ኤርትራውያን ኣብ መኸተ ወራር ኣንበጣ ትግራይ እንታይ ኣበርኪቶም?

ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ንምብራር ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝወፈሩ ኤርትራውያን መናእሰይ ተቐማጦ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, ZERAY DERES

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ ብወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ትግራይ የጋጥም ዘሎ ሃስያ ንሓረስቶት ትግራይ ንምሕጋዝ ብጎፈንድሚ ገንዘብ የተኣኻኽቡ ኣለዉ።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን መናእሰይ ድማ፡ ናብተን ዕስለ ኣምበጣ ዝኣተወለን ከባብታት ብምኻድ ደገፎም ገሊጾም።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ኤርትራን ትግራይን ዝነበረ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ወጥሪ ንምህዳእን፣ “እቲ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ንምስዓር ዝተፈላለየ ጻዕሪ ክንገብር ጸናሕና ኢና” ዝብል ተቐማጢ ሃገረ ስዊዘርላንድ ኤርትራዊ የማነ ዮውሃንስ እዩ።

“ሕጂ ድማ ውሑዳት ሰባት ኮይንና ዝክኣለና ኣኪብና ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ዝኸዱ መናእሰይ ንምሕጋዝ ገለ ንግበር ብዝብል’ኳ እንተጀመርናዮ፡ ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ሰብ እጃሙ ከወፊ ጀሚሩ” ብምባል ነቲ ብጎፈንድ-ሚ ዝገብሩዎ ዘለው ምትእኽኻብ ገንዘብ ኣብሪሁ።

ዛጊድ ልዕሊ 20 ሽሕ ዶላር ክእክቡ ክኢሎም ኣለው።

እዚ፡ “ድጋፍ ኤርትራውያን ንሓረስታይ ትግራይ” ብዝብል ጻውዒት ዝተኣኻኸብ ዘሎ ገንዘብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተፈላለዩ ሰባት ወፈያ ንኹሉ ክፉት ኮይኑ እዩ።

እዚ ኣብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝርአ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ምምካት፡ ሰብኣውነት ጥራሕ እኹል እዩ ዝብል ኣቶ የማነ፡ ክልቲኤና ህዝብታት ድማ ንዝተፈላለዩ ባህሪያዊ ሓደጋታት ተሓጋጊዝና ንምምካት ውፉያት ምዃንና ነዚ ተበግሶ ክንወስድ ክኢልና ይብል።

“ነዚ ጎፈንድሚ ብሽም ኤርትራውያን ዝኸፈትናሉ ዕላማ ግን፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተፈላለየ መገዲ ካብ ኤርትራ ዝወጽአ ዘዕቖበ ስለ ዝኾነ ኣብ ጎንኻ ኣለና ንምባልን ዘለና ደገፍ ንምርኣይን፣ ኤርትራውያን ክቡር መንነትን ሰብኣውነትን ከም ዘለና ንምርኣይን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ኲናትን ወረ ኲናትን ንምልዓል ዝደልዩ እንተሃልዮም’ውን ንሕና ንሰላምን ንዝመጽአ ሓደጋታትን ንምትሕግጋዝ ድሉዋት ምዃንና መልእኽቲ ንምሕላፍ’ዩ” ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ናብተን ብዕስለ ኣንበጣ ዝተወረራ ከባቢታት ትግራይ ብምኻድ ነቲ ኣምበጣ ኣብ ምብራር ንሓረስታይ ኣብ ምሕጋዝ ወፊሮም’ዮም።

ብኽልተ ዙር 74 ሰባት ናብ ወረዳታት ራያ ጨርጨርን ከባቢኡን ከም ዝወፈሩ ዝዛረብ ሓደ ካብቶም መናእሰይ ዝኾነ ዘርኣይ ደረስ፡ ጎና ጎኒ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝመጽአ ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት ንምዕቃብ ዘለና ባህጊ ንምግላጽ እዩ ብምባል የብርህ።

“ንሕና ደቂ ገባር፡ ደቂ ሓረስቶት ኢና፤ ስለዚ ናይ ዓመት ሙሉእ ድኻም እንታይ ማለት’ዩ ዝብል ንፈልጦ ኢና። ሓረስታይ ቀለብ ዓመት ሙሉእ ክገብሮ ዝጸዓሮ ብከንቱ ንከይጠፍእ ኣብ ጎኒ ህዝቢ እቲ ህዝቢ ንምዃን እዩ ኣበጊሱና” ኢሉ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከባብታት ራያን ወጅራትን ዘሎ ኩነታት ሓደጋ እቲ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ከቢድ ከም ዝኾነን ሓረስታይ ኣብ ጸገም ከም ዘሎን ዝገልጽ ካልእ ኤርትራዊ ፊሊሞን ኤርምያስ ድማ፡ እቲ ወፍሪ ውጽኢታዊ ንክኸውን መንግስቲ ነቲ ዝወፍር ህዝቢ ንጹር መምርሕታት ክህብ ይግባእ ይብል።

“እቲ ሓረስታይ ነቢዕካ ኣይጽረገሉን፤ ብጣዕሚ ኣብ ዘሕዝንን ኣስጋእን ኩነታት ኮይኑ፡ ሓረስቶት አይ አይ ኢሎም እንዳበኸዩ’ዮም ጸኒሖምና። መንግስቲ ትግራይ ንዕኡ ዝምልከት ሓይሊ ዕማም ኣቚሙ መን ናበይ ይኸይድ? እንታይ ይሰርሕ? መን ምስ መን እንተሰሩሑ እዩ’ኸ ኣድማዒ ዝኾነ ኩነታት ክፍጠር ዝኽእል ንዝብል፡ ሳይንሳዊ ትንታነታት ብምቕራብ ንህዝቢ ንፁር ሓበሬታ ክህብ ይግባእ” ኢሉ።

ሓረስቶት ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ዘራእቶም ብዘብጽሖ ሓደጋ ተስፋ ከም ዝቖረጹ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, BERHE DESTA/MOLA AMARE

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ብዘውርዶ ዘሎ ሃስያ ሓረስቶት ተስፋ ከም ዝስኣኑ ይግለጽ

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ብብዝሒ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ክርአ እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ዘራእቲ እናዓረፈ ጉድኣት ዘብጽሕ ዘሎ ዕስለ ኣብ ክሊ እቲ ኬሚካል ብምንጻግ ሓደግኡ ንምንካይ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እቶም መናእሰይ ድምጺ ከውጽኡ ዝኽእሉ ነገራት ተጠቒሞም ከባርሩዎ እዮም ዝፍትኑ።

ተቐማጢ ሃገረ ስዊዘርላንድ ኤርትራዊ የማነ ዮውሃንስ፡ እቲ ዝጀመሩዎ ወፈያ ገንዘብ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብግቡእ ነቶም ግዳያት ንክበጽሖም ምድላዋት ከም ዝገብሩ ተዛሪቡ።

በዚ ኣስታት 25 ሽሕ ዶላር ንምእካብ መደብ ከም ዝሓዙ ዝገልጽ እቲ መተሓባበሪ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ካብ ትጽቢቶም ወጻእ ዝኾነ መጠን ገንዘብ ክእክቡ ብምኽኣሎም ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ።

“እቲ ኣንበጣ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ይበጽሕ ዝብል ሓበሬታ ስለ ዘለና፡ ኣብ ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ ጸገም ከጋጥም ስለ ዝኽእል ከምቲ ኮሮናቫይረስ ክመጽእ ከሎ ዜጋታትና ንምሕጋዝ ዝገበርናዮ ጻዕሪ፡ ብዝተዓጻጸፈ ንምሕጋዝ ድሉዋት ኢና” ኢሉ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተወለድቲ ትግራይ’ውን ንተመሳሳሊ ዕላማ ዝውዕል ገንዘብ ንምትእኽኻብ ብጎፈንድሚ ወፈያ ዝገብሩ ዘለው ኮይኖም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 640 ሽሕ ዶላር ከም ዘተኣኻኸቡ ይግለጽ።