40 ሽሕ ብር ጉቦ 'ኣይቅበልን' ዝበለ ኣባል ፖሊስ ክልል ዓፋር፡ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister
ዋና ሳጅን ሲራክ ዓብደላ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር፡ ወረዳ ኤልደኣር ኣባል ፖሊስ ቀበሌ ማንዳ ኮይኑ የገልግል።
ሳጂን ሲራጅ ኣባል ፖሊስ ኮይኑ ክሰርሕ ካብ ዝጅምር ከባቢ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝኾኖ ይዛረብ።
እቲ ከባቢ ዶብ ስለዝኾነ ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮባንድ)ን ብበዝሒ ከም ዝፍጸመሉ ኣብ ጻንሒቱ ክግንዘብ ክኢሉ'ዩ።
8 መስከረም 2012 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ሓንቲ መኪና ጥርሓ ንምሕላፍ ክትፍትን ከላ ይርእይ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ንዕኡ ሓዊሱ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ቦታ'ኳ እንተነበሩ ናብቲ'ታ መኪና ትመጸሉ ዝነበረት መገዲ ዝኸደ ግን ንሱ ጥራይ ነይሩ።
ነቲ መገዲ ብምዕጻው ድማ እታ መኪና ደው ክትብል ሓቲቱ። ንሱ ብዘሕለፎ ትእዛዝ መሰረት ዘዋሪ መኪንኡ ደው ኣበላ። ዋላ ሓደ ዝጸዓነቶ ነገር የለን።
ኣብ ውሽጢ ጋቤና ግን እቲ ዘዋሪ፣ ሓጋዚኡ ከምኡ'ውን ካልእ ሰብ [ናይታ መኪና በዓል ዋና ከም ዝኾነ ዝገልጽዎ] ነይሮም።
ሳጂን ሲራጅ 'በዚ ሰዓት'ዚ ገለ ጽዕነት ከይሓዙ ደኣ ንምንታይ'ዮም ዝጓዓዙ?' ዝብል ጥርጣረ ኣብ ውሽጡ ይሓድሮ።
"እቲ ቦታ ግንባር ስለዝኾነ ብዘይካ ናይ ሰራዊት ምልክኻል፡ ካልኦት መኻይን ክሓልፋ ዝተለመደ ኣይኮነን" ክብል ነቲ ኣጋጣሚ ብጥርጣረ ክርእይ ዘኽኣሎ ምኽንያት ይዛረብ።
ቅድሚ ሕዚ'ውን ካብ ሕብረተሰብ ጥቆማ (ሓበሬታ) በጺሕዎ ስለዝነበረ፡ ሒዝዋ ዝነበረ ላምባዲና ናብታ መኪና ኣብሪሁ ክፍትሽ ጀሚሩ።
ክጠራጠር ዝኸኣለሉ ምኽንያት ትርጉም ኣልቦ ኣይነበረን። ኣብ ልዕሊ ጎማ ናይታ መኪና ብመሸማዕ (ጭረት) ዝተቛጸረ ነገር ርእዩ።
"እዚ ደኣ እንታይ እዩ?" ክብል ሓተቶም።
ናይቶም ሰባት መልሲ "ንፈልጦ ነገር የለን" ዝብል ነይሩ። ፈተሻ ብምክያድ ኣብ ውሽጡ 29 ክላሽንኮቭ ዓይነት ኣጽዋር ምህላው ምስኣረጋገጸ፡ ናብ ጣብያ ፖሊስ ንክኸዱ መምርሒ ሃቦም።
ንሳቶም፡ ሓደ መሳርሒ (ዕጥቂ) ምስ ኣርብዓ ሽሕ ብር ክህብዎ ምድርዳር'ኳ እንተጀመሩ፡ ሳጂን ግን ነቲ ኣርበዓ ሽሕ ብምሓዝ ምስ ሙሉእ ኣጽዋሮም ኣብ ቀይዲ ከውዕሎም ክኢሉ።
"ኣርብዓ ሽሕን ሓደ ክላሽንን ካብ ድሕነት ሃገር ዝበልጽ ኣይኮነን" ክብል ይዛረብ ሳጂን ሲራክ።
ዝናን ሽልማትን
እዚ ተግባሩ ብዜና ምስተቓልሐ ዝንኡ ናብ ኩሉ ተባጺሑ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐት ሂብዎ።
ይትረፍ'ዶ ካብ ቀዳማይ ሚንስትር ካብ ካልእ ዝኾነ ይኹን ኣካል "ሽልማት ክወሃበኒ'ዩ" ዝብል ትጽቢት ዘይነበሮ ሳጂን ሲራጅ፡ እቲ ሽልማት ሓጎስን ወነን ከም ዝፈጠረሉ ይዛረብ።
"ከምዚ ዝበለ ተግባር ርኢና ክንሓልፎ ከም ዘይብልና ኣብ እዋን ስልጠናና ቃል ዝኣተናሉ ጉዳይ'ዩ" ክብል ድማ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ውሑስ ምግባር ሞያዊ ግቡኡን ሓላፍነቱን ምዃኑ ኣረዲኡ።
መንግስቲ ክልል ዓፋር ሽልማት 50 ሽሕ ሂብዎ'ሎ። ናይቲ ክልል ኮሚሸን ፖሊስ ከኣ መዓርግ ዋና ሳጂን ከም ዝሃቦ፡ ኮሚሽነር ዓሊ ቢኒ [ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ዓፋር] ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
"'40 ሽሕ ክህብዎ ምስፈተኑ 'እምቢ' ኢሉ' ኢልና ንፕረዚደን ክልል ዓፋር ምስነገርናዮም፡ 'ካብቲ ናታቶም ዝበለጸ ክንሽልሞ ኢና' ኢሎም 50 ሽሕ ብር ሸሊሞምዎ" ኢሎም።
"ንዘዋሪ መኪና ከዘራርቦ ከለኹ፡ 'መኪናና ጥርሓ ስለዝነበረት ከቢድ ፈተሻ ኣይግበርን' ብዝብል ነቲ 'ደው በሉ!' ዝብል ትእዛዝ ሳጂን ሲራጅ ተቐቢሎም ደው ምባሎም ነጊሩኒ'ዩ" ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም እቶም ኮሚሽነር።
ፖሊስ ፌደራል እውን ንሳጂን ሲራጅ ወረቐት ምስክርን ሞባይል ስልክን ሸሊምዎ'ዩ።
ኮሚሽነር ዓሊ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ እቶም ዝተትሓዙ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ምጽራይ ይግበር ኣሎ።
ቅድሚ ወርሒ ሓንቲ ሚኪና ሰርዶ ንዝተበሃለ ኬላ [ኣብቲ ክልል ዝርከብ መፈተሺ ናቑጣ] ጥሒሱ ብምሕላፍ፡ ኣብ መእተዊ ሎጊያ ምስ ዝጸዓኖ ብዙሕ ኣጽዋርን ጠያይትን ኣብ ቀይዲ ምውዓሉ'ውን ኣዘኻኺሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







