ብቕትለት ሓደ ኤርትራዊ ነጋዳይ ዝተኸሰሱ ሰለስተ ኡጋንዳውያን ን50 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም

ከተማ ካምፓላ ኣብ ኡጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምስ ክልተ ተሓባበርቱ ብምዃን ብጭውያ፡ ስርቅን መቕተልትን ኤርትራዊ ነጋዳይ ዳንኤል ሚኪኤል ወልዱ ገበነኛታት ኮይኑ ዝተረኽበ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኡጋንዳ 50 ዓመት ክእሰር ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ካምፓላ በዪኑ።

ካፒቴን ቡማሊ ማንጌኒ፡ ቤኖን ዳንካንን ኣንድሪው ኪሲቱን ምስ ዝተባህሉ ተሓባበርቱ ብምዃን ብ27 ጥቅምቲ 2016 እዩ ኮሎሎ ኣብ ዝበሃል ኣብ ጥቓ ካምፓላ ዝርከብ ስፍራ ነቲ ገበን ፈጺምዎ።

እቶም ገበነኛታት ንግዳይ ካብ ኮሎሎ ብምጭዋይ፡ ኣደንዚዞም ናብ ከተማ ጂንጃ (80 ኪሜ) ወሲዶም ገንዘቡን ንብረቱን ራስዮም ዶብ ሰጊሮም ናብ ኬንያ ብምእታው ቀቲሎሞ። ሬስኡ ከምዘቃጸሉ'ውን መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን።

ብድሕሪ'ዚ ቶዮታ ፕራዶ ዝዓይነታ መኪንኡ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብምውሳድ ንጽባሒቱ ከም ዝሸጥዋ 'ዴይሊ ሞኒተር' ጸብጺቡ።

ዳኛ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ካምፓላ ፍላቪያ ኣንጅሊን ሰሴኖጋ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ ፍርዲ: እቲ ገበን ግቡእ ምድላዋት ተገይሩሉ ከም ዝተፈጸመ ክተብርህ ከላ፡ እቶም ገበነኛታት ነፍሲ ወከፎም ኣብ ምፍጻም እቲ ገበን ከም እተዋስኡ ብምግላጽ፡ እቲ ጭውያ ውጽኢት ምትላል ምዃኑን ምቅጻል እቲ ኣስከሬን ጠንቂ ሞት ንምሽፋን ዝተገብረ ምዃኑ ከም ዝገለጸት መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን።

እቶም ገበነኛታት ናይ ሞት መቕጻዕቲ እኳ ዝግብኦም እንተነበረ ሕጊ ኡጋንዳ ብሞት ምቕጻዕ ስለ ዘየፍቅድ ብናይ 50 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጽዑ ከም ዝበየነ እታ ዳኛ ገሊጻ።

ኣብ ዩጋንዳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉን፤ ኣብ ዝተፈላለየ ንግዳዊ ንጥፈታት ብምውፋር ከምዝናበሩን ይፍለጥ።