መረጻ፡ ኣብ ትግራይ 6 ናይ ውልቂ ተወዳደርቲ ካብቲ መረጻ ዓርሶም ኣግሊሎም

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ክልላዊ መረጻ ንምውድዳር ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ 11 ውልቀ ተወዳደርቲ፡ እቶም ሽዱሽተ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዓርሶም ካብቲ መረጻ ከም ዘግለሉ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ ገሊጹ።
ካብዚኦም እቲ ሓደ ዝኾነ ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ፡ ካብቲ ክልላዊ መረጻ ዓርሱ ከም ዘግለለ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ጎስጓስ መረጻ ንምክያድ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ግዜ ከም ዝረኽቡን ናይ ሕትመት ወጻኢታቶም ብኮሚሽን መረጸዓ ከም ዝሽፈንን ኣሚኑ ናብቲ ውድድር ከም ዝኣተወ ዝዛረብ ኣቶ ኣታኽልቲ፡ ንዘቕረብኩዎ ሕቶ ቅኑዕ መልሲ ኣይረኸብኩን ብዝብል ካብቲ መረጻ ነብሱ ከም ዘግለለ ተዛሪቡ።
"ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሰብ ክእከብ ከም ዘይኽእልን ገዛ ንገዛ እናተዛወርካ ምጉስጓስን ኣይክኣልን። ስለዚ ብራድዮን ቴሌቪዥንን ጎስጓስ ክገብር እንተዘይክኢለ፣ ወጻኢየይ ተሸፊኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓሳበይ ዝገልጸሉ መወዓውዒ እንተዘይጠቂዐ ብወገነይ ዝሓዝኩዎ መደብ ከመይ ኣቢለ ከፍልጥ ይኽእል" ብማለት ዘለዎ ቅርታ ይገልጽ።
እቲ ኮሚሽን መረጻ ሓገዝ ክገብረሉ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ዝገልጽ ኣቶ ኣታኽልቲ፡ "መደባተይ ንሰብ ከፍልጥ እንተዘይክኢለ ኣብ ምርጫ ምስታፈይ ትርጉም የብሉን" ኢሉ።
ኣብቲ ክልል 11 ናይ ውልቂ ተወዳደርቲ ተመዝጊቦም ከም ዝነበሩን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ በጀትን ሰዓት ኣየር ሚዲያታትን ብዝተሓሓዝ ሕቶን ቅርታን ከቕርቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።
እቶም ካብቲ ክልላዊ መረጻ ዓርሶም ዘግለሉ ውልቀ ተወዳደርቲ፡ ፍርቆም ኣብቲ መረጻ ንምውድዳር ፊርማ ሓደ ሽሕ ሰባት ከተኣኻኽቡ ብዘይምኽኣሎም ኮይኑ፡ ገሊኦም ድማ በጀት ስለ ዘይተውሃቦምን ኣብ ሚዲያታት ናይ ኣየር ሰዓት ብዘይምርካቦምን ከም ዝኾነ ይግለጽ።
ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብርክት ዝበለ መራጺ ንምዝግብ ኣለና ኢሉ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ፡ ኣብዚ መረጻ ንምስታፍ 2.6 ሚሊዮን ህዝቢ ካርዲ መረጽቲ ክወስድ'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበር 'ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ መጻኢ ሓሙስ ኣብ ዘሎ ግዜ ግን ክሳብ 3 ሚሊዮን መረጽቲ ክንምዝግብ ኢና ኢሉ።
ኣብቲ መረጻ 5 ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝሳተፋ ኮይነን፡ ብዝሓለፈ ሰንበት ናይ መጀመርታ መድረኽ ክትዕ ኣካይደን'የን። ኣብ ቐጻሊ ኣርባዕተ መድረኻት ከም ዝህልው እቲ ሓላፊ ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







