ዕስለ ኣንበጣ 6 ወረዳታት ክልል ዓፋር ወሪሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ዓፋር ካብ ሶማሊላንድ ከም ዝመጽአ ዝተገለጸ ዕስለ ኣንበጣ ኣስታት ክልተ ሽሕ ሄክታር ከም ዘዕነወ ቢሮ ልምዓት ሃብቲ እንስሳ፣ ሕርሻን ተፈጥሮን እቲ ክልል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ምክትል ሓላፊ'ቲ ቢሮ ኣይተ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንጂቡቲ ብእተዋስን ወረዳ ኤልዳዕር ኣቢሉ ናብ ዓፋር ከም ዝኣተወ ተዛሪቡ።
"ኣብዚ ሕዚ እዋን ከባቢ 6 ወረዳታት ተቖጻጺሩ'ሎ" ዝበለ ኣይተ ኢብራሂም፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ከም ዝተርኣየ ኣዘኻኺሩ።
"ዛጊድ ምህርቲ ሕርሻ ናብ ዘፍርያ ወረዳታት'ኳ እንተዘይበጽሐ ከባቢ 1660 ሄክታር መሬት ተቖጻጺሩ ይርከብ" ኢሉ።
እቲ ኣምበጣ ከባቢ 660 ሄክታር ዝሸፈነ መጋሃጫን ኣግራብን ከም ዘዕነወን ኣብ ሽድሽተ ቦታታት እንቋቑሖ ብምውዳቕ ዘርኡ ከም ዝተክአን ተፈሊጡ።
"ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልልና ምስ ፌደራል ሚንስትር ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን ብምትሕብባር ብነፋሪትን ሓይሊ ሰብን ዝተሓገዘ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ" ክብል ገሊጹ።
ናብ ካልእ ቦታ ከይስፋሕፍሑ ኣብ ዝግበር ናይ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ስራሕ ኬሚከላ'ኳ ይንጸግ እንተሃለወ፡ ምሉእ ብምሉእ ውጽኢታዊ ምዃን ኣይተኽኣለን።
"ዶብ ሰጊሩ ናይ ምእታው ተርእዮ ነክዩ'ሎ። እቲ ሕዚ ዘስግእ ግን ዓዲዓርን ሜሌን ዝርከብአን ኣርባዕተ ወረዳታት እንቋቝሑ ስለዘውደቑ ከቢድ ስግኣት ኣሎ" ኢሉ እቲ ምኽትል ሓላፊ።
"እቲ ናይ ምጥፋእ ስራሕ እንተተሰርሐ'ኳ፡ ሰብ ሞያ ከም ዝሓበሩና፡ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዕስለ ገዲፉ ክኸይድ ይኽእል'ዩ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ሰብ ሞያ ከም ዝብልዎ እንተኾይኑ፡ እቲ እንቋቑሖ ኣብ 12 ወይ ኣብ 65 መዓልቲ ናይ ምጭጫሕ ተኽእሎ ኣለዎ። ብዘይካ'ዚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወቕቲ ንምርባሕ ዝምችዎም'ዩ።
ኣይተ ኢብራሂም፡ "ንኣብነት ኣብ ዓፋር ዝናብ፣ ራሕስን ትኽልታትን ኣለዉ። እዚ ከኣ ብዝበለጸ ንኽፍጠር የኽእሎ" ክብል ክብደት ናይቲ ስግኣት ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, AFAR REGION LANRD/FB
ንሱ ከም ዝበሎ ካብ ክልል ዓፋር ሰጊሩ፡ ናብ ጎረባብቲ ክልላት'ውን ከይዝርጋሕ ዓብይ ስግኣት ኣሎ።
ኣብቲ ክልል፡ ንጥፈታት ሕርሻ ኣብ ቀረባ እዋን ስለዝጅመር፡ ነዚ ኣንበጣ ብኣጋ ምቁጽጻር እንተዘይተኻኢሉ ዝኸፍአ ሓደጋ ክስዕብ ከም ዝክእል እቲ ሓላፊ ኣመልኪቱ።
"ናይ ምቁጽጻር ስራሕ እናሰራሕና ኢና። እንተወጺኡ ግን ንጥፈታት ሕርሻ ናብ ዝጀመራ ካልኦት ወረዳታት ዓፋርን ክልል ኣምሓራን ክሰግር ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
እቲ ብነፋሪት ዝካየድ ኬሚካል ናይ ምንጻግ ስራሕ፡ ናብ ኩሉ እቲ ኣንበጣ ዝርከበሉ ቦታ ክበጽሕ ብዘይ ምኽኣሉ፡ ብሓይሊ ሰብ ዝተሓገዘ ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ።
"ዝተልኣኸት ነፋሪት ንኢሽተይ እያ። ንኢሽተይ ቦታ'ያ ትሽፍን። ስለዚ ከም ክልል ክፈሪ ንዝሓሰብናዮ ፍርያት ሕርሻ ከቢድ ስግኣት ኣሕዲሩልና'ሎ። እዚ ንፌደራል መንግስቲ ኣፍሊጥና ኢና" ክብል ኣረዲኡ።
ዛጊድ እቲ ኣንበጣ ዝተቖጻጸሮን ዘዕነዎን ቦታ፡ ብሳዕርን ኣግራብን ጥራሕ ንዝተሸፈነ ቦታ ስለዝኾነ ብዝብል እቲ ብፌደራል መንግስቲ ዝተወሃበ ቆላሕታ ዝተሓተ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።
ምስ ክልል ኣምሓራ ሓቢርካ ንምስራሕ ዝተጀመረ ስራሕ'ኳ እንተሃለወ፡ እተን ክልላት [ኣምሓራን ትግራይን] ናብ ክልለን ከይኣትው እምበር ኣብ ዓፋር ንዘሎ ንምጥፋእ ዝከኣለን ይገብር ዘይምህላወን ተሓቢሩልና።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ትግራይ ዞባ ደቡብ፡ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ተራእዩ ዝነበረ ወራር ኣንበጣ በረኻ፡ ብዝተዋደደ ንምክልኻል ከም ዝተፈተነ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ተራእዩ ዘሎ ኣንበጣ ናብ ትግራይ ብምእታው ኣብ ዘራእቲ ሓደጋ ከየብጽሕ ድማ፡ ቅድመ ምድላው ክግበር ኣተሓሳሲቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







