ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ ኤርትራዊ ስደተኛ ምዃኑ ተረጋጊጹ

ሞይቱ ዝተረኽበ ኤርትራዊ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, HERTFORDSHIRE POLICE

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ሓደ ኣገራብ ዝበዝሖ ቦታ ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ ኤርትራዊ ስደተኛ ምዃኑ ፖሊስ ሓቢሩ።

ሬሳ ናይቲ ብተደጋጋሚ ብኻራ ተወጊኡ ዝተቐትለ መንእሰይ ብሓሙስ ሰዓት 07፡30 ናይ ንጉሆ ካብ ከተማ ለንደን ንሰሜን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ስቲቨነጅ ዝተባህለ ቦታ ተረኺቡ።

ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰለሙን፡ ትሕቲ ዕድመ ኮተቴ ኮይኑ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወን ዑቕባ ዝተዋህቦን ምንባሩ ፖሊስ ሀርትፈርድሸር ጠቒሱ።

መበገሲ ናይቲ "ጨካን መጥቃዕቲ" እንታይ ምዃኑ ክርድኦም ከምዘይክኣለ፡ ኣፈኛ ፖሊስ ተዛሪቡ።

ፖሊስ ኣብ ቦታ ቅትለት

ምንጪ ስእሊ, SOUTH BEDS NEWS AGENCY

መቕርቡ ከምዝተሓበሩን፡ ኣብ ሓዘኖም ዝድግፎም ኪኢላ ኣባል ፖሊስ ከምዝተመደበሎምን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ስድራቤቱ'ውን ብዛዕባ ሞቱ ከምዝሰምዑ ፖሊስ ሓቢሩ'ሎ።

መርማሪ ገበናት ኢያን ማክፐርሰን ኣብ ዝሃቦ ቃል "መበገሲ ናይዚ ኣብ ልዕሊ'ዚ ንእሽቶ መንእሰይ ዝተፈጸመ ጨካን መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ክርድኣና ኣይክኣለን ዘሎ" ኢሉ።

"እቲ በረኸት ኣካሉ ዝኾነ ማሕበረኮም ኤርትራውያን መልሲ ክህሉ ከምዝኽእል ግን ዕግበት ኣለኒ"።

ሬሳ ዝተረኽበሉ

ምንጪ ስእሊ, SOUTH BEDS NEWS AGENCY

ካልእ ሓላፊ ፖሊስ ግሬም ዎልሲንግሃም ብወገኑ፡ ብኻራ ዝፍጸም ገበናት "ኣብ ስቲቨነጅ ኣዝዩ ብዕቱብ'ዩ ዝርአ" ይብል።

ኣብቲ ከባቢ ውሕስነት ጸጥታ ንምስፋን ኣባላት ፖሊስ ናብ ኣብያተ -ትምህርቲ ብምኻድ፡ ብዛዕባ ብኻራ ዝፍጸም ገበናት ይኹን፡ ናይ ዕስለ ገበናት ንቕሓት ንምፍጣር ጎስጓስ ከምዘካይዱ ገሊጹ።

ነበርቲ እቲ ካባቢ ንዝህብዎም ደገፋት'ውን እቲ ሓላፊ ንኢዱ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ፈረንሳን ጀርመንን ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተቐትሉ ዝገልጹ ጸብጻባት'ውን ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣሰንቢዱ ምህላዉ ይግለጽ።