ክልል ትግራይ 'ኮሚሽን መረጻ ንምጥያሽ' ጽባሕ ምይይጥ ክተካይድ እያ

ምርጫ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክልል ትግራይ፡ ናይ ባዕላ 'ኮሚሽን መረጻ' ንምጥያሽን 'ኣዋጅ መረጻን ስነምግባር መረጻን' ክተጽድቕን ትሰርሕ ከምዘላ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብታ ክልል ንኽካየድ መደብ ተታሒዝሉ ምስ ዘሎ መረጻ ብዝተኣሳሰር ኣብ ዝተዳለዉ ክልተ ናይ ሕጊ ረቒቕ ሰነዳት፡ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ዝርከብሉ ምይይጥ፡ ጽባሕ ሰሉስ ክግበር ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ።

ካብቶም ምይይጥ ክግበረሎም እዩ ዝተብሃሉ ሰነዳት፡ እቲ ሓደ "ረቒቕ ኣዋጅ መረጻን ስነምግባር መረጻን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ" ዝብል ኮይኑ 130 ዓንቀጻት ዝሓዘ እዩ። 97 ገጻት ድማ ኣለውዎ።

እቲ ካልኣይ ሰነድ ድማ "ምጥያሽ፣ ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን ኮሚሽን መረጻ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምውሳን ዝቐረበ ረቒቕ ኣዋጅ" ዝበሃል ኮይኑ 33 ዓንቀጻት ዝሓዘን ኣብ 27 ገጻት ዝተዳለወን ሰነድ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረጻ 'ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ' ንዘይተፈልጠ እዋን ክናዋሕ ድሕሪ ምግባሩ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝነበረ ምትፍናን እናኸረረ ይመጽእ ኣሎ።

ባይቶ ክልል ትግራይ፡ ነዚ ምርጫ ናይ ምንዋሕ ውሳነ 'ዘይሕገመንግስታዊ እዩ' ብዝብል ኣይተቐበሎን።

ስለዝኾነ ድማ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ፡ ክልላዊ መረፃ ክካየድ ብምሉእ ድምፂ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ንቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ድማ፡ ነዚ መረጻ ከፈጽመሉ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ።

እንተኾነ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ [ምርጫ] ኢትዮጵያ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ 6ይ ዙር ምርጫ ኣብታ ክልል ንከፈጽም ንዘቕረበሉ ሕቶ ነጺግዎ እዩ።

ድሕሪ እዚ እዩ እምበኣር፡ ክልል ትግራይ ኮሚሽን መረጻ ንምጥያሽ ምንቅስቓሳት ጀሚራ ዘላ።

እቲ ጽባሕ ሰሉስ ዝካየድ ተቓወምቲ ውድባት ክልል ትግራይ ዝሳተፍሉ ምይይጥ ድማ፡ ኣካል ናይ'ዚ ከይዲ ምዃኑ ተፈሊጡ።