'ካብ ሰለስተ ወጻኢ፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት ትግራይ ባንዳታት እዮም' በዓልቲ መዚ ትግራይ

ወይዘሮ

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV

ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፡ ወይዘሮ ኣለማት ኣማረ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ቀሪባ፡ ኣብ ትግራይ ንዝንቀሳቐሱ ውድባት ተቓውሞ ንገሊኦም ጽግዕተኛታት፣ ንገሊኦም ከባብያውያን ንገሊኦም ድማ ባንዳታት ክትብል ድሕሪ ምግላጻ ንብዙሓት ኣቖጢዑ ውዒሉ።

ብፍላይ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ነታ በዓልቲ መዝን ንቴሌቪዥን ትግራይን ነቒፎም።

እታ ሓላፊት፡ ምስ ኣሰናዳኢን ኣቕራብን እቲ መደብ ዮውሃንስ ብርሃነ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት በቲ ጋዜጠኛ እናተሓገዘት፡ ብፍላይ ድማ ካብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነን ውድብ ናጽነት ትግራይን ወጻኢ ዘለዉ 'ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባት ባንዳታት እዮም' ክትብል ተዛሪባ።

"12 ውድባት ተጫጪሖም ኣለዉ" ምስበለት፡ ኮነ ተባሂሉ ንህወሓት ንምውዳቕ፡ ብውድብ ብልጽግና ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ'ሎ ዝበለቶ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ዝኾነ ሕጋዊነት ከየማልኡ ግዝያዊ ሰርቲፊኬት ዝሃቦምን ብገንዘብ እናተመወሉን ዝንቀሳቐሱ እዮም ኢላቶም።

ንሳልሳይ ወያነ ትግራይ ድማ፡ "ነቲ ታሪኻዊ ኣክሱምን ሽረን ከባቢ ኣግሊሉ ወርዒ ምላሽ ኢሉ" ዝንቀሳቐስ ከባብያዊ ውድብ ክትብል ከሲሳቶ።

እቲ ውድብ፡ ኣበየናይ መግለጺኡ ከምኡ ዓይነት መግለጺ ከምዝሃበ ዝፍለጥ ነገር የለን። ንሳ'ውን ካብ ምኽሳስ ወጻኢ ዝኾነ መረጋገጺ ኣየቕረበትን።

እቲ ውድብ 'ኣብ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ኣሽኪሉ' ዝንቀሳቐስ ውድብ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ንውድብ ዓሲምባ ድማ፡ ተረፍ መረፍ ኢህኣፓ ኢላቶ።

እቶም ዝተረፉ ድማ፡ እዚ ዝበሃል መርገጺ ኮነ ፖሊሲ ዘይብሎም ብቕርሕንትን ቂምን ዝተኣኻኸቡ ክትብል ከሲሳቶም።

ነት ብኸመይ እያ ገሊጻቶ?

ወይዘሮ ኣለማት፡ ካብ ቀደም ካብ ሃጸይ ሚኒሊክ ጀሚሩ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ደርጊ "ትግራይ ምድኻም ዝከኣል ብተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ'ዩ" ዝብል ኣምር ከምዝኽተሉ ትገልጽ። እቶም ባንዳታት እትብሎም ብዙሕ ጉድኣት ከምዘብጽሑ ድማ ተዛሪባ።

እቶም ሕዚ ፖለቲካዊ ውድባት መስሪቶም ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ውድባት ተቓውሞ 'ተረፈ መረፍ ተወላወልቲ ሓይልታትን ጽግዕተኛታትን እዮም' ኢላቶም።

"ህዝቢ ትግራይ ክደናገር የብሉን" እትብል እዛ ምክትል ሓላፊት ቢሮ፡ "ኣብ መንነትን ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይ ሓደጋ ንምብጻሕ ከም መዳበርያ የገልግሉ ኣለዉ" ክትብል ውድባትን ውልቀሰባትን ብምጥቃስ ከሲሳ።

ሎሚ ሎሚ፡ ባንዳ ዝብል አገላልጻ ኣብ ትግራይ እናተለመደ እዩ መጺኡ። ብፍላይ ደማ ካብ ዓበይቲ ሓለፍቲ መንግስትን ውድብን ተደጋጊሙ እዩ ዝስማዕ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ዛዕባ'ውን፡ "ትግራይ ካብ ባንዳታት ምጽራይ" ዝብል ወፍሪ፡ እቲ ጋዜጠኛ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ምስ ወረርቲ ሓይልታት እንትዋጋእን መስዋእቲ እንትኸፍልን ኩሉ ግዜ ሓደ ፈተና ይገጥሞ ከምዝነበረን ንሱ ድማ 'ባንዳነት' ከምዝኾነን እዩ ዝጅምር።

ካብኡ ድማ፡ ንምዃኑ ባንዳነት ብጭቡጥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኸመይ እዩ ዝግለጽ ብዝብል እዩ ሕቶ ጀሚርላ።

እታ ምክትል ሓላፊት ቢሮን ኣባል ማእከላይ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓትን ዝኾነት ውልቀሰብ፡ ጥረ ትርጉም 'ባንዳነት' እንትዛረብ፤ ባንዳ ዝበሃል ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ ኮይኑ፡ "ሕልንኡ ሸይጡ ንኸብዱ ዝነብር ህዝባዊነት ዘይስመዖ" ኢላ ትድምድም።

ካብኡ እቲ ሕብረተሰበብ በቢ ብርኪ ኣወዳድደባን፡ ነቶም ባንዳ ዝበለቶም ውድባት ክቃለሶምን "ረመጽ ክኾኖምን" ጸዊዓ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዓብዪ ተቓውሞ ዘልዐለ ኾይኑ፡ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣማስዩ ይቕረታ ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ መደብር ቴሌቪዥን "ሎሚ ንጎሆ ኣብ መደብ እዋናዊ ጉዳይ ምስ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ አንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ኣለማት ኣማረ ዝተገበረ ቃለ መሕትት ካብ ሞያዊ ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ከምኡ ውን መምርሒ ኤዲቶርያል ፖሊሲ ትካልና ወፃኢ ዝተኻየደ ስለ ዝኾነ ንተመልከትና ይቕረታ ንሓትት" ኢሉ።