ኣብ ኢትዮጵያ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ኩንታል እኽሊ ሓደጋ ኣውሪዱ

ኣንበጣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ የመን ብሶማሌ ላንድ ኣቢሉ ናብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ዝኣተወ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ 3.5 ሚልዮን ኩንታል እኽሊ ከም ዘዕነወ ተገሊጹ።

እዚ፡ ኣብቲ እዋን ክርከብ ካብ ዝተሓሰበ ሓፈሻዊ ምህርቲ ክልተ ሚእታዊት ዝኸውን በቲ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ተበሊዑ ኣሎ ማለት እዩ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ካብ 70 ክሳብ 100 ሚእታዊት ምህርቲ ከጥፍእ ይኽእል ነይሩ ዝበለ ዳይሬክተር ሓለዋ እትዋት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣቶ ታምሩ ከበደ፡ ሰፊሕ ምርብራብ ብምግባር ግን ነቲ ሓደጋ ምንካይ ተኻኢሉ እዩ ኢሉ።

ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ናይ ምክልኻል ስርሓት ክስራሕ እንተጸንሐ'ውን እቲ ካብ ዓፋር ዝተረፈ ናብ ወሎን ደቡብ ትግራይን ብምኻድ ኣብ ሕርሻ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ'ዩ።

ካብ ክልል ሶማሌ ዝተላዕለ ድማ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ሃረርጌ ብምኻድ ዘራእቲ ኣዕኒው።

እቲ ዳይሬክተር ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዝተሰርሐ ስራሕቲ ምክልኻል እቲ ዕስለ፡ ዓመት ሙሉእ ካብ መገሃጫ ሓሊፉ ኣብ ዘራእቲ እኽሊ ዝበጽሖ ጉድኣት የለን ኢሉ።

ካብ ወርሒ ሰነ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ዝርግሐ እቲ ዕስለ ናይ ምክልኻል ንጥፈታት እንተተሰርሐ'ውን ክተርክበሉ ካብ ዘይትኽእል ኣጸገምቲ ቦታታት እናተላዕለ ኣብ ምብራቕ ኦሮሚያ፣ ድሬዳዋ፣ ኣብ ምዕራብ ኣምሓራ ድማ ኣብ ወሎ፣ ቃሉን ኣርጎባን ብዝተወሰነ መልክዑ ምህርቲ ከም ዝነከየ ተዛሪቡ።

ኻልኣይ ዙርያ ወራር እቲ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ከም ዝተርኣየ ዘዘኻኸረ ኣቶ ታምሩ፡ ኣብ ዘራእቲ ሓደጋ ከይኣብጽሐ ምክልኻል ተኻኢሉ'ዩ ኢሉ።

ኣብ ወርሓት ክረምቲ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ክልላት ሶማሌን ዓፋርን ሰፊሕን ብነፋሪት ዝተሓገዘን ዳህሳስን ናይ ምክልኻል ስራሕትን ይስራሕ ኣሎ ዝብል ኣቶ ታምሩ፡ "ሎሚ ቑጽሪ መካይንን ነፈርትን ወሲኽና ኢና፤ ተሳትፎ ክልላት'ውን ዝሓሸ'ዩ" ይብል።

ነቲ ዕስለ ንምክልኻል ጎና ጎኒ ሰባት ምውፋር ብኢድ ዝተሓዙ ብርክት ዝበሉ ናውታትን ከምኡ'ውን ኬሚካል ዝነጽጋ 4 መካይንን ክልተ ነፈርትን ተዳልየን።

"ሕጂ ኣብ ድሬዳዋ ሓንቲ ነፋሪት ኣላትና። ኣብ ኮምቦልቻ'ውን ካልእ ኣላ። ብጅቡትን ኤርትራን ዝመጽእ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ስለ ዝህሉ'ውን ሓንቲ ነፋሪት ኣብ ሰመራ ኣቐሚጥና ኢና። እቲ ናይ ምክልኻል ምድላዋት ድማ ብቐጻሊ ክስራሕ እዩ" ኢሉ ኣቶ ታምሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምብራቕን ሰሜን ምብራቕን እታ ሃገር ኣብ ዘለዋ ክልላት ሶማሌን ዓፋርን ብሰፊሑ ኣትዩ ኣሎ።

እቲ ካብ ሶማሌ ዝብገስ ኣንበጣ ከባቢታት ባሌን ሃረርጌን ዘጥቅዕ ኮይኑ እቲ ካብ ዓፋር ዝብገስ ዘሎ ድማ ከባቢታት ትግራይን ወሎን ይወርር ኣሎ።

ኣቶ ታምሩ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ ኣብ ቀረባ ግዜ'ውን ብኬንያ ካብ ቱርካና ተላዒሉ ናብ ደቡብ ኦሞ ዝኣቱ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ስለ ዘሎ ኣብ ኣርባ ምንጭ ሓንቲ ነፋሪት ተዳሊያ።

እቲ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ምኻድ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ግን ድማ ካብቲ ዝኸይድ ብዝለዓለ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ እዩ እቲ ዝበዝሐ ኢሉ።

"ኣብዚ ጽቡቕ ናይ ምክልኻል ስራሓት እንተተሰርሐ'ውን ናብ ኤርትራን ካልእ ከባቢታትን ዝሃድም'ውን ኣይስኣንን። ሕጂ ብብዝሒ ካብ ኬንያ፣ ሶማሊ ላንድን ጅቡትን ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱ ኣሎ። ብንፋስ ድማ ናብ ሰሜንን ምብራቕን ክፋላት ኤርትራ ናይ ምኻድ ተኽእሎ ኣለዎ" ይብል ኣቶ ታምሩ።