበትን መድሓኒትን ምርካብ ከቢድ ከም ዝኾነ ይገልጽ፡፡
ብተወሳኺ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ዘጽንዑን ዝሕክሙን ሰባት እቲ ዘፍርሕ ነገር ''ደጋጊሞም ዝመላለሱ ለበዳታት እዮም'' ይብል።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ባህርያት እቶም ሕማማት ዘይጨበጥ ምዃኑ'ዩ ኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ቫይረሳት ዝካየድ መውስቦ እውን ሓደገኛ ውጽኢት ከስዕብ ከም ዝኽእል ይዛረብ፡፡
''ኣብቲ ናትና ሞያ 'ቫይረስ ሴክስ' ዝበሃል ነገር ኣሎ፤ ክልተ ቫይረሳት ነፍሲ ወከፎም 'ጀነቲክ ኮድ' (ትሕዝቶ መዋቕር ሰረት ዘርኢ) ብምቅይያር ሓድሽ ቫይረስ ይፈጥሩ ወይ ይወልዱ ንብል።
ንኣብነት ኮቪድ-19 ምስ ሜርስ ተራኺቡ ሰረት ዘርኢ እንተዝለዋወጡ፡ ሓደገኛ ውጽኢት ከስዕቡ ይኽእሉ፤ ምኽንያቱ ሜርስ ቀታሊ እዩ፤ ዝተርፎ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ምትሕልላፍ ጥራሕ እዩ፡፡
ኮቪድ-19 ድማ ዝጸንሐን ሓደገኛ ጸገም ጥዕና ንዘለዎ ሰብ እንተዘይኮይኑ ናይ ምቕታል ዓቕሙ ድኹም እዩ፤ ኮይ ግና ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ይመሓላለፍ፡፡ ነዚ እዩ ድማ ክልቲኦም ተራኺቦምን ናይ ባህሪ ምውርራስ እንተተፈጢሩን ሓደገኛ ቫይረስ ክወልዱ/ክፈጥሩ ዝኽእሉ'' ብምባል የረድእ።
ጠንቂ ጥዕና ዝኾኑ ቫይረሳት ሓደ ሽም ሃልዩዎም ግን ዝተፈላለዩ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ'ውን እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ።
''ብዙሕ ሰብ ሓደ ዓይነት ኤችአይቪ ዘሎ ይመስሎ፡፡ ኮይኑ ግና ክልተ ዓይነት ኤችኣይቪ ዘለዉ ኮይኖም፡ እቲ ሓደ ኣብ ኣርባዕተ ዝኽፈል ኮይኑ ካብኣቶም ድማ እቲ ሓደ 14 ዓሌታት ዘለዎ ናይ ቫይረስ ዓይነት እዩ'' ብምባል ብምኽንያት እዚ ድሕሪ እዚ ኩሉ ዓመታት'ውን መድሓኒት ምርካብ ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ ይገልጽ፡፡
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይውስክ ከም ዘሎ ብምዝኽካር፡ ጥንቃቐ ምግባር ከም ዘድሊ ምዒዱ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







