ፖለቲካዊ ወጥሪ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ኣብ ምክልኻል ኣምበጣ ዕንቅፋት ፈጢሩ

ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዘራእቲ ሃስያ የውርድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, MOLA AMARE

ኣብ ኢትዮጵያ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ፡ ካብ ሰነ 2011 ዓ.ም ኣትሒዙ ከምዝተረኣየ ሚኒስትሪ ሕርሻ እታ ሃገር ይገልፅ።

ኣብ 2012 ዓ.ም ድማ ዓመት መመላእታ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከብቢታት ፀኒሑ።

ኰይኑ ግና ነቲ ሻቡ ዝተርኣየ ዕስለ ንምቁፅፃር፡ እታ ሃገር ምሒር ከምዘይተፀገመት ካብቲ ሚኒስትሪ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ፡ ኣይተ ኣበራ ለማ ንቢቢሲ እንትዛረቡ፡ ዕስለ ኣምበጣ ናብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ብኽልተ ኣንፈት ይኣቱ።

እቲ ቀዳማይ፡ ብሶማሊላንድ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ የመን ብጅቡቲ ኣቢሉ ናብ ክልል ዓፋር ዝኣቱ እዩ። “ዓሚ ዓመት መመላእታ ነዚ ብኽልተ ኣንፈት ዝኣተወና ዕስለ እናተኸላኸልና ኢና ኣሕሊፍናዮ” ይብሉ።

እንተ ሎሚ ዓመት ካብተን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ትሻዓተ ክልላት፡ እተን ሓሙሽተ ክልላት፡ ብዕስለ ኣምበጣ ተወሪረን እየን፤ ከምኡ እውን ሓደ ከተማ ምምሕዳር በቲ ዕስለ ተሃስዩ እዩ።

ብመሰረት እዚ ክልላት ትግራይ፣ ሶማል፣ ዓፋር፣ ኦሮሚያን ኣምሓራን፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ገፀር ጣብያታት ፍሉይ ምምሕዳር ድሬዳዋ እውን፡ ብዕስለ ኣምበጣ ተወሪሩ እዩ ይብሉ እቶም ሓላፊ።

ቅድመ ድልውነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከመይ ይግምገም?

ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ዕስለ ኣምበጣ ካብ ተራእየ፡ ሎሚ ዓመት እውን ከጋጥመና ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ብምውሳድ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማዕሮ ክንደይ ተዳልዩ ፀኒሑ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ኣይተ ኣበራ ለማ፡ ነዚ መልሲ ይህቡ።

“ዓሚ ስለዝተራእየ፡ ሎሚ ዓመት እውን ክረአ ይኸውን እዩ እኳ እንየዘይተባህለ፡ በብወቕቱ ዓለምለኸ ውድብ ምግብን ሕርሻን ከምኡ እውን ካልኦት ትካላትን ዘውፅእዎም ቅድመ መጠንቀቕታ ኣሎ። ንሕና እውን ካብቲ ዘሎ ኩነታት ብምብጋስ መዓዝን ብኸመይን ክኣቱ ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ። እቲ ናይ ሎሚ ዓመት ግን ብዝሒ ዘለዎ፡ እሞ ድማ ምስ'ቲ መዓልታዊ ዝኣቱ ዘሎ ዕስለ ምዃኑ እዩ ከቢዱ ዘሎ” ኢሎም።

ጎረብባትና ከም በዓል የመን፣ ጅቡቲን ሶማሊላንድ ድማ፡ ሕርሻ መሰረተ ቁጠባኦም ስለዘይኰነ ጠመተ ኣይህብሉን ዝበሉ እቶም ሓላፊ፡ እቶም ሃገራት ስለዘይቈፃፀርዎ ድማ ትኽ ኢሉ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱ ይዛረቡ።

“ዓመታዊ ክመፅእ ከምዝኽእል ስለዝፍለጥ፡ ወላ እኳ ነቲ ናይ ሎሚ ዓመት ዕስለ ዝምጥን ኣይኹን እምበር፡ ዓመታዊ ምሉእ ምድላው ንገብር ኢና” ኢሎም።

ኣብ ዘራእቲ ዝዓረፈ ኣንበጣ

ምንጪ ስእሊ, MOLA AMARE

ኢትዮጵያ ኬሚካል ዝነፅጋ ነፈርቲ የብላን

ነፈርቲ ዘለዎኦም ናይ ውልቀ ትካላት ኣለዉ፤ ዝተፈላለዩ ትካላት ድማ ተኻርዮም ናብ ሃገር ዘእትዉ እውን ከምዘለዉ ሓበሬታ ኣይተ ኣበራ ይገልፅ።

“መንግስቲ ነቲ ዕማም ዝውዕላ ነፈርቲ ዓዲጉ ከፅንሕ ኣይኽእልን። ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ንጥቀም ኢና።

ዓለምለኸ ውድብ ምግብን ሕርሻን፥ ብፍላይ ድማ ምብራቕ ኣፍሪካ መቈፃፀሪ ኣምበጣ በረኻ ኣብ ኢትዮጵያ ስለዘሎ፡ ዓሚ ተኻርዮም ነፈርቲ ኣምፂኦምልና እዮም።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ውልቀ ትካላት እውን ነፈርቲ ስለዘምፅኡ ካብኣቶም እናተኻረና ንሰርሕ ኣለና።

እንተዘየለ ዕስለ ኣምበጣ ክመፅእ ይኽእል እዩ ኢልና ነፈርቲ ዓዲግና ኮፍ ኣይነብልን። ዋንነተን ናይ መን እዩ ዝብል ብዘየገድስ፡ ነቲ ዕስለ ንምክልኻል እኹል ቀረብ ረኺብና ዶስ ኣይረኸብናን ዝብል እዩ ክረአ ዘለዎ” ይብሉ።

መንግስቲ ፈደራል ንክልላት ይሕግዝ ዶ’ሎ?

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣይተ ኣበራ ብዛዕባ እዚ እንትምልሱ፡ ኣምበጣ በረኻ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ከምኡ እውን ካብ ሓደ ክልል ናብ ካልእ ክልል ዝጓዓዝ ምስ ምዃኑ፡ ኣብ ሓደ ክልል ጥራይ ዝስራሕ ኣይኰነን፤ የግዳስ ዋኒን መንግስቲ ፈደራል እዩ ይብሉ።

ካብዚ ብምብጋስ እቲ ኣብ ኩለን ክልላት ኣብ ስራሕ ዝውዕል ዘሎ ቀረብ መከላኸሊ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ከምዝቕረብ ዘሎ እዮም ዝዛረቡ።

“እጃም ክልላት፡ ንህዝቢ ብምትሕብባር ልማዳዊ ሜላ መከላኸሊ ምትግባርን፡ ኣምበጣ ኣበይ ከባቢ ከምዘሎ ንፈደራል ሓበሬታ ምሃብን እዩ። ሚኒስትሪ ሕርሻ ድማ ነፈርቲ፣ ኬሚካል፣ ናውቲ መንፀጊ፣ ንመንፀጊ ዝኾና መካይንን ሰብ ሞያን እንከይተረፈ ብምቕራብ ኣብ ኩለን ክልላት ይሰርሕ ኣሎ” ኢሎም።

እቲ ክልላት ዝጥቀማሉ ዘለዋ ንመከላኸሊ ዕስለ ኣምበጣ ዝውዕል ሃብቲ፡ መንግስቲ ፈደራል ዝመደቦ ምዃኑ ኣይተ ኣበራ ይዛረቡ። መንግስቲ ፈደራል ምስ ክልላት ተዋዲዱ ይሰርሕ ኣሎ እውን ኢሎም።

መንግስቲ ፈደራል ንክልል ትግራይ እንታይ ሓጊዙ?

“ሚኒስትሪ ሕርሻ ነፈርቲ ዝብገሳሉ ማእከል ኣብ ኮምቦልቻ (ክልል ኣምሓራ) ብምግባር፡ ኣብ ከባቢ ራያ ስራሕቲ ምክልኻል ዝከኣለሉ ኩነታት ኣመቻችዩ እዩ።

ንቢሮ ሕርሻ ትግራይ ኰነ ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ወረዳታት ብስልኪ ዋላ ብኻልእ መንገዲ ረኺብና ክንሓቶም እንከለና፡ ነቲ ኩነታት ኣብ ምምችቻውን ዝንፀገሉ ከባቢ ብምንፃር ክንፀግ ኣብ ምግባርን፡ ፍቓደኛታት ስለዘይነበሩ ክሳብ ሕዚ ኣይተነፀገን።

ትማልን ብቕድሚ ትማልን ምስቶም ወረዳታት ተራኺብና ኢና፤ ንፅባሕ ቦታ ዝንፅሩልና እንተዀይኖም ሕዚ’ውን ክንነፅግ ንኽእል ኢና። ንህዝቢ ሓሲቦም፡ ምህርቲ እቲ ሕብረተስብ ካብ ፖለቲካ ፈልዮም ብምርኣይ፤ ህዝቢ ከይጉዳእ ኩነታት እንተዘመቻችዉ እምበር መንግስቲ ፈደራል ድልየትን ድልውነቱን ኣለዎ” ኢሎም።

ብፍላይ ድማ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወረዳታት ስለዝዀኑ ካብ ፖለቲካዊ ስምዒት ወፂኦም፡ ግራትን ዘራእትን ሓረስታይ ካብ ፖለቲካ ዝተፈለየ እዩ እሞ ነቲ ኩነታት እንተዘመቻችዉ ከምዝምረፅን ምስቲ ዝምልከቶ ትካል ድማ ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሓበሬታ ሂቦም።

ኣይተ ኣበራ ለማ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንግስቲ ፈደራል ተታሒዛ ኣላ ዝተብሃለት ኬሚካል ትነፅግ ‘ድሮን’ ብዝምልከት ተሓቲቶም ሓበሬታ የብለይን ኣይፈልጥን ኢሎም።

ይኹን እምበር ሚኒስትሪ ሕርሻ ናብ ሃገር ዘእተወን ድሮናት ከምዘለዋን ኣብ ክልላት ሶማልን ኦሮሚያን ይሰርሓ ምህላወን ግን ገሊፆም።

ኣይተ ኣበራ “ንሕና ዘራእቲ ሓረስቶት ካብ በረኻ ኣምበጣ ናይ ምክልኻል ግቡእ ስለዘለና፡ ንክልል ትግራይ፣ ኣምሓራ ወይ ድማ ዓፋር ኢልና ከይፈለና ንኹሎም ክልላት ዝኸውን ቀረብ መዲብና ኢና፤ ምጥቃምን ዘይምጥቃምን ናይቶም ክልላት ጉዳይ እዩ ዝኸውን” እንትብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ፡ ዳይረክተር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ባልዓትን እፅዋት ኳረንታይንን ኣይተ መብራህቶም ገብረኪዳን ድማ “ካብ ርክብ ህዝቢ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሎምዓልቲ [ሰሉስ] ስልኪ ደዊሎም፡ ንምንፃግ ኣብ ዝጥዕም ቦታንገሩና ክንሕግዝ ንኽእል ኢና ኢሎምና። ነፋሪት ክህቡና እንተይኰነስ ከም ብፅሒትና፡ ንምንፃግ ኣብ ዝጥዕም ክንጥቀም ከምንኽእል እዩ ተሓቢሩልና ዘሎ” ኢሉ።

ይኹን እምበር ቢሮ ሕርሻ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ እምነት ከምዘይብሉ ኣይተ መብራህቶም ኣይሓበአን።

“ምኽንያቱ ቅድም ኢሉ እውን፡ ምሉእ መዓልቲ ኣፀብዮም ጠሊሞምና እዮም። ንምንፃግ ዝጥዕም ቦታ ተነፂሩ ተዋሂብዎም እንከሎ እውን፡ ነፋሪት ናብ ከባቢ ዋጃን ሰለንውሃ ብምምፃእ ዶብ ፈልያ ነፂጋ ኢያ። ስለ’ዚ ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ክንፍትን ኢና። ኣምበጣ ዝሓደረሉ ኩሉ ከባቢ ብነፋሪት ንምንፃግ ኣይጥዕምን። መንደር፣ ማይ ዘለዎ፣ ዓመቑቲ ሽንጥሮታት ንነፋሪት ኣይጥዕምን። ስለ’ዚ ንነፋሪት ዝጥዕም ቦታ ክነነፅር ተረዳዲእና ኣለና፤ እንተመፅኡ ፅቡቕ፤ እንተዘይመፅኡ ድማ ብናይ ባዕልና መንገዲ ጎና ጎኒ ክንሰርሕ ኢና።

ብኻልእ ገፅ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ተጋሩን ኤርትራውያንን ገንዘብ ኣኪቦም ብ8000 ዶላር ኣመሪካ፡ ‘ድሮን’ ካብ ቻይና ገዚኦም ከምዝለኣኹ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ደጋጊሙ ገሊፁ ኣሎ።

ኣይተ መራህቱ ብዛዕባ እታ ‘ድሮን፤ እንትዛረብ “እታ ድሮን ንኬሚካል መንፀጊ ተባሂላ ናብ ሃገር ከምዝኣተወት ይፍለጥ እዩ። ኰይኑ ግና ‘ኢንሳ’ ንካልእ ኣገልግሎት ክውዕል ይኽእል እዩ ብዝብል ክህበና ኣይከኣለን” ኢሉ።

ዳይሬክተር ኤጀንሲ ድሕነት መረብ መረዳእታን ድሕነትን ኢትዯጵያ ዶክተር ሹመቴ ግዛው ብወገኑ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወት ይገልጽ።

"እቲ ናብ ትግራይ ይኺድ ዝተበሃለ ድሮን፡ የኒቨርሲቲ መቐለ ንስራሕት ምርምር ክንጥቀመሉ ብዝበሎ መሰረት'ዩ መጺኡ። ብድሕሪኡ ድማ ንጸረ-ጻህያይ መንጸጊ ስለዝኸውን ክኣትው ይፈቐደልና ዝብል ሕቶ ቀሪቡ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ወራር ኣንበጣ ምስኣጋጠመ ከኣ ነቲ ድሮን ስደዱልና ኢሎም" ክብል ኣረዲኡ።

ስለምንታይ ንኽንድዚ ዝኣክል እዋን ተታሒዛ ክትጸንሕ ኪኢላ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ዳይሬክተር፡ "ቀዳማይ ነገር እቲ ድሮን ኣብ ቻይና ዝተሰርሐ እንከሎ ካብ እስራኤል መጺኡ እዩ ተባሂሉ። ካልኣይ ነገር ድማ ብዛዕብኡ ዝገልጽ መሰነይታ ጽሑፍን ምሉእ ሓበሬታን የለን። ጸረ-ኣንበጣ ኬሚካል መንጸጊ ተባሂሉ ዝመጽአ'ውን ኣይኮነን።" ዝብል መልሲ ሂቡ።

ወሲኹ ድማ እቲ ድሮን ኣብ ኢትዮጵያ ንኽኣትዉ ካብ ዝፍቀደሎም ዓይነታት ከምዘይኮነ፣ ብትካል መግቢ ዓለም ዝተገለጸ ብቕዓት ከምዘይብሉን ነዚ ዕላማ ከምዘይተሰርሐን ብምሕባር "መን ይቆጻጸሮ? ጸገም እንተተፈጢሩኸ መን ሓላፍነት ይወስድ? ንዝብል ብስርዓት ብምርኣይ ኢና ክነፈጽሞ ንደልይ" ኢሉ።

ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ካብቲ ብሰብ ሓይሊ ካብ ክልተ ሜትሮ ዘይርሕቕ ስራሕቲ ምንፃግ ብዝያዳ፡ ኣብ መኪና ተፃዒኑ ብዝበለፀ ርሑቕ ተጓዒዙ ዝነፅግ ማሽን ከምዝተዳለወ ኣይተ መብራህቶም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዕስለ ኣምበጣ ናብ ኣርባዕተ ዞባታት ትግራይ ዝተጋፈሐ እንትዀን፡ ብፍላይ ትማሊ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣብ ከባቢ ገረዓልታ፡ ኣብ ዞባ ማእኸል ድማ ኣብ እገላ ከም ብሓድሽ ከምዝተረኣየ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ።