ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ መረጻ ትግራይ ብዝምልከት እንታይ ውሳነ ኣሕሊፉ?

ምንጪ ስእሊ, HOUSE OF FEDERATION
ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ቲ ተወከልቲ ትግራይ ዘይተረኸብሉ ህጹጽ ኣኼብኡ፡ ነቲ ድሕሪ መዓልታት ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ መረጻ ትግራይ፡ እንተተኻየደ’ውን “ከምዘይተገበረ ዝቑጸር፣ ዘይጸንዕን ተፈጻምነት ዘይብሉን እዩ” ክብል ወሲኑ።
እቲ ባይቶ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝገበሮ ኣኼብኡ ነዚ ዝወሰነ፡ ኣብ ሕገመንግስታዊ ትርጓመን ጉዳያት መንነትን ኣድሂቡ ካብ ዝሰርሕ ቀዋሚ ኮሚቴ ናይ’ቲ ባይቶ ኣብ ዘቕረቦ ሓሳብ ተደሪኹ እዩ።
ክልል ትግራይ መረጻ ብዝምልከት ዘሕለፈቶ ውሳነ ኮነ እቶም መረጻ ንምክያድ ዝተፈጸሙ ተግባራት፡ ምስ ላዕለዋይ ሃገራዊ ሕጊ ዝጻረር ብምዃኑ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ እዩ እቲ ባይቶ ወሲኑ።
ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ ህጹጽ ኣኼባ ምስ ጸወዐ “እንታይ ውሳነ ከሕልፍ ይኽእል? እቲ ዘሕልፎ ውሳነኸ እንታይ ሳዕቤን ከምጽእ እዩ?” ብዝብል ወጥሪ ዓሲሉ ነይሩ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዘሎ ፍሕፍሕ እናዓበየ ብምምጽኡ፡ ክልቲኦም ናብ ናይ ሓይሊ ጎንጺ ከይኣትዉ ካብ ዝስጋእ ውዒሉ ሓዲሩ እዩ።
ብፍላይ ድማ፡ ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዝኾኑ ወከልቲ ትግራይ፡ “ናይ’ቲ ህጹጽ ኣኼባ ኣጀንዳ ቀዲሙ ኣይተነገረናን” ብምባል ኣብ’ቲ ኣኼባ ከምዘይሳተፉ ብምግላጾምን፡ መንግስቲ ትግራይ ድማ እቲ ባይቶ ከሕልፎ ዝኽእል ውሳነ ቀዲሙ ብምእማት ‘መንግስቲ ፌደራል እንተደኣ መረጻና ከተዓናቕፍ ፈቲኑ፡ ከም ምእዋጅ ኩናት ኢና ንቖጽሮ’ ዝብል መግለጺ ሂቡ ስለዝነበረ፡ ዜጋተት ንኣኼባ እቲ ባይቶ ኣብ ስግኣት ኮይኖም እዮም ተኸታቲሎምዎ።
ገለ ተንተንቲ ድማ፡ መንግስቲ ፌደራል ናብ ክልል ትግራይ ሓይሊ ክልእኽ፡ በጀት ደው ከብልን ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ እታ ክልል እገዳ ከንብርን ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ክህቡ ጸኒሖም እዮም።
ከምኡ ዓይነት ውሳነ ምስዝውሰን ድማ፡ ኣብ’ታ ሃገር ክመጽእ ዝኽእል ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ስግኣታት ነይሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ባይቶ “ጸገማት ብሰላማውን ሕጋውን መገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ክቕጽል ከምዘለዎ ከምዝተሰማመዐ” እዩ ገሊጹ።
ነዚ ውሳነ ዝወሰነ ድማ “ዘይሕጋውያን ኣካላት ብሰንኪ ዝፍጽምዎ ተግባር፡ ህዝቢ ክህሰ የብሉን ኢሉ ስለዝኣምን ብምዃኑ” እዩ ገሊጹ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ‘ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መረጻ ከካይድ ኣይክእልን’ ኢሉ ምስወሰነ፡ ክልል ትግራይ ግን ናይ ርእሳ ክልላዊ መረጻ ክተካይድ ወሲና እያ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፍለጥ፡ ናይ ርእሳ ኮሚሽን መረጻ ብምቛም ንፈለማ እዋን ማእከላይ መንግስቲ ዘይተሰማመዐሉን ዘይደለዮን መረጻ ክተካይድ፡ ድሮ ምሽብሻባ ወዲኣ፡ 2.7 ሚልዮን መረጽቲ መዝጊባ ኣላ።
እቲ መረጻ ድማ፡ መጻኢ ረቡዕ ጻጉሜን 04 እዩ ክካየድ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







