ኤርትራ፡ ኣብ ጋሕቴላይ ዝዓሰለ ኣንበጣ ምድረ በዳ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ተገሊጹ

ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ኣብ ጋሕቴላይ

ምንጪ ስእሊ, PNetabay/Twitter

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይሬክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስቴንሽን ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም፡ ካብ ኢትዮጵያ ከባቢ ጅግጅጋን ካብ ሶማልን ዝብገስ ወራር ብሃጓፍ ስንጭሮ (ሽንጥሮ) ኣቢሉ ቀጻሊ ይመጽእ ምህላውን ክሳብ ሕጂ ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ክልተ ዓበይቲ ዕስለ ከም ዝተቖጻጸርዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሎሚ ዓመት ኣብቲ ከባቢ ዝተራእየ መጠን ዝናብ ካብቲ ልሙድ ዝለዓለ ብምዃኑን እቲ እዋን ኣንበጣ ዝፋረለዩ ስለዝኾነን እቲ ወራር ቀጻሊ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ሕሩይ፡ ድልዋት ኮይኖም ይጽበይዎ ከም ዘለውን ኣብ ታሕሳስ ከምዝቕጽልን ተዛሪቡ።

ትካል መግብን ሕርሻን ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ዓፋርን ከምኡውን ኣብ ምብራቕ ኣብ ድሬዳዋ፣ ክልል ሶማሊን ኦሮምያን ከቢድ ወራር ኣንበጣ ከም ዝነበረን ኣብ መጋሃጫን ዘራእትን ጉድኣት ምውራዱን ገሊጹ እዩ።

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት፡ ኣብቲ ዝናብ ዝረኣዩሉ ከባቢታት ኦጋዴን ሓድሽ ጽፍያ ከምዝቕጽልን፡ ኣብ ሶማል ኣቐዲሞም ኣብ ዘይተለለዩ ከባቢታት ዝጸፍዩ ከም ዘለውን ሐቢሩ ነይሩ።

ኣብ ጋሕተላይ ዝወደቐ ዕስለ ኣንበጣ ምድረበዳ

ምንጪ ስእሊ, PNetabay/Twitter

ኣብ ኤርትራ ንኣሽቱ ኲብኲብታ ዓመት ዓመት ስለዝረኣዩ ሓድሽ ከም ዘይኮነ ዝገለጸ ኣቶ ሕሩይ፡ እቲ ኣሸጊርዎም ዘሎ፡ ካባ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጽእ ወራር ምዃኑ ተዛሪቡ።

ንሱ ወሲኹ፡ ግቡእ ቅድመ ምድላው ስለዝገበሩ እቲ ናይ ምቁጽጻር ስራሓት ብጽቡቕ ይካየድ ምህላው ገሊጹ።

"እቲ ህዝቢ ተወዲቡ፡ ሰራዊት እውን ይዋሳእ ስለ ዘሎ ጸገም የብልናን" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ደቡብን ንኡሳን ዞባታት ጸሮና፣ ዓዲ ቐይሕ፣ ሰገነይቲ፣ ማይዓይኒን ሰንዓፈን'ውን ካብ ትግራይ ዝሰገረ ወራር ናይ ገረብ ኣንበጣ ከም ዝነበረን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቖጻጸርዎን ሓቢሩ።

Skip Facebook post

Content is not available

View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of Facebook post

ህዝቢ እቲ ከባቢ ሓበሬታ ኣብ ምምሕልላፍ ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ኣብ ምምካት እቲ ባልዕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ንሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሓጎስ ሃይለ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጸብጺባ።

ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸፍይ ኣንበጣ ንምቁጽጻር ነናተን ከባቢ ዝከታተላ ዝተፈላለያ ነቑጣታት ተመስሪተን ኣለዋ ዝበለ ኣቶ ሕሩይ፡ እቲ ቀንዲ ኣጸጊሙ ዘሎ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሰግር ወራር ንምቁጽጻር ምስ ብዙሓት ኣካላት ብምትሕብባር ይስራሕ ምህላው ገሊጹ።

"ብመካይን ሞቶራይዝድን ብኢድ ዝዓዪን መንጸጊታት ተጠቂምና ወጋሕታ ኣብቲ ዘዕረፈሉ ስፍራ ኢና ንዕወተሉ ዘሎና" ዝበለ ኣቶ ሕሩይ ነፋሪት ምጥቃም፡ ምስ ብከላ ብዝተኣሳሰር ጉዳያት ከም ዘይመርጽዎ ተዛሪቡ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ለይቲ ከይወፈረ ተኣኪቡ ከሎ ስጉምቲ ስለዝወስዱሉ፡ ኣብ ዘራእቲ ዘውረዶ ክሳራ ዳርጋ ከም ዘየሎ ኣቶ ሕሩይ ሓቢሩ።