ኣብ ጉዳይ ባጀት፡ ተቓወምቲ ውድባት ምስ መንግስቲ ትግራይ ኣይተሳነዩን

ድምጻ እትህብ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

6ይ ክልላዊ መረጻ ትግራይ 4 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ከም ዝካየድ ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ነቲ መረጻ ከሳልጥ ዝተሓተተ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ 'ኣይፋሉን' ስለ ዝበለ፡ ብመሰረት ውሳነ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ወሰንቲ ዝኾኑ ጉዳያት ተሰሪሖም ኣለው።

ካብዚኦም ምስ ገለ ኣመራርሓ ተነሓናሕቲ ሰልፊታት እቲ ክልል ዝተገብረተ ዘተ፣ ምጽዳቕ ሓደሽ ሕጊ መረጻን ደንቢ ስነ ምግባርን ከምኡ'ውን ምጥያሽ ኮሚሽን መረጻ ይርከቡዎም።

እቲ ኮሚሽን ድማ፡ ውድባት ፖለቲካን ውልቀ ተወዳደርትን መዝጊቡ፣ መወዳደሪ ምልክታት እቶም ውድባት ዕላዊ ገይሩን ፖሊሲታቶምን ሓሳባቶምን ንህዝቢ ዘፋልጥሉ ናይ ኣየር ሰዓት መደብ ኣውጺኡ ናብ ስራሕ ኣትዩ ኣሎ።

ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ እቲ ኮሚሽን ነዚ ኣዘራራቢ መረጻ ዘይሻራዊ ኮይኑ ክመርሖ ተስፋ ኣለዎም።

ይኹን'ምበር ብገንኡ ዝለዓሉ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ባጀት ኣብ ምምዳብን ጸገም ከም ዘሎ ይዛረቡ።

ባጀት መረጻ ብኸመይ እዩ ክምደብ?

ቅድም ክብል ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ እቲ መረጻ ብባጀት እቲ ክልል ከም ዝካየድ ገሊጹ ነይሩ።

"መንግስቲ ፌደራል ሓላፍነቱ እንድሕር ዘይተዋጺኡ፡ ዲሞክራሲ ሰኣን ገንዘብ ክትገድፎ እትኽእል ነገር ኣይኮነን። ዲሞክራሲ ኣብዚ ዓዲ ልዕሊ ኹሉ ናይ ህልውና መሰረት ተባሂሉ ተቐሚጡ እዩ" ምባሉ ይዝከር።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ካብ ዓለም ለኸ ትካላት ሓገዝ እንተረኺቡ ከም ዝቕበል እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ክልል ነቲ መረጻ ንምክያድ ዘድልዩ ወጻኢታት ባዕሉ ካብ ናይ ልምዓት ባጀት ሰሊዑ ክሽፍኖ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዛጊድ ካብ ደገ ዝኾነ ሓገዝ ከም ዘይተረኸበ ቢቢሲ ሓበሬታ ዘለዎ ኾይኑ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ ብዕሊ ኣይመደበን።

ይኹን'ምበር ትሕቲ ሓደ ወርሒ ዝተረፎ መረጻ ትግራይ፡ ንምስታፍ ዝተመዝገቡ ተቓወምቲ ውድባት፡ መንቀሳቐሲ ገንዘብ ስኢኖም ካብ ስራሕ በዂሮም ከም ዘለዉ ይዛረቡ።

ሓለፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ርክብ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣካቢ ኮሚቴ መረጻን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃይሉ ከበደ መንግስቲ ንውድባት ፖሊቲካ ዝምድቦ ገንዘብ ቀልጢፉ ክሰልዕ ይሓትት።

"ብዛዕባ በጀት ክሳብ ሐዚ ዝተባህለ የለን። ይኹን እምበር እቲ ኮሚሽን 'ዝርዝር ዘድልየኩም መጠንን ንምንታይ ከም እተውዕልዎን ብፅሑፍ ኣቕርቡ' ኢሉና። ንሕና ድማ እቲ ኮሚሽን ዘቕረቦ ሓሳብ ቅቡል ከም ዘይኮነን በቲ ኣዋጅ መሰረት መንግስቲ በጀት መዲቡ መምርሒ ድማ በቲ ኮሚሽን ወፂኡ ክከፋፈል ከም ዝግበኦን ብምግላጽ ድሓር እቲ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ምውዓሉ ብኦዲት ከም ዝከታተል ሓቢርናሎም" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ "ንሳቶም [ኮሚሽን] ክሳእ ሐዚ መንግስቲ በጀት ሰ ለዘይመደበ ንመልዓሊን ንመንግስቲ ንምክርኻርን ሃቡና ኢሎም፣ ብኣፈላላይ ወፂእና።" ኢሉ።

ኣቦ መንበር ውድብ ባይቶና ትግራይ፡ ብወገኑ፡ "ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዓመት ዝስራሕ ስራሕ ኣብ ሓንቲ ወርሒ ሰሪሕኹም ወድኡ ኢና ንበሃል ዘለና። እዙይ ንምዕዋት ፍሉይ ባጀትን ናይ ሚድያ ሽፋንን የድልየና" ኢሉ።

ኮሚሽነር ኮምሽን መረፃ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ግን "ፖለቲካዊ ውድባት ንወፍሪ ምረፁና ዘድልዮም መጠን ገንዘብ ሕተቱ ኢልናዮም ንኸምፅኡ ንፅበዮም ኣለና" እዩ ዝብል።

"በጀት የብልናን ኣይበልናን፤ ሕፅረት ኣለና እውን ኣይበልናን። እትደልይዎ ዝርዝር ወፃኢታት ብገንዘብን ዓይነትን ኣቕርቡ ኢልናዮም ኢና። ክውሕድ ወይ ድማ ክበዝሕ ይኽእል እዩ። ደሓር ኦዲት ስለ ዝግበር ገንዘብ ግምት ኣይንህብን። ኮይኑ ግና ብዘይካ ህወሓት ዛጊድ ዝሓተተ ውድብ የለን" ኢሉ።

እዋን ጎስጓስ

ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ሓደ መረጻ ንኽካየድ ብውሕዱ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ እዋን ምስንዳእን ጎስጓስን ዘድልዮ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ መረጻ ግን ዝተረፎ እዋን ካብ ሓደ ወርሒ ዝበልጽ ኣይኮነን።

ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሎም፡ "መንግስቲ ትግራይ 'መረጻ ከካይድ እየ' ካብ ምባል ወጻኢ ኣብ መሬት ዝኾነ ተግባራዊ ምንቅሰቓስ የለን" ዝብል ቅርታ ኣቕሪቦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ይኹን'ምበር ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደሽቲ ሕግታት ጸዲቖም ትካላት መረጻ ድማ ቆይሞም ኣለዉ።

ሕዚ ዝተረፈ ግዜ ግን ካብ ሓደ ወርሒ ዘይዛይድ ምስቲ ምዃኑ፡ 'ምበር'ከ እዚ መረጻ ክካየድ ድዩ?' ዝብል ሕቶ እናፈጠረ መጺኡ ኣሎ። ብዙሓት ድማ፡ ጥርጣረታቶም ክንጸባርቑ ጸኒሖም።

"እቲ ዘለና ግዜ ዋላ'ኳ ሓጺር እንተኾነ፡ ድሕሪ ወርሒ መስከረም 'ሓድሽ መንግስቲ ክምስረት ኣለዎ' ኢልና ስለ እንኣምን፡ ነቲ ኣካያይዳ ንምቕባል ተገዲድና ኢና" ኢሉ ሃይሉ ከበደ።

እቲ መረጻ በቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት ክካየድ ኣለዎ እንተተባሂሉ፡ ንድሕሪ መጻኢ መስከረም፡ ክድፋእ ዝኽእል ኣይኮነን።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ በቲ ዝተመደበሎም ሰዓት እቶም ፖለቲካዊ ውድባት ጎስጓስ መረጻ ኣብ ሚድያ ጀሚሮም ኣለዉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብዝሓ ውድባት ተቓውሞ፡ ኣብቲ ናይ ኣየር ሰዓት ድልድል ብዙሕ ቅረታ የብሎምን።

ኣብ ባይታ

ኣብ ሓፈሻዊ ከይዲ እቲ መረጻ፣ ኣብቲ ምርቃቕ ሕጊ መረጻ፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ነቲ ሕገ መንግስቲ እቲ ክልል ንምሕያሽ ምኽንያት ዝኾነ፡ 'ተመጣጣኒ ስርዓት መረጻ'፤ ኣብ ኣመራርጻ ኣመራርሓ ኮሚሽን መረጻን ዘተ እንተተኻየደ'ኳ ኣብዝሓ እቶም ተነሓናሕቲ ውድባት ከም ዘይተስማምዕሉ እዩ ዝዝረብ።

"ኣብቲ ናይ ፖለቲካ ውድባት ምይይጥ፡ ህወሓት ዋላ እንተተስዓረ፡ ናይ ቤት ምኽሪ ወንበሩ ተጠቒሙ ድላዩ ሕግታት እዩ ኣውጺኡ ምባል ይከኣል" ይብል ሃይሉ ከበደ።

እንተኾነ፡ እቶም 4 ተቓወምቲ ውድባት፡ ዓሲምባ፣ ሳልሳይ ወያነ፣ ባይቶናን ውናትን ኣፈላላዮም እናገለጹ ኣብቲ ከይዲ ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ከምኡ ኮይኑ'ውን ግን ኣብ ባይታ ኣብ መንጎ ገዛኢ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ትግራይ ምትሕውዋሳት ከም ዘሎን፡ ነቲ መረዳ ነጻ ከይኸውን ከም ዝገብሮን እቶም ተቓወምቲ ይኣምኑ።

እዚ ብፍላይ ኣብ ኣጠቓቕማ መንግስታዊ ሚድያ፡ ኣብ ሕርያ ተዓዘብትን ፈጸምትን እቲ መረጻ ከምኡ'ውን ኣብ ቆጸራ ድምጺ ህዝቢ ጸገም ከጋጥም ይኽእል እዩ ዝብል ካብ ብኣግኡ ዓብዪ ስግኣታት ኣለዎም።

"ምትሕውዋስ ገዛኢ ውድብን መንግስትን ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ቤተ እምነት ከይተረፈ 'ንሕወሓት ምረጹ ' እናበሉ ኣመሓደርቲ ጣብያ ይእዝዙ ኣለዉ። እዚ ከቢድ ዋጋ ከኽፍለና ዝኽእል እዩ" ኢሉ ኣይተ ሃይሉ።

ኣመራርሓ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኪዳነ ኣመነ፡ ብወገኑ፡ "እዚ መረጻ ታሪኻዊ ኮይኑ ንክሓልፍን ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ንክህልዎን ህወሓት፡ ዓብዪ ጥንቃቐ ክገብር" የተሓሳስብ።

ኣቦ መንበር ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ዓሲምባ ኣይተ ዶሪ ኣስገዶም፡ ቅድም ክብል መንግስቲ፡ ምስ ውድባት ተቓውሞ ኣብ ዘካየዶም ዘተታት እናተገለለ ምጽንሑ ምግላጹ ይፍለጥ።

ደጊምና ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘዘራረብናዮ ኣይተ ዶሪ፡ ሕዚ'ውን ኣብቲ መረጻ ንምስታፍ ተመዝጊቡ ይንቀሳቐስ'ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ዝኾነ ዘተታት ከም ዘይጽዋዕን፡ ይጓነ ከም ዘሎን ሓቢሩ።

ዓሲምባ፡ መሰረቱ ኣብ ህዝቢ ኢሮብ ይኹን'ምበር፡ ንመሰል መላእ ህዝቢ ትግራይ ዝቃለስን ዝጣበቕን ውድብ ከምዝኾነን፡ ካብቲ ወረዳ ወጻኢ ኣብ ካልኦት ወረዳታት ትግራይ'ውን ከምዝወዳደር እዩ ዝገልጽ።

ይኹን'ምበር፡ ሕዚ'ውን ካብ ገለ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብቴሌፎን ከይተረፈ ናብቲ ውድቡ ዝወዳደረሉ ከባቢ እናደወሉ ስም ውድቡን ኣመራርሕኡን ኣብ ምጽላም ከም ዝተዋፈሩ ይዛረብ።

ህወሓት ከምዚ ዓይነታት ክስታት ዘይቅበል ምዃኑ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዝገለጽ ኮይኑ፡ ነዞም ቅርታት ምላሽ ምርካብ ኣይተኽኣለን።

እቲ ሓድሽ ከሚሽን መረጻ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ፡ ብዙሓት ነገራት ከም ዝተመሓየሹን፡ እቲ ኮሚሽን ነቲ መረጻ ዘይሻራዊ ኮይኑ ከሳልጦ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎን ግን ተዛሪቡ።