ስለምንታይ'ዩ ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ዝስጋእ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ውድብ ህወሓትን ዘጋጠመ ምስሕሓብ ይዓርግ እዩ ዘሎ።
እዚ ምስሕሓብ ናብ ናይ ሓይሊ ጎነጽ ከየምርሕን፡ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ብካልኣይ ደረጃ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ከይትፈርስን ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።
እቲ ምስሕሓብ ድማ፡ ኣብ’ዚ እዋን ብቐንዱ ኣብ ጉዳያት መረጻ እዩ ኣድሂቡ ዘሎ። ክልል ትግራይ፡ ክሳብ ሎሚ ተራእዩ ዘይፍለጥ፡ መንግስቲ ፌደራል ዘይተቐበሎን ዘይደለዮን ናይ ርእሳ መረጻ ክተካየድ መዓልቲ ቆሪጻ ኣላ።
ኣብ’ቲ መጻኢ ሮቡዕ ዝካየድ መረጻ ንምስታፍ ድማ፡ 2.7 ሚልዮን ህዝቢ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ምስ ኤርትራ ብዝገበሮ ስምምዕ ሰላምን፡ ንኢትዮጵያ ብመገዲ ዴሞክራሲ ንምምራሕ ብዘርኣዮ ድልውነትን ሽልማት ኖቤል ዝተውሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ናብ ዓብዪ ወጥሪ ኣትዩ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ውሩይ ናይ ኦሮሞ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስተቐተለ ኣብ ዝተልዓለ ናዕቢ’ውን፡ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ኣስታት 9,000 ሰባት ኣሲሩ እዩ። ብዙሓት’ውን ሞይቶም እዮም።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ 2018 ስልጣን ክሕዝ እንከሎ ይነቕፎ ናብ ዝነበረ ‘ምልካዊ ኣከያይዳ’ ይኣቱ ከይህሉ ስግኣቶም ይገልጽ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/Micheal Tewelde
መንቀሊ ናይ’ቲ ምስሕሓብ እንታይ እዩ?
ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ትግራይ ናይ ርእሳ መረጻ ክተካይድ ኣለዋ ዝብል መርገጺ ምስሓዘን፡ ጸኒሑ ድማ ባይቶ ክልል ትግራይ ውሳነኡ ምስኣወጀን ንብዙሓት ደንጽዩዎም እዩ።
ምኽንያቱ፡ ብደረጃ ሃገር ዝግበር መረጻ ከምዝተናውሐ መንግስቲ ፌደራልን ሃገራዊ ቦርድ መረጻን ኣዊጆም እዮም።
ህወሓት ካብ 1983 ኣትሒዙ፡ ነፍሲወከፎም ነናቶም ክልል ምስ ዘመሓድሩ ኣርባዕተ ኣባል ውድባት ኣብ ዝነበርዎ ልፍንቲ ኢህወዴግ ኮይኑ፡ ንኢትዮጵያ ከመሓድር ዝጸንሐ እዩ። እዚ ውድብ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ዘይምስምምዑ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዓብዪ ናይ ምሕደራ ሓጓፍ ዝፈጥር እዩ።
ህወሓትን ካልኦት ገለ ተቓወምትን፡ ዕምሪ ስልጣን ኣብዪ ኣሕመድን ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢን ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ መስከረም ከብቅዕ ኣለዎ እዮም ዝብሉ።
በዚ ምኽንያት ኸኣ፡ ምንዋሕ ናይቲ ኣብ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ንሕገመንግስቲ ዝጥሕስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድማ “ቅቡልነት ዘይብሉ መራሒ” ክኸውን ዝገብርን እዩ ኢሎም ይካትዑ።
ደገፍቲ ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ እቲ መረጻ ዝተናውሐ ኣብዪ ስልጣን ስለዝደለየ ዘይኮነስ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ እዮም ዝብሉ።
ባይቶ ናይታ ሃገር ዕድመ ስልጣኑ ስለዘናወሓሉ ድማ፡ ቅቡልነት ኣይስእንን ይብሉ።
ውሳነ ህወሓት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ?
ፌደራል መንግስቲ ዘይተቐበሎ ክልላዊ ባይቶን መንግስትን ብምቛም፡ ህወሓት ንትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምንጻል እዩ ባይታ ዘንጽፍ ዘሎ ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም’ውን ኣለዉ።
ህወሓት ግን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ድላዩ ካብ ኢትዮጵያ ምፍላይ ከምዘይኮነን፡ ጸገሙ ምስ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝሓልማ “ኣሃዳዊት ኢትዮጵያ” ከምዝኾነን ክገልጽ እዩ ጸኒሑ።
ኣብ ጉዳይ መሰል ርእሰ ውሳነ’ውን ‘ኣይዋገይን’ እዩ ዝብል ህወሓት።
ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መራሒ ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ‘ነቲ ብመስዋእቲ ዘምጻእናዮ መሰል ርእሰ ውሳነን ርእሰ ምሕደራን ክዕፍን ንዝፍትን ዝኾነ ሓይሊ ኣይንምብርከኽን’ ኢሉ ነይሩ።
ንሱ ነዚ ዝበለ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ከተማታቶም ወተሃደራዊ ምርኢት ድሕሪ ምክያዶም እዩ።
ኣብ’ቲ እዋን፡ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ትግራይ፡ ኣብ ፌስቡኩ “ንሰላምና ክብሃል ዝኽፈል ዋጋ ክንከፍል ወትሩ ድሉዋት ኢና” ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ ነይሩ።

ኣብዪ ኸ እንታይ ይብል?
ኣብዪ ዝመርሖ መንግስቲ ፌደራል፡ ነቲ ትግራይ ተካይዶ ዘላ መረጻ፡ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብሎ።
ይኹን'ምበር፡ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ሓይልታት ፌደራል ሰዲዱ ንትግራይ “ክወግእ” ከምዘይህቅን እዩ ተዛሪቡ።
እንተኾነ፡ ኣብ ስርዓት ደርጊ ጀነራል ዝነበረ ካሳየ ጨመዳ ሓዊሱ፡ ገለ ናይ ኣብዪ ደገፍቲ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ስጉምቲ ክወስድ ክጽውዑ እዮም ጸኒሖም።
እቲ ጀነራል ምስ’ቲ መንግስታዊ ውግንና ዘለዎ ቴሌቪዥን ዋልታ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት “መንግስቲ [ፌደራል] ኣዐርዩ ተዳልዩን ውጥን ኣውጺኡን ክውቅዑ ኣለዎም” ኢሉ ነይሩ።
ዓለማዊ ትካል ክራይስስ ግሩፕ’ውን፡ ገለ ሰብመዚ ፌዴራል ትግራይ “ክትቅጻዕ” ሓሳብ ኣቕሪቦም ምንባሮም ጽሒፉ እዩ። ንኣብነት፡ ምኽልካል ገንዘባዊ ሓገዝ።
ገለ ተንተንቲ’ውን፤ ትማሊ ቀዳም ባይቶ ፌዴሬሽን ህጹጽ ኣኼባ ምስጸወዐ፡ መንግስቲ ፌደራል ናብ ክልል ትግራይ ሓይሊ ክልእኽ፡ በጀት ደው ከብልን ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ እታ ክልል እገዳ ከንብርን ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ሂቦም እዮም።
እንተኾነ፡ ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ቲ ተወከልቲ ትግራይ ዘይተረኸብሉ ህጹጽ ኣኼብኡ፡ ነቲ ድሕሪ መዓልታት ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ መረጻ ትግራይ፡ እንተተኻየደ’ውን “ከምዘይተገበረ ዝቑጸር፣ ዘይጸንዕን ተፈጻምነት ዘይብሉን እዩ” ክብል ወሲኑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ቅድሚ እቲ ኣኼባ፡ ‘መንግስቲ ፌደራል እንተደኣ መረጻና ከተዓናቕፍ ፈቲኑ፡ ከም ምእዋጅ ኩናት ኢና ንቖጽሮ’ ዝብል መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ርክባቶም ንምንታይ እዩ ክሳብ ክንድ’ዚ ሓርፊፉ?
ድሕሪ ውድቀት ማርክሲስታዊ ስርዓት ደርግ፡ ህወሓት ኣብ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተኸለ መንግስቲ ዝነበሮ ጽልዋ ዕዙዝ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ወሳኒ ተራ እዩ ነይርዎ።
ድሕሪ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ ህወሓት ኣብ ማእከላይ መንግስቲ ዝነበሮ ተራ ክሃስስ ተራእዩ።
እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግዕዝይናን ፈጺሞም ንዝበሎም ሰባት ክኣስር ምስጀመረ፡ ህወሓት እቲ ማእሰርቲ ‘ፖለቲካዊ ዒላማ ዘለዎን’ ብፍሉይ ኣብ ተወለድቲ ትግራይ ዘነጻጸረን ምዃኑ ነጺሩ።
ልፍንቲ ኢህወዴግ ፈሪሱ፡ ፓርቲ ብልጽግና ምስመጸን፡ ህወሓት ድማ ናብ’ቲ ሓድሽ ሰልፊ ከይተጸምበረ ምስተረፈ ከኣ፡ እቲ ሓጓፍ ኣዝዩ ክሰፍሕ ክኢሉ።
ኣብ ማእከላይ መንግስቲ መዝነት ዝነበሮም ኣባላት ህወሓት፡ ካብ መዝነቶም ክእለዩ ተገይሮም። ገሊኦም ድማ መዝነቶም ብፍቓዶም ጊዲፎም። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ህወሓት ምስ ማእከላይ መንግስቲ ተበታቲኹ፤ ምሉእ ዓቕሙ ናብ ትግራይ ብምስሓብ ካብ መቐለ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብትሪ ክነቅፍን ክብድህን ይረኣ ኣላ።
ምምሕዳር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጥሙ ጸገማት ‘ኢድ ህወሓት ኣለዎ’ ክብል ይስማዕ።
ሰብ መዚ ህወሓት ብወገኖም ‘ባዕሉ ንዝፈጥሮ ጸገማት፡ ንህወሓት መመኽነይታ ይገብር ኣሎ’ እናበሉ ይነቕፍዎ።
ሕቶ ‘ምምስራት ሃገረ ትግራይ’
ህወሓት፤ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ ነቲ ሕዚ ዘሎ ሕገመንግስቲ ኣብ ምርቃቕን ምጽዳቕን ዓብዪ እጃም እዩ ነይርዎ።
እዚ ሕገመንግስቲ ድማ፡ ንብሄራት ክሳብ ተነጺልካ ሃገር ምዃን መሰል-ዓርሰ ምሕደራ ዝህብ እዩ።
ህወሓት ዛጊድ፡ ናይ ምግንጻል ድላይ ኣለኒ ኢሉ ኣይፈልጥን። እቲ ሕገመንግስታዊ መሰል ግን፡ ‘ከይተሸራረፈ ክሕሎ ኣለዎ’ ክብል ጸኒሑ እዩ።
ኣብ እዋን መረጻ ኣብ ዝነበረ ክትዓት ድማ፡ 'ምግንጻል’ውን ድላይ ህዝቢ እንተኾይኑ ኩሉ ክፉት እዩ’ ዝብል ቅዋም ኣንጸባሪቑ እዩ።
ኣብ ትግራይ ዝተመስረተ ሓድሽ ተቓዋሚ ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት)፤ ልዕሊ ኹሉ ሕቶ ምስረታ ሃገረ ትግራይ የሰጉም ኣሎ። ኣብ ክልላዊ መረጻ ትግራይ ይሳተፍ ኣሎ። እቲ ውድብ ንኢትዮጵያ ‘ግዝኣተ ሃጸይ’ እናበለ ዝገልጻ ኮይኑ፡ ቀንዲ ውራዩ ንትግራይ ሃገር ምግባር ምዃኑ ኣዊጁ’ሎ።
ገለ ምሁራ ትግራይ’ውን ሕቶ ምግንጻል ኣልዒሎም ክዛረብሉን ከም ኣማራጺ ክዝትዩሉን ጀሚሮም ኣለዉ። ሕቶ ምስረታ ሃገረ ትግራይ ካብ 1983 ንደሓር፡ ቀንዲ ውራይ ፖለቲከኛታት ትግራይ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
ኣብ’ቲ መረጻ ዝናሓናሕ ዘለዉ ካልኦት ክልተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ባይቶናን’ውን ዝያዳ ናጽነት ዝጠልቡ እዮም። ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነታን ካልእ ብሄራዊ ረብሓታታትን ክትሕሉ ዝያዳ ናጽነት ክትረክብ ከምዘለዋ ይገልጹ።
ሕዚ ዘሎ ባይቶ ትግራይ፡ ምሉእ ንምሉእ ብህወሓት ዝተትሓዘ እዩ። እቶም ሓደሽቲ ብሄራውያን ውድባት ወንበር ረኺቦም ዛዕባ ናጽነት ትግራይ ኣብ ባይቶ ከሰጉምዎ ይኸውን’ዶ ብዝብል፡ ነቲ መረጻ ተዓዘብቲ ብልዑል ቆላሕታ እዮም ዝርእይዎ ዘለዉ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኩልሻብ “ኢትዮጵያ ኣይትፈርስን” ክብል እዩ ዝስማዕ። እንተኾነ፤ ኣብታ ሃገር ምስ ብሄር፣ ሃይማኖትን ፖለቲካን ዝተኣሳሰሩ ቅልውላዋት፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ሰባት ክመዛበሉ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ሽምግልና ኸ?
ብ 16 ነሓሰ፡ ኣስታት 50 ዝኾኑ መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለታትን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ከይዶም ንመንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ትግራይን ከሸማግሉ ፈቲኖም እዮም።
ፍረ ናይ’ዚ ፈተነኦም ግን ዛጊድ ኣይተርኣየን።
ክራይስስ ግሩፕ ግን፡ ዝያዳ እዚ፡ ጻዕሪ ሽምግልና ክግበር ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ። ምስ ህወሓትን ኣብዪን ቅርርብ ዘለዎም መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ምሽምጋል እጃሞም ክጻወቱ’ውን ይጽውዕ።
ካልኦት ተንተንቲ ድማ፡ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሰምር እንተኾይኑ፡ ፈለማ ምስሕሓብ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ትግራይን ክሃድእ ከምዘለዎ እዮም ዝገልጹ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







