ህወሓት፡ ምስ ዴሞክራሲ ዓይንን ሓመድን ኮይኑ ክሳብ መዓዝ?

ሓወልቲ ሰማእታት

ን17 ዓመታት ኣብ በረኻታት ትግራይ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ዘካየደ ህወሓት ቀንዲ ዕላማታቱ ማዕርነት፣ ዲሞክራስን ናጽነትን ዝብሉ ዓንድታት ነይሮምዎ።

እቲ ማዕርነት፡ ምስ ናይ ብሄር ብሄርሰባት ማዕርነት፣ ማዕርነት ሃይማኖት ከምኡ’ውን ናይ ጸታ ማዕርነት ዝብሉ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ዝሓዘ እዩ።

ምስ ውድባት ብኣዴን [ኣምሓራ] ፣ ኦህዴድን [ኦሮሞ] ደኢህዴንን [ደቡብን] ኮይኑ፡ ከም ኢህወዴግ ንስርዓት ደርጊ ኣውዲቑ ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝጸንሐ ጨቋኒ ‘ኣሃዳዊ ስርዓት’ ኣፍሪሱ፡ ፌዴራላዊ ሕገ መንግስቲ መስሪቱ እዩ።

እቲ ሕገ -መንግስቲ፡ ፌዴራላዊ ጥራይ ኣይኮነን ነይሩ። ኣብ ውሽጡ፡ ዓለምለኻዊ ንዝበሃሉ ስምምዓት ሰብኣዊ መሰላትን መትከላት ዲሞክራስን’ውን ኣፍልጦ ዝህብን፡ እዩ።

ኣብ ጉዳይ ዲሞክራስን ናጽነትን

ህወሓት ብፍላይ ምስ ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ ብምሕባር፡ ንስርዓት ደርጊ ስዒሩ ስልጣን ኣብ ዝሕዘሉ እዋን ግን፡ እቲ ዓለማዊ ኩነታት እውን ዝቀያየረሉ ዘመን እዩ ነይሩ።

‘ዝሑል ኲናት’ እናተብሃለ ዝጽዋዕ፡ ኣብ መንጎ ስነሓሳባት ሶሻሊዝምን ካፒታሊዝምን ዝነበረ ዓለማዊ ጎንጺ ኣብቂዑ፡ ብናይ ዕዳጋ ናጽነትን ስርዓት ሊብራሊዝምን ዝግናሕ ስርዓት ካፒታሊዝም ተተኪኡ።

ካብ ብጒሓቱ ብናይ ማርክሲስት ኣተሓሳስባ ተጠሚቑ ብመስመር ሶሻሊዝም ቃልሲ ዘካየደ ህወሓት’ውን፡ ብብርኪ ሃገር ናጻ ዕዳጋን ናጽነትን ዲሞክራስን ዝኣወጀ እንተኾነ’ኳ፡ እቲ ውሽጣዊ ኣወዳድባ፣ ጥርኑፍ ኣተሓሳስባን ሚስጢራዊነትን ግን፡ ናይቲ ውድብ ባህሪ ኮይኑ ቀጺሉ።

እቲ ውድብ ዝምረሐሉ ስነሓሳብ፡ መጸውዒኡ - ወያናይ ዲሞክራሲ እዩ።

ብብርኪ መንግስቲ ኣብታ ሃገር፡ ነጻ ስርዓት ዝኣወጀ መንግስቲ፡ እቲ ገዛኢ ውድብን ዘሰጉሞ ስርዓትን ግን ብሶሻሊዝም ዝተቐበአ እዩ።

ርግጽ፡ እቲ ህወሓት ዝዓብለሎ ስርዓት፡ ብፍላይ ድሕሪ መረጻ 1997 ዓ/ም ኣብ ቁጠባ ርኡይ ለውጢ ኣምጺኡ እዩ።

እዚ ‘ብወያናይ ዴምክራሲ’ ዝምራሕ ግንባር ኢህወዴግ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ትሕዝቶ ዘለዎ ‘ልምዓታዊ መንግሰቲ’ ኣዊጁ፤ ኣብ ዕብየት ቁጠባ ዝምስገን ልምዓት’ኳ እንተምጸአ፡ ኣብ ሕቶ ዲሞክራስያዊነቱ ግን ሓያሎ ሕቶታት ክለዓሎ ጸኒሑ እዩ።

ነባር ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣይተ ገብሩ ኣስራት፡ ‘ሉዓላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ’ ኣብ ዝብል መጽሓፉ፡ ነዚ ተጻብኦታት ተንቲንዎ ኣሎ።

መምርሒ’ቲ ስርዓት እዚ ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብቲ ናይ 1993 ዓ/ም ናይቲ ውድብ ምክፍፋል፡ “ንሕና [እቶም ኣንጃ ተባሂሎም ካብቲ ውድብ ዝተባረሩ] ስዒርና እንተንኸውን’ውን፡ ካብ እኒ መለስ ዝገደድና ጸረ-ዲሞክራስያውያን ምኾንና” ብምባል እቲ ጸገም ካብ ስነ-ሓሳብ እቲ ውድብ ከም ዝምንጩ የረጋግጽ።

ኣይተ ገብሩ ኣስራት፡ እቲ ወያናይ ዲሞክራሲ ዝበሃል ስነ-ሕሳብ፡ ንዝፈተላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ፈታውን ጸላእን እናበለ ዝፈላልን፡ ካብኡ ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ ንዘሰጉሙ ኩሎም ከም ገበነኛ ዝርእይን ብምዃኑ ንስርዓት ብዙሕ-ፓርቲ ሰረት ከንጽፍ ከምዘይኽእል ቅድም ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ህወሓት/ኢህወዴግን መረጻን

መረጻ፤ ሓደን ቀንድን መዐቀኒ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ። ይኹን’ምበር ንመረጻ ዘድልዩ ባእታትት፡ ቅድሚ እቲ መረጻ ጀሚሩ እንተዘይተማሊኦም፡ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን መረጻ ተኻይዱ ኣይበሃልን።

ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በብ ሓሙሽተ ዓመቱ መረጻ ክግበርን ህዝባዊ ስልጣን ብመረጻ ጥራይ ክተሓዝን ዝእዝዝ እዩ።

ህወሓት/ኢህወዴግ፡ ፈላማይ መረጻ ኣብ 1987 ዓ/ም፥ ንካልኣይ ግዜ ድማ ኣብ 1993 ዓ/ም ክካየድ ገይሩ እዩ።

እንተኾነ፡ እቶም ቀንዲ ተነሓናሕቲ ሓይልታት፡ ከም በዓል መኢሃድን [ውድብ መላእ ህዝቢ ኣምሓራ] ዝኣመሰሉ ንዓርሶም ካብቶም መረጻታት ኣግሊሎም ነይሮም።

ኣብ እዋን’ቲ፤ ስግግር መንግስቲ ዓብዪ ተሳትፎ ዝነበሮ ኦነግ ቀዲሙ’ውን፡ ጠቕሊሉ ንበረኻ ተመሊሱ ወጺኡ እዩ።

ካብኡ ንደሓር፡ ኦነግ ኣሸባሪ ተባሂሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተገብረ ለውጢ ስዒቡ፡ ድሕሪ ዒስራ ዓመት እዩ፡ ምስ ካልኦት ናብ ሃገር ኣትዩ ሕዚ ሰላማዊ ቃልሲ ክገብር ጀሚሩ ዘሎ።

መረጻ ትግራይ 9 መስከረም 2020 ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ዝሓሸ ዲሞክራስያዊነት ተንጸባሪቕሉ ተባሂሉ ዝእመነሉ ናይ 1997 ዓ.ም ሳልሳይ ዙርያ መረጻ፡ ብናጽነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ምውዳብን ኩነት ዝዓብለሎ ነይሩ።

ካብ ቢቢሲ ጀሚሩ፡ ሚድያታት ዓለም’ውን ንፈለማ እዋን ብዛዕባ መረጻ ኢትዮጵያ ከውገዓ ጀሚረን ነይረን።

ኣብቲ ንሕንሕ ዓሌታዊነት ተንጸባሪቑ ተባሂሉ ዝንቀፍ እንተኾነ’ውን፡ ብመንጽር ዲሞክራሲ፡ ተቓወምቲ ውድባት ንፈለማ እዋን ናብ ህዝቢ ወሪዶም ሓሳቦም ብነጻነት ዘስምዕሉን፡ ዝጉስጉስሉን ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንፈለማ እዋን ብዘይ ብረታዊ ቃልሲ ስልጣን ዝተሓዘሉ ባይታ ኣርእዩ ነይሩ።

ኣብ ትግራይ ግን እዚ ዝበሃል ተነሓናሒ’ውን ኣይነበረን። ህዝቢ እቲ ክልል፡ እቲ ብኣብዝሓ ሃገራዊ ጉዳያት ዝዓብለሎ ጎስጓስ ካብ ምስማዕ ወጻኢ፡ ኣማራጺ ውድብ ስለዘይነበረ፡ እዚ ዝበሃል ንሕንሕ ከይተገብረ፡ ትግራይ ሕዙእ ከባቢ ህወሓት ኮይና፡ ፖለቲካ ንበይኑ እዩ ብሒትዎ ጸኒሑ።

ኣብዚ ብዙሕ ኣካታዓይ ዝነበረ መረጻ፡ ኢህወዴግ ናይ ክልል ሶማሊ ከይሓወሰ፡ ካብ 524 መንበራት 296 ከምዝረኸበ ሃገራዊ መረጻ ቦርድ ኣፍሊጡ ነይሩ። ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ስለዝረኸበ ሰዓራይ ምዃኑ ድማ ዕላዊ ገይሩ።

እንተኾነ፡ ቅንጅትን ሕብረትን ብሃገር ብርኪ መረጻ ከምዘሰዓሩ ዝኣምኑ ክልተ ዓበይቲ ስምረታት እዮም ነይሮም።

ርግጽ፡ ምትልላት ከምዝነበረን ዝተኣመነለን ኣብ 31 ክልላት መረጻ፡ መረጻ ክድገም ተወሲኑ፡ ብዙሕ ለውጢ ኣየምጸአን’ምበር።

ናብ ቤት ምኽሪ ኣይኣትን ዝበለ ቅንጅት፡ 'ካርድና ብሓይልና ክነምልስ ኢና' ኢሉ፡ ናይ ከተማ ናዕቢ ኣላዒሉ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ነቲ ሰብኣዊ ግህሰት ተንጸባሪቕዎ ተባሂሉ ዝንቀፍ፡ ዝሰዓበ ማእሰርቲ ውሽጣዊ ምፍንጫል ስለ ዘኸተለ ሕብረቶም ክቕጽል ኣይከኣለን፤ ካብቲ ዝበጽሖም ስምብራት 'ውን ቀልጢፎም ኣይሓወዩን።

ኣባል ግንባር ቅንጅት፡ ተበታቲኖም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ቃልሶም ይቕጽሉ ነይሮም።

ቅንጅት፡ ከም ግንባር ኣብ ጽባሕ'ቲ መረጻ እዩ ፈሪሱ ምባል ይከኣል።

በዓል ዶክተር ብርሃኑ ነጋ [መራሒ ቀስተ ደመና] ዝሓዝዎም፡ ንመንግስቲ ብብረታዊ ቃልሲ ክኣልዩ ክውስኑ እንከለው፡ ከም በዓል ኢዴአፓን መኢኣድን ድማ፡ ቃልሶም ብሰላማዊ መገዲ ክቕጽሉ ወሲኖም።

ብዶክተር ብርሃኑ ዝምራሕ፡ ግንቦት7፡ ኣብ ደገ ኾይኑ ናይ ሚድያ ቃልሲ ዘካይደ ኾይኑ፡ ነቶም ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ለውጥን፡ ንህወሓት ካብ መእኸላይ መንግስቲ ዘባረረ፡ ህዝባዊ ለውጢ ዘላዐለ ሓደ እዩ።

ነቲ ለውጢ ስዒቡ ድማ፡ ካብ ዝርዝር ኣሸባሪነት ወጺኡ፡ ናብ ሃገር ተመሊሱ ኢዜማ ዝበሃል ሓበራዊ ግንባር ፈጢሩ ሰላማዊ ቃልሲ የካይድ ኣሎ።

‘ንህወሓት መሲልካ’

ብውጽኢት መረጻ 1997 ዝሰንበደ ህወሓት/ኢህወዴግ፡ እቶም ክፍተት ፈጢሮም ዝበሎም ዓውድታት ፖለቲካ ናብ ምድፋን እዩ ኣትዩ።

ኣብ ጽባሕ መረጻ 1997፡ ብመንግስታዊ ጥቕማ ጥቅምን ብረብሓን ደሊሉ፡ ልዕሊ 6 ሚልዮን ኣባላት መልሚሉ።

ከምኡ ድማ፡ ንሚድያ፣ ሲቪክ ማሕበረሰብን፤ ተቓወምቲ ውድባትን ዒመማ ዝገበረ 'ኣዋጅ ጸረ-ግብረ ሽበራ' ዝብል ወሲኹ ኣርባዕተ “ዓፈንቲ” ተባሂሎም ዝንቀፉ ሕግታት ኣጽዲቑ።

ኣብዝሓ ውድባት ተቓውሞ፡ ኢህወዴግ ብመረጻ ዝኣምን ግንባር ኣይኮነን ናብ ዝብል ድምዳመ በጺሖም ነይሮም።

እቶም ቀንዲ ተቓወምቲ ድማ፡ ድሕሪ ሕዚ ንኢህወዴግ መሲልካ ኣብ ውሽጢ ኣቲኻ ጥራይ እዩ ዝፈርስ ዝብል ድምዳመ ሒዞም።

እቲ ቅድሚ 3 ዓመት ዝተርኣየ ለውጢ፡ ናይ’ዚ ድምዳመ ውጽኢት ገይሮም ዝርድእዎ ኣይሰኣኑን።

ኣብ ራብዓይን ሓምሻይን ዙርያ መረጻታት፡ ኢህወዴግ ልዕሊ 99 ሚኢታዊ ስዒሩ ኢልካ ምዝራብ ልሙድ እናኾነ መጺኡ።

ተስፋ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኮይና ዝነበረት ሃገር መሰከፊት ኮይና። ዓለም ለኸ ሚድያን ተዓዘብትን ዕሽሽ ዝበልዎም መረጻታት ነይሮም።

ኣሌክስ ዲዋል ዝተብሃለ ንህወሓት ካብ በረኻ ጀሚሩ ዝፈልጦ ምሁር፡ እቲ ድሕሪ 97 ዓ/ም ዝተኣወጀ ‘ኣውራ ፓርቲ’ ዝብል ስነ-ሓሳብ፡ ‘ብሰፊሑ ዘይተዘተየሉን ብኢደ ወነን መለስ ዜናዊ ዝተገብረን’ እዩ ይብሎ።

እዚ ኣካይዳ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዓይነት ሃገራት ከምዘይሰርሕን፡ ኢህወዴግ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝሃነጾ ቁጠባ መሊኡ ከፍርሶ ከምዝኽእልን ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ፕሮፌሰር ተረንስ ላየንስ ዝተብሃለ ተመራማሪ ድማ: “Ethiopian Elections: past and future” ኣብ ዝብል ኣብ 2010 ኣብ ዘሓተሞ መጽናዕታዊ ጽሕፉ፡ ውሽጣዊ ባህሪ ህወሓት/ኢህወዴግ ዲሞክራስያዊ መረጻ ከካይድ ከም ዘይፈቕደሉ እዩ ዝድምድም።

ተዓዘብቲ መረጻ ትግራይ

ዓቕሙ ዝተጸንቀቐ ህወሓት- መወዳእትኡኸ?

ህወሓት፡ ብፍላይ በቶም ንዘመናት ዘብጸሖም በደላት ተነሲሁ ነይሩ።

ቅድሚ 3 ዓመት ዝገበሮ ገምጋም፡ ሓያል ጸረ-ዲሞክራስያዊነት፣ ምትሕዝዛልን ምትእጅጃልን ኣብ ውሽጡ ከምዝሰፈነ ኣሚኑ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ናጻ ማሕበራትን ናጻ ውዳበታትን ከይፍጠራ ገይረ እየ ምስበለ፡ እቲ ንልዕሊ 25 ዓመታት ብናይ ሓደ ውድብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ክቑረን ከምዝተገብረ ዝዛረብ ህዝቢ፡ ይቕረ ክብለሉ ጀሚሩ ነይሩ።

ህዝቢ ትግራይ፡ ብፖለቲካ ጥራይ ኣይኮነን ኣማራጺ ከይህልዎ ተገይሩ። እቲ ክልል፡ ብብርኪ ሃገር ካብተን ድኻ ክልላት ሓንቲ ኮይና፡ ጸገም ትምህርትን ጥዕናን’ውን ገፊሕ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

ንኣብነት፡ ካብቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝሳቐ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት፡ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ተጋሩ ከምዝኾኑ እዮም ባዕሎም ዝገልጹ።

ይኹን’ምበር፡ ብሰንኪ ባዕሉ’ውን ዝኣመነሉ ብመንግስቲ ሚድያታት ዝቃልሑ ናይ ሕሶት ጸብጻባት፡ እቲ ህዝቢ ከይበልዐ በሊዑ ተባሂሉ ብኻልኦት ህዝብታት ክጓነ ተገይሩ፤ ኣደዳ መጥቓዕትን ምምዝባልን ከምዝኾነ እውን ይፍለጥ።

ህወሓት፡ ዓቕሙ ተጸንቂቑ፡ ካብ ማእኸላይ መንግስቲ ምስተባረረ፡ ሓይሉ ኣብ ክልል የጠናኽር ኣሎ።

ምስ ሰልፊ ብልጽግና ዝመርሖ ማእኸላይ መንግስቲ ብዘሎ ዘይምቅዳው፡ እቲ ምፍጣጥ ናብ ደማዊ ኲናት ከየምርሕ ዓብዪ ስግኣት ኣሎ።

ናይ’ቲ ጎንጺ ሓደ መግለጺ እቲ ብብርኪ ክልል ዝተኻየደ መረጻ ኾይኑ፡ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ኣርባዕተ ውድባት፤ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ብሄራዊ ባይቶና ዓባይ ትግራይ፣ ውድብ ናጽነት ትግራይን ዲሞክራስያዊ ወድብ ዓሲምባን ኣብቲ ብዘይ ድልየት መንግስቲ ፌደራል ዝተኻየደ ፈላማይ ክልላዊ መረጻ ተሳቲፎም።

ገሊኦም፡ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ተነጺላ ዓርሳ ዝኸኣለት ሃገር ንኽትከውን ዝጠልቡ እዮም።

ብኻልእ ወገን፡ ነባር ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይን፡ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ትግራይን፡ ካብቲ ‘ዘይመስሎም’ መረጻ ንዓርሶም ኣግሊሎም እዮም።

ይኹን’ምበር፡ እቲ መረጻ፡ ዓለምለኻዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ነይሩ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፡ ከምዘይተገብረ እየ ዝቖጽሮ ዝበሎ መረጻ፡ ህወሓት 99 ሚኢታዊ ስዒረ ተባሂሉ ምስተነግረ ግን፡ ንገለ ኣባላቱ ከይተረፈ ዘሰከፎም ይመስል።

ቅድሚ እቲ መረጻ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ብመሓውሩ ኣቢሉ ናብ ህዝቢ ዝተበተነ ሓደ ሰነድ፡ ነቶም ተቓወምቲ ‘ባንዳታት’ ኢሉ ዝበየኖም እንትኸውን፡ ‘ሓንቲ ድምጺ ከይረኽቡ፡ ረመጽ ኩኑዎም’ ኢሉ ጎስጒሱ።

እቶም ሓንቲ ወንበር ረኺብኩም ዝተብሃሉ ተቓወምቲ፡ እቲ መረጻ፡ ካብ’ቲ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ዘሎ ምትፍናን ብዝብገስ፡ መሰል ዓርሰ-ምምሕዳር ዝተረጋገጸሉ ኢሎም እንተተቐበልዎ’ኳ፡ ቅድሙን ድሑርን እቲ መረጻ፡ እቲ ባይታ ዕሾኽ ከምዝነበረ አኣንፊቶም ኣለዉ።

ፕሮፌሰር ጆን ኣቢንክ፡ እዚ ወያናይ ዲሞክራሲ ዝበሃል ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ኣንጻር ደርጊ ኣብ ዝተገብረ ብረታዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ንምልዕዓልን ጠቒሙ ይኸውን’ምበር፡ ብሓሳብ ኣፈላለይ ስለዘይእምን፡ ማሕለኻ ዲሞክራሲ ክኸውን እዩ ክብል ኣሚቱ ነይሩ።

“ንባዕሉ ከም ኣውራ ሓይሊ እዩ ዝቖጽር። ምስ ዝኾነ ተቓውሞ ሓቢርካ ብምስራሕ ኮነ ብምክእኣል ዝበሃል ኣይኣመንን። ንኹሉ ነገር ኣነ ጥራሕ ፍታሕ ኣለኒ ኢሉ እዩ ዝኣምን” ይብል።

ህወሓት ኣብቲ ዝተጠቕሰ ሰነድ’ውን ከምዝሓበሮ፡ ሕዚ’ውን ኣብ ትግራይ፡ ኣውራ [ቫንጋርድ] ፓርቲ ኾይኑ ናይ ምቕጻል ዕላማ እዩ ዘለዎ።

ኣብ ዩንቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕጊ መኮነን ፍሰሃ፡ ንተቓወምቲ ናይ ጎስጓስ ሰዓት ምሃብ፡ ክትዕ ምክያድ፣ መረጻ ስርዓት ምኽላስ፡ ኣወንታዊ ለውጢ ገይሩ ዝተዓዘቦ ኾይኑ ጊዚያዊ ከይኸውን ግን ጥርጣረ ኣለዎ።

“ምኽንያቱ ዲሞክራስያዊ ስግግር፡ ካብ ልቢ ኣሚንካሉን ግቡእ ኣወዳድባ ገይርካሉን ዘይሻራዊ ትካላትን ሃኒጽካን ዝመጽእ’ምበር ብናይ ገዛኢ ውድብ ፍቓድ ዝረጋገጽ ኣይኮነን” ይብል።

ገለ ተወለድቲ ትግራይ፡ ህወሓት ንወናብር ባይቶ ከምዝበሓቶ ምስተገለጸ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ‘ኣመል ምስ መግነዝ’ ክብሉ ክኹንንዎ ተራእዮም እዮም።

ኣብርሃም ኣሰፋ [ኢንጂነር]፡ ብፍላይ ንመናእሰይን ንዲያስፖራ ተጋሩን ርእሶም ከድንኑ ምኽንያት ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

“ድሕሪ ሕዚ፡ እቲ ውድብ፡ ኣብ ዓለም ከም ሓደ ኮሚኒስታዊ ስርዓት እዩ ክቑጸር” ይብል።

ህወሓት፡ ካብ ማእኸል ሃገር ክባረር ምኽንያት ዝኾነ ህዝባዊ ተቓውሞ ኦሮሞ፡ እቲ ብህወሓት ዝተዓብለለ ግንባር፡ 99 ሚኢታዊ ኣብ መረጻ ስዒረ ኣብ ዝበለሉ ጽባሕ እንትኸውን፡ ኣብ ትግራይከ መወዳእትኡ እንታይ ይኸውን? ንቕድሚት ክረአ እዩ።