ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ወራር ኣንበጣ ዓጸቦ ከስዕብ ከም ዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ እንተዘይኽኢሉ፡ ኣብተን ሃገራት ዓጸቦ ከጋጥም ከም ዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።
ኣብቲ ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐ ዞባ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ኬንያ፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን ዝተኸሰተ ወራር ኣንበጣ፡ ኣብ ዘራእትን መጋሃጫን ዕንወት ኣስዒቡ ኣሎ።
ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (ፋኦ)፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ካብ ነፈርቲ መድሃኒት ንምንጻግ ምእንቲ ክከኣል ሓገዛት ክግበር ጻውዒት የቕርብ ኣሎ።
እዚ ምስ ዘይኸውን ግና፡ እቶም ብኣማኢት ቢልዮናት ዝቑጸሩ ኣንበጣ ተራቢሖም ንዘስዕብዎ ዕንወት ገዚፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድሊ ፋኦ ሓቢሩ።
ኣብ ትካል መግቢ ሕቡራት ሃገራት ዳይሬክተር ህጹጽ ኩነት ዶሚኒክ ባርገን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ጽቡቕ ነገሩ ኣብ መንጎ ክልተ ናይ ዘራእቲ ወቕቲ ኢና ዘሎና፤ ስለዚ ቅድሚ እቲ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ዘሎ ዝቕጽል ናይ ዘራእቲ ወቕቲ ነቲ ጉድኣት ክንገትኦ ዕድል ኣሎና" ኢሉ።
ሕቡራት ሃገራት ብሓሙስ ኣብ ዘዘርግሖ ሓበሬታ እቲ ብመሬት ዝግበር ዘሎ ወፈራታት ንወራር እቲ ኣንበጣ ንምቁጽጻር እኹል ከም ዘይኮነ ገሊጹ።
ልዕሊ ንቡር መጠን ዝናብ ዝተርኣዮ ክራማት፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ኬንያን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን (ሱዳንን ኤርትራን) ንምርባሕ ኣንበጣ ምቹእ ሃዋሁ ፈጢሩ እዩ።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያ፡ ሱዳን፡ ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኡጋንዳን ታንዛንያን ዝተራእየ ወራር ኣንበጣ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ኬንያን ከቢድ ሃስያ ከም ዘውረደ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







