ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ ኤርትራዊ ስደተኛ ምዃኑ ተረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, HERTFORDSHIRE POLICE
ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ሓደ ኣገራብ ዝበዝሖ ቦታ ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ ኤርትራዊ ስደተኛ ምዃኑ ፖሊስ ሓቢሩ።
ሬሳ ናይቲ ብተደጋጋሚ ብኻራ ተወጊኡ ዝተቐትለ መንእሰይ ብሓሙስ ሰዓት 07፡30 ናይ ንጉሆ ካብ ከተማ ለንደን ንሰሜን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ስቲቨነጅ ዝተባህለ ቦታ ተረኺቡ።
ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰለሙን፡ ትሕቲ ዕድመ ኮተቴ ኮይኑ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወን ዑቕባ ዝተዋህቦን ምንባሩ ፖሊስ ሀርትፈርድሸር ጠቒሱ።
መበገሲ ናይቲ "ጨካን መጥቃዕቲ" እንታይ ምዃኑ ክርድኦም ከምዘይክኣለ፡ ኣፈኛ ፖሊስ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, SOUTH BEDS NEWS AGENCY
መቕርቡ ከምዝተሓበሩን፡ ኣብ ሓዘኖም ዝድግፎም ኪኢላ ኣባል ፖሊስ ከምዝተመደበሎምን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ስድራቤቱ'ውን ብዛዕባ ሞቱ ከምዝሰምዑ ፖሊስ ሓቢሩ'ሎ።
መርማሪ ገበናት ኢያን ማክፐርሰን ኣብ ዝሃቦ ቃል "መበገሲ ናይዚ ኣብ ልዕሊ'ዚ ንእሽቶ መንእሰይ ዝተፈጸመ ጨካን መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ክርድኣና ኣይክኣለን ዘሎ" ኢሉ።
"እቲ በረኸት ኣካሉ ዝኾነ ማሕበረኮም ኤርትራውያን መልሲ ክህሉ ከምዝኽእል ግን ዕግበት ኣለኒ"።

ምንጪ ስእሊ, SOUTH BEDS NEWS AGENCY
ካልእ ሓላፊ ፖሊስ ግሬም ዎልሲንግሃም ብወገኑ፡ ብኻራ ዝፍጸም ገበናት "ኣብ ስቲቨነጅ ኣዝዩ ብዕቱብ'ዩ ዝርአ" ይብል።
ኣብቲ ከባቢ ውሕስነት ጸጥታ ንምስፋን ኣባላት ፖሊስ ናብ ኣብያተ -ትምህርቲ ብምኻድ፡ ብዛዕባ ብኻራ ዝፍጸም ገበናት ይኹን፡ ናይ ዕስለ ገበናት ንቕሓት ንምፍጣር ጎስጓስ ከምዘካይዱ ገሊጹ።
ነበርቲ እቲ ካባቢ ንዝህብዎም ደገፋት'ውን እቲ ሓላፊ ንኢዱ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ፈረንሳን ጀርመንን ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተቐትሉ ዝገልጹ ጸብጻባት'ውን ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣሰንቢዱ ምህላዉ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







