ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ኣንበጣ ናብ ኤርትራ ክሰግር ይኽእል'ዩ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተራእየ ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ናብ ኤርትራ ክሰግር ከም ዝኽእል፡ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO) ኣጠንቂቑ።
ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሚያን ሶማልያን ዝተራእየ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ኣብ ሕርሻታት ከቢድ ጉድኣት ከም ዘወርደ ተገሊጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ ኣብ 100 ሄክታር ዝነበረ ዘርኢ ጣፍ ምሉእ ብምሉእ በሪሱ'ዩ።
እቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዕስለ ኣንበጣ፡ ዛጊት ልዕሊ 351 ትርቢዒት ኪሎ ሜትር ሸፊኑ'ሎ።
ኣብ መዓልቲ ብውሕዱ 1.7 ሚልዮን ቶን ቆጽለመጽሊ ከም ዝበልዕ'ውን ጸብጻባት ናይቲ ትካል ይጠቅስ።
ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ድሬዳዋ ንዝተራእየ ወራር ብኣጋኡ ምቁጽጻር ከም ዘይተኻእለ'ውን ተሓቢሩ።
ወኪል እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ፡ ፋጡማ ሰይድ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ተቐላጢፍና ንዘለና ጸጋታት ብምውህሃድ፡ ናይ ምቁጽጻርን ምክልኻልን ስጉምትታት ክንወስድ ኣለና" ኢላ።
ኣብ ነሓሰ ክሳብ ጥቅምቲ ብመሰረት ዝተገብረ ዳህሳስ፡ ዛጊት ካብ 48 000 ሄክታር፡ እቲ ኣብ 21 000 ሄክታር ዝተራእየ ወራር ጥራይ'ዩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ዘሎ።

ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ 56 ወረዳታት ብዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ካብ 48 ሽሕ ሄክታር ኣብ 21 ሽሕ ሄክታር ጥራሕ'ዩ ዕስለ ኣንበጣ ምክልኻል ተኻኢሉ ይብል ጸብጻብ ፋኦ።
ኣብዚ እዋን ዝባጽሑን ጌና ዝተጫጭሑን ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብተን ዝተጠቐሳ ክልላት እናተዛመቱ ኣብ ዘራእቲ ጉድኣት ዘየብጽሑ ኣለው ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ብምኽንያት ከቢድ ዝናብ እቲ ኣንበጣ ኣብ ክልል ሶማሌ እንቋቁሖኡ ይጸፊ ኣሎ። እዞም ኣብ ዝተፋለለዩ ከባቢታት ዝጫጭሑ ዘለዉ ኣንበጣ በረኻ ድማ፡ ቀጻሊ ስግኣት ይኾኑ ከም ዘለዉ'ዩ ፋኦ ዝገልጽ ዘሎ።
ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ክሳብ ሕዚ እዚ'ዩ ዝብሃል ጉድኣት ኣብ ዘራእቲ ከም ዘይበጽሐ'ዩ ዝሕብር።
እቶም ኣብ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ዕስለ ኣንበጣ ወፊሮም ዘለው መናእሰይ'ውን፡ ክንድቱ ዝስጋእ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዘራእቲ ዝበጽሕ ውሱን ጉድኣት ከም ዘሎ ይገልጹ።
ትካል መግብን ሕርሻን [ፋኦ] እቲ ወራር ናብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኬንያን ክሰግር ከም ዝኽእል ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ'ሎ።
እቲ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ እቲ ኣንበጣ በረኻ፡ ናብ ምብራቓዊ ክፋል ኬኒያ፣ ምዕራባዊ መታሕትን ከበሳን፡ ከምኡ'ውን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ደቡባዊ ገማግም ሱዳንን ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ዋና ዳይሬክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስተንሽን ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኤርትራ "ዘሰክፍ የብላን" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







