ኣብ መጥቃዕቲ ኦሃዮ ኣብ ዝተቐትሉ ሰባት ሓደ ኤርትራዊ ምዃኑ ተፈሊጡ

መጥቃዕቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣሜሪካ-ኦሃዮ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ዝሞተ ኤርትራዊ ከምዘሎ ተፈሊጡ

ኤርትራዊ ሳሂድ ሳልሕን ካልኦት 28 ሰባትን በቲ ኣብ ቴክሳስን ኦሃዮን ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ተኹሲ'ዮም ተቐቲሎም።

ናይቲ ግዳይ ስድራን መሓዙትን ኣብ ከተማ ዳይተን ተኣኻኺቦም ሓዘኖም ይገልጹ ዘለዉ ኮይኖም ቀብሩ ቀዳም ክፍጸም'ዩ ተባሂሉ።

ደይቶን ታየምስ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሳሂድ፡ ለዋህን ጻዕራምን ምንባሩ ገሊጻ።

ፕረዚደንት ማሕበረሰብ ሱዳናውያን ኮሚኒቲ ደይቶን፡ ያሕያ ከሚስ፡ ንስድራቤት ሳልሕ ወኪሉ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣባላት እቲ ማሕበር፡ ሓዘኖም ንምግላጽ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ናብ ከተማ ደይቶን ምምጽኦም ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ መትቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንዓሌታውነት፣ ጽልእን ልዕልና ጸዓዱን ኮኒኑ።

ኣብ ምቁጽጻር ኣጽዋር ምስ ጥዕና ኣእምሮ ብዝተሓሓዝ ምምሕያሽ ክግበርን ጅምላዊ ቅትለት ዝፍጽሙ ብሞት ክቕጽዑን ጸዊዑ።