ኣብ ዚምባብወ ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ብካራ ከምዝተቐትለ ማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ጸብጺበን

ኣብ ዚምባብወ ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ብካራ ከምዝተቐትለን ብዓልቲ ቤቱ ድማ ብኸቢድ ቆሲላ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደትን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።
ሄራልድ ዝተባህለ መንግስታዊ ጋዜጣ እታ ሃገር ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ቅትለት ብቀዳም ከምዝተፈጸመ ጠቒሱ።
ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ወዲ 23 ዓመት ውላዶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ'ሎ።
እቲ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ስሙ ዘይተገልጸ ዩኒቨርሲቲ ከምዝምሃር ዝተገልጸ መንእሰይ፡ ድሮ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበን፡ ናይ እምነት ወይ ክሕደት ቃሉ ከምዘይነበረ እተን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ናይ ቅትለትን ፈተነ-ቅትለትን ክስታት ቀሪብሉ ከምዘሎ ሄራልድ ኣስፊሩ'ሎ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ሓደ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክንክን ማእከል ተወሲዱ ከምዘሎ'ውን ዚምየ ዝተባህለ ናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ ዚምባብወ ገሊጹ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ስድራ-ቤታት ዝተፈጸመ ቅትለታት ኣብ ኤርትራዊ ናይ ዳያስፖራ ማሕበረሰብ ስንባደ ምፍጣሩ ይፍለጥ።
ከምዚ ዓይነት ዘይንቡር ቅትለታት ኣብቲ ሕብረተሰብ ልሙድ ተርእዮ እናኾነ ምምጽኡ ንብዙሓት ዘሻቕል ዘሎ ኩነታት'ዩ።
ጠንቂ ናይዚ ኣብ ዚምባብወ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ምስሕሓብ ከምዝነበረ'የን ማዕከናት ዜና ዚምባብወ ዝገልጻ ዘለዋ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







