መረጻ ትግራይ፡ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዘቕንዕ'ዶ ንሓደጋ ዘሳጥሕ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጳጉሜን 4 ክካይድ መደብ ኣብ ዝተትሓዘሉ መረጻ ክልል ትግራይ ዝሳተፉ መረጽቲ፡ ካብ ዓርቢ ጀሚሮም ክምዝገቡ ጀሚሮም ኣለዉ።
ተወዳደርቲ ውድባት ፖሊቲካ’ውን፡ ኣብ ሚድያ ጎስጓስ እናገበሩ ይርከቡ። ትማሊ ሰንበት ድማ፡ ብመደብር ቴሌቪዝን ትግራይ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ፈላማይ ክትዕ ኣካይዶም።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን እቲ ክልልን ዘሎ ወጥሪ ግን እናዘሓለ ዝመጽአ ደኣ ይምሰል ‘ምበር እቲ ጸገም ንምእላይ ዝተገበረ ጻዕሪ የለን።
መንግስቲ ፌዴራል፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ሃገራዊ መረጻ ክናዋሕ ዝወሰነ ኾይኑ፡ ገለ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ውድባትን ህወሓት ዝመርሖ ክልል ትግራይን እቲ ውሳነ ኣይተውሓጠሎምን።
ነቲ ውሳነ ዝተቓወሙ ገለ ተቓወምቲ ፡ ከም በዓል ኣይተ ጃዋር መሓመድ፣ ኣይተ በቀለ ገርባን፣ ኣይተ ልደቱ ኣያሌውን ኣብ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይርከቡ።
ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ በቲ ዝሓዞ ተሪር ቅዋም ምኽንያት፡ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘለዎ ርክብ እናሓርፈፈ ዝመጽአ እንተኾነ’ኳ፡ መረጻ ካብ ምክያድ ንድሕሪት ከምዘይብል እዩ ዝገልጽ።
ንዕኡ፡ መረጻ ምክያድ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል ፍቓድ ዝሕተቶ ዘይኮነስ ናይ ህዝቢ መሰል ዓርሰ ውሳነ መግለጺ እዩ።
ብዚ ዝተልዓለ፡ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሐትት፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ሃቐነ ከምዘየለ ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ጽባሕ እዚ ዘረባ'ውን፡ ብሚድያታት ፌዴራል ኣንጻር ህወሓት ዘቕነዐ ትሕዝቶታት ምሕላፍ ቀጺሉ እዩ። ካብ ወገን ህወሓት'ውን ኣንጻር ምምሕዳር ኣብዪ ኣሕመድ ተሪር ተቓውሞን ነቐፌታታትን ምቅራብ ቀፊሉ'ሎ።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ድማ፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ምጽሓፉ ዝዝከር እዩ።
እቲ ክልል መረጻ ንምክያድ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ጠጠው ከብል፡ እንተዘይኮይኑ ስጉምቲ ክወስድ ክእዘዝ እየ እዩ ኢሉ ነይሩ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ ነቲ ደብዳበ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ደብዳበ ዘይሕጋዊ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ መጠንቀቕታ ንምጽሓፍ ዘብቅዕ ስልጣን’ኳ ከምዘይብሉ እዩ ገሊጹ።
ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓንቀጽ 62.9 ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ነቲ ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ ክልል እቲ ፌዴሬሽን ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ፌዴራል ክሓትት ይኽእል እዩ ይብል።
ንምዃኑ፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንሓደጋ ተቓሊዑ ዝበሃል መዓስ እዩ?
ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዳኛ ንዝነበረ፡ ምሁር ሕጊ ኣይተ በሪሁ ተወልደብርሃን፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንሓደጋ ተሳጢሑ ዝበሃል ‘ካብቲ ስሩዕ ስርዓት ወጻኢ፡ ዘይስሩዕ ኣካል ገዛኢ ክኾነሉ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ንሓደጋ ተቓሊዑ ዝብል ትርጉም እዩ ዘስማምዕ” ይብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፌዴራሊዝም ሰብኣዊ መሰላትን፡ ዶክተር ሲሳይ መንግሥቴ ብወገኑ፡ እቲ ስሩዕ ሕጊ ኣኽባሪ፡ ሕጊ ንምኽባር ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ እንተበጺሑን ልኡላዊነት ሃገር ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑን፡ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ክበሃል ይከኣል ይብል።

ኣብ ኔዘርላንድስ ኣመኻሪ ምሕደራን ዲሞክራሲን፡ ዶ/ር ኣደም ካሴ፡ ናይቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት ቀንዲ ትሕዝቶ ዘዛብዕ ኩነታት እንተተፈጢሩ’ውን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ክብሃል ከምዝኽእል፤ እንተኾነ ግን ኩሉ ዓይነት ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ ምባል ከምዘይከኣል ይዛረብ።
ኣይተ በሪሁ እቲ ሕገ መንግስቲ ንሓደጋ ተቓሊዑ ዝበሃል፡ ብፍላይ ገለ ክፋላት እቲ ሕገ መንግስቲ ሓደጋ እንተበጺሕዎም ከምዝኾነ ይዛረብ።
ንኣብነት፡ ሓገግቲ፣ ፈጻመትን ትካላት ዳኝነትን፡ ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ስራሕ ወጻኢ እንተኾይኖም እዩ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንሓደጋ ተሳጢሑ ዝበሃል ኢሉ።
ሓንቲ ክልል መረጻ ኣብ እዋኑ ምክያዳ ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ የውድቕዶ?
ኣይተ በሪሁ ነዚ ሕቶ ዝህቦ መልሲ፡ ‘ኣይፋል’ ዝብል እዩ።
ኣይተ በሪሁ፡ ነዚ ምኽንያቱ ቅድሚ ምዝርዛሩ ግን፡ “መረጻ ምክያድ ሓዊሱ ዝኾነ መሰላት ዲሞክረሲ ሰብኣዊ መሰላትን ብኣዋጅ ኮነ፣ ብስምምዕ፣ ብቃልኪዳን ኮነ ብውሳነ ዝኽልከልን ዝፍቀድን ኣይኮነን።
"መረጻ ምክያድ ናይ መንግስቲ ግቡእ፡ ንዜጋታት ድማ መሰል እዩ” ኢሉ።
ኣብ ዝኾነ ዲምክራስያዊ ሰርዓት፡ ስልጣን ዝምንጩ ካብ መረጻ በምዃኑ፡ “መረጻ ከካይድ እየ ምባል ሕገ መንግስቲ ምኽባር 'ምበር ምጥሓስ ክኸውን ኣይኽእልን። ስለዚ እቲ ምንቅስቓስ ነቲ ሕገ -መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ክኽበር፣ ክሕሎን ሱር ክሰድድን ምበር ንሓደጋ ክቃላዕ ዝገብር ኣይኮነን” ይብል ኣይተ በሪሁ።
“ከም ናተይ እምነት መረጻ ምክያድ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ምኽባር ሓሊፉ፥ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንሓደጋ ዘሳጥሕ ኣይኮነን" ይብል።
ብምዃኑ’ውን፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እቲ ስጉምቲ ሕገ-መንግስቲ ዝጥሕስ እዩ ምባሉ እዩ ጌጋ በሃለይ እዩ።
ነዚ ምኽንያቱ ድማ፡ ካብ ዓንቀጽ ሓደ እቲ ሕገ መንግስቲ ዝብገስ ኮይኑ፡ ናይቲ ቤት ምኽሪ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ፡ ናይታ ሃገር መንግስታዊ ኣዋቓቕራ፡ ፌዴራላዊ ስርዓት ምዃኑ ዝዝንገዐ ይመስል ይብል።
ኣብ ሓደ ሓቀኛ ፌዴራላዊ ስርዓት፡ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ክልላት ስልጣን ኣዋጺአንን ቆንጢርንን ብስምምዕ ዘቖመኦ ናይ ሓባር መንግስቲ እዩ።
ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዓንቀጽ 8.3፡ ልኡላውነት እቶም ህዝብታት ዝግለጽ ብመረጻ ከምዝኾነ እዩ ዘረድእ።
“ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዓንቀጽ 13፡ ኣብ ዝኾነ ብርኪ ዝርከቡ፡ ፌዴራል ኮነ ክልላት፡ ሕጊ መውጻእቲ፣ ሕጊ ፈጸምትን ተርጎምትን፣ ናይቲ ሕገ መንግስቲ ድንጋታት ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎም ይብል። መንግስቲ ክልል ትግራይ እዚኣ እዩ ዝገብር ዘሎ” ኢሉ።
ዶ/ር ኣደም ግን ብሞራላዊን ሕጋዊን መልክዕ እዩ ዝሪኦ። መረጻ ምክያድ ናይ ፌዴራል ስልጣን ምዃኑ የረድእ።
“ብሞራላዊ ጉዳይ እንተሪእኻዮ፥ መንግስቲ ክልል ትግራይ መረጻ ዘካይድ ዘሎ ‘ግቡእና ክንዋጻእ ኣለና' ብዝብል እዩ። እንተኾነ እዚ ውሳነ፡ ኣብ መንጎ ፌዴራልን ክልልን ዘሎ ደረት ስልጣን ይጥሕስዶ ኣይጥሕስን ተባሂሉ ክረአ ኣለዎ” ይብል።
ሕገ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኢሉ ዝውስን መን እዩ?
ዶ/ር ኣደም፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ናይ ብሄር ብሄረሰባት ነጸበራቕ ተገይሩ ከምዝውሰድ ይገልጽ።
እቲ ቤት ምኽሪ ግን፡ ሓደ ክልል ነቲ ሕገ መንግስቲ ጥሒሱ እዩ ኢሉ ወሲኑ፡ ፌዴራል መንግስቲ ኢዱ ከእቱን ስጉምቲ ክወስድን ክእዝዘከ ፍትሓዊ ድዩ ብዝብል ሕቶ ኣቕሪብናሉ።
“እቲ ሕዚ ኣብ ተግባር ዘሎ ሕጊ መንግስቲ የዋጸአና ድዩ ኣየዋጸአናን ካልእ ክትዕ ዘልዕል እዩ። እቲ ሕዚ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ተቐቢልና ክሳብ ዝኸድና ግን፡ ነዚኣ ነጺልና ኣይንቕበልን ክንብል ኣይንኽእልን” ኢሉ።
“ርግጽ እዩ። ነቲ ሕገ መንግስቲ ዝትርጉም’ውን ዝእዝዝ’ውን ባዕሉ እዩ። ይግባይ ክበሃል ኣይከኣልን። ‘ኣቡኡ ዳኛ፡ ወዱ ሌባ’ ከም ዝበሃል ማለት እዩ። እዚ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ስርዓት ኣወቓቕራ ጸገም እዩ። እዚ ክቕየር ኣለዎ። ክሳብ ዘይተቐየረ ግን፡ ብኡ ኢና ንኸይድ” ኢሉ።
ዶ/ር አደም ከምዝብሎ፤ ኣብታ ሃገር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘይማዕበለ ኮይኑ’ምበር፡ ዛጊድ ኣብ መንጎ ፌዴራልን ክልልን ብርክት ዝበሉ ጎንጽታት ከጓንፉ ነይሩዎም'ዩ ዝብል።
እዚ ዘይምርድዳእ ድማ፡ ናብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ’ውን ኣይመምረሐን እዩ ዝብል።
ናይ ሕጊ ምሁር ኣይተ በሪሁ ተወልደ ብርሃን ግን፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ነቲ ደብዳበ ንምጽሓፍ’ውን ስልጣን የብሉን እዩ ዝብል።
ከምኡ ድማ፡ ኣዋጅ ቁጽሪ 359/1995 ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ፌዴራል ናብ ክልላት ጣልቃ ክኣቱ ዝኽእል ብኽልተ ምኽንያታት ጥራሕ ከምዝኾነ ይዛረብ።
እቲ ሓደ፡ ብናይ ሓደ ክልል ናይ ዓርሱ ጠለብ እንትኸውን፡ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ናይ ጸጥታ ጸገም እንተጋጥሞ ይኸውን።
እቲ ካልኣይ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ዝኾነ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እንትፍጸም ኮይኑ፡ ክልቲኦም ቤት ምኽሪ ብናይ ሓባር ውሳነ ጣልቃ ክእቶ ዝኽእለሉ ኩነታት እንተወሲኑ ጥራይ እዩ።
ሕዚ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ናብ ትግራይ ክልል ደብዳበ ዝጸሐፈ ግና፡ እዚ ኩሉ ኣብ ዘየለሉ ኩነታት ብምዃኑ፡ ዘይሕጋዊ እዩ ይብል ምሁር ሕግን ላዕለዋይ ዳኛ ዝነበረን ኣይተ በሪሁ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







