ፈላሚ ክትዕ ውድባት ትግራይ፡ ‘ምስ ኢትዮጵያ'ዶ ምምስራት ናጻ ሃገር?’

ምንጪ ስእሊ, TIG TV
ኣብ’ቲ ንጳጉሜን 4 ከካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ መረጻ ትግራይ ዝሳተፉ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ: ፈላማይ ቐጥታዊ ክትዖም ሎሚ ሰንበት ንጉሆ ኣካይዶም።
ኣብ’ቲ ክትዕ፡ ኣብ መረጻ ዝሳተፉ ሓሙሽተ ውድባት ትግራይ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት]፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ [ሳወት]፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ ው[ውናት]፡ ባይቶና ዓባይ ትግራይ [ባይቶና]ን ዓሲምባ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ [ዓዴፓ]ን እዮም ተሳቲፎም።
እቲ ክትዕ ኣብ ስቱድዮ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝተኻየደን በቲ መደብር ቴሌቪዥን ብቐጥታ ዝሓለፈን ኮይኑ፡ መምህራን ዩንቨርሲቲ መቐለ ኣማእኺሎምዎ።
ወከልቲ ናይተን ውድባት፡ “ዴሞክራሲ፡ መሰል ዓርሰ ውሳነን፡ መጻኢ ዕድል ትግራይን” ኣብ ዝብል ዛዕባ እዮም ተኻቲዖም።
ክትዕ ኣብ ኢትዮጵያ’ዶ ናጻ ሃገር?
ካብቶም ዝተኻትዑሎም ቀንዲ ሓሳባት ሓደ፡ መጻኢ ዕድል ትግራይ ዝምልከት እዩ። ኩሎም ድማ፡ ንትግራይ የዋጽኣ እዩ ዝብልዎ፡ ካብ ስርዓት ፌዴራሊዝም ክሳብ ምምስራት ናጻ ሃገር ዝበጽሕ ፕሮግራሞም ኣቕሪቦም።
ኣብ’ዚ መዳይ፤ ዝተፈለየን ጫፍ ዝረገጸን ሓሳብ ሒዙ ዝቐረበ ውድብ ናጽነት ትግራይ እዩ። እቲ ነዚ እምነት ሒዙ ዝተመስረተ ውድብ፡ ትግራይ ናጻ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ዝብል መርገጺኡ ሒዙ ተኻቲዑ።
እቲ ውድብ፡ ኢትዮጵያ ግዝኣት ሃጸይ (ኢምፓየር እያ) ዝብል ድምዳመ እዩ ዘለዎ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ስርዓት ድማ፡ መሰል ርእሰ ውሳነ ምርግጋጽ ኣይከኣልን ዝብል ቅዋም ኣንጸባሪቑ።
ትሕቲ ሃገር ምዃን ዘለዉ ሕቶታት “ናይ ለመናን ፍለጡልናን” ቃልሲ እዩ ዝበለ ኾይኑ፡ እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ኣየብጸሖን ኢሉ።
‘ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ፈቲንዎ ዝተረፎ ምሉእ ናጽነት ጥራሕ እዩ’ ዝብል ቅዋሙ ድማ ገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ዓዴፓ)፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ትግራይ ኣመልኪቱ መርገጺኡ እንተቕርብ፡ እቲ ሕዚ ዘሎ ጎንጺ ተቐሪፉ፡ በቲ ዘሎ ስርዓት ፌደራሊዝም ንምቕጻል ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, TIG TV
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንጸላለወ ሓደጋ ከምዘሎ ዝገለጸ ውድብ ዓዴፓ፡ እዚ ሓደጋ ‘ብውሕሉል ዲፕሎማሲያዊ መገዲ ክእለ ኣለዎ’ ይብል።
ውድብ ህወሓት ድማ፡ ኣብ ጉዳይ መሰል ዓርሰ ውሳነን መጻኢ ዕድል ትግራይን ‘ብዘይካ ኣሃዳዊ ስርዓት፡ ኩሉ መገድታት ክፉት እዩ’ ዝብል መርገጺ ከምዘለዎ ይገልጽ።
ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ሰፊሕ ዕዳጋ ተረባሒ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ቅዋም ከምዘለዎ’ውን ገሊጹ። ክሳብ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተሰረተ ‘ማዕርነታዊ ሓድነት ህዝብታት’ ተረባሒ ነይሩ እዩ ድማ ኢሉ።
እንተኾነ፡ ህወሓት ክሳብ ምግንጻል ዝበጽሕ መሰል ሕገመንግስታዊ ኣፍልጦ ክረክብ ከምዝተቃለሰን፡ እዚ መሰል’ውን ከም ክፉት ዕድል ከምዝርእዮን ገሊጹ። እዚ ድማ ብህዝቢ ዝውሰን እዩ ኢሉ።
ህወሓት፡ ነቲ ኣካታዓይ ኣብ ዓንቀጽ 39 እቲ ኣብ ግብሪ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ሓቢርካ ናይ ምንባር ዓንደፍቲ ገይሩ እዩ ዝወስዶ።
ውድብ ባይቶና ድማ፡ ንዝሓሸ መጻኢ ዕድል ትግራይ ስርዓት “ኮንፌዴሬሽን” ምትካል ከምዘዋጽእ ተኻቲዑ። ‘ትግራይ ክትግንጸል ዘይኮነስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይና ሓገርነት ክትለብስ’ ከምዝቃለስ ድማ ገሊጹ።
ምምስራት ናጻ ሃገር ከም ከይዲ እየ ዝርእዮ ዝበለ ኣቦ መንበር ባይቶና ኪዳነ ኣመነ፡ ንስርዓት ኮንፌዴሬሽን ከም መሰጋገሪ ድልድል ክንጥቀመሉ ኢና ይብል።
ድሕሪ ኮንፌዴሬሽን ድማ “ብኸይዲ ናብ ነጻ ሃገር ክንብገስ ኢና” ኢሉ።
ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ዘገድስ ትግራይ ሃገር ኮነት ኣብ ኢትዮጵያ ሃለወት ዘይኮነስ ‘ብሄራዊ ረብሓታታ’ ክተሐልወሉ እትኽእል ዓቕሚ ክተጥርይ ምግባር እዩ ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ሽኻሉ ገይሩ ከም ግዝኣታዊ ሓድነትን መንነታዊ ዘላቕነትን ዝኣመሰሉ ረብሓታት ከሐሉ ከምዝሰርሕ ዝገለጸ እቲ ውድብ፡ ብፍላይ እቲ ሕዚ ዘሎ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትግራይ ረብሓታታ ከይተሰጉም ቆሪኑ ሒዝዋ ከምዘሎ ብምግላጽ ተኻቲዑ።
እቲ ሕገ መንግስቲ- ብፍላይ ኣብ ምምርቓሕ ስልጣን ንፌዴራል መንግስቲ ብዙሕ ስልጣን ከምዝህብ ዘብረሀ ሃይሉ ከበደ፡ ምምሕየዓሸዓት ይጠልቡ ዝበሎም ዓንቀጻት ጠቒሱ ኣቕሪቡ።
ትግራይ እቲ ሕዚ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ሕልኽላኽ ዘጋጠማ ድማ፡ ሃገር ብዘይምዃና ዘይኮነስ ረብሓታታ ሒዙ ዘሰጉም ‘ብሄራዊ ውድብ’ ስለዘይነበራ እዩ ኢሉ።
ሕቶታት ነቐፌታታትን
እቶም ውድባት፡ ኣብ’ዚ ‘መጻኢ ዕድል ትግራይ’ ዝምልከት መርገጺታቶም ተደሪኾም፡ ኣብ ናይ ሓድሕዶም ሓሳብ ሕቶታትን ነቐፌታታትን’ውን ኣቕሪቦም እዮም።
ባይቶና፡ ንውናት “ምግንጻል ዝብልሲ ንትግራይ ይምጥንዶ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦምሎም። ውድብ ውናት ድማ “ሕቶና ሕቶ ናጽነት እዩ። ትግራይ ሃገር እያ ነይራ፡ ትግራይ ሃገር እያ ክትከውን” ዝብል መልሲ ሂቦምሉ።
ኣብ ልዕሊ ባይቶና ድማ፡ ካብ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ካብ ውናትን ‘ስርዓት ኮንፌዴሬሽን፡ ፈለማ ልዑላዊ ሃገር ኮይንኻ ብሓባር ንምንባር ዝእቶ ውዕሊ’ምበር፡ ኣብ ሃገር ኾይንኻ ዶ ኮንፌዴሬሽን ይጥለብ እዩ?’ ዝብል ሕቶን ነቐፌታን ቀሪቡሎም።
እቲ ውድብ ብሓደ ወገን፡ ትግራይ ሕዚ’ውን ከም ሃገር እያ ደው ኢላ ዘላ ብምባል ‘መረጻንዶ ንበይንና ነካይድ የለናን’ ዝብል ሓሳቡ ገሊጹ።
ብኻልእ ወገን ድማ ‘ኮንፌዴሬሽን፡ ድሕሪ ሃገር እዩ ዝመጽእ ዝብል ጌጋ እዩ። ናብ ፌዴሬሽን ከውርድ ናብ ሃገርነት’ውን ከደይብ ዝኽእል ድልድል እዩ’ ክብል ተኻቲዑ።
ህወሓት ድማ ንውናት ‘ናትኩም ሓንቲ ዕላማ ሃገር ምምስራት እያ። ድሕሪ ናጽነት፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ክተቑሙ ምዃንኩም እምበር መንግስቲ ከምዘይትኾኑ ትገልጹ ኢኹም። ድሕሪ ናጽነት፡ ንህዝቢ ከመይ ገይርኻ ኣብ ጸልማት ትገድፎ?” ክብሉ ወንጢሮምዎም።
ውናት ነዚ መልሲ ክህቡ እንተለዉ፡ ካብ ልምዲ ካልኦት ሃገራት ተበጊሶም ከምዝተንተንዎ፡ ናጽነት ሃገራት ዝግህዱ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ድሕሪኡ ስልጣን ምስዓተሩ ናብ መላኽነት ናይ ምቕያር ባህርይ ከምዘለዎም ገሊጾም።
ነዚ ከምኣብነት ድማ፡ ንፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቅን ንኹነታት ደቡብ ሱዳንን ብምጥቃስ ተኻቲዖም።
ነዚ ንምውጋድ ድማ፡ ድሕሪ ናጽነት ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዘሳትፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዘቑሙን፡ ቀንዲ ተግባር ናይ’ዚ ዝቐውም መንግስቲ ድማ “ሕገመንግስቲ ምጽሓፍ” ከምዝኾነን ኣብሪሁ። ኣብ’ዚ ከይዲ ግን፡ መዓልታዊ ተግባራት መንግስቲ ክተኣጓጎል እዩ ማለት ከምዘይኮነ ድማ ተኻቲዑ።
ዝተልዓሉ ስነሓሳባዊ ክተዓት
ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ውድብ ዓዴፓን ከም ስነሓሳብ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ (ሶሻል ዴሞክራሲ) ከምዝኽተሉ ገሊጾም።
ውድብ ባይቶና ድማ "ባይቶኣዊ ስርዓት" ዝበሃልን ካብ ባህሊ ህዝቢ ትግራይ ዝቕዳሕን መቦቆላዊ ስርዓት ከምዝኽተል ጠቒሱ።
ህወሓት ብወገኑ፡ ንህዝቢ ብሰፊሑ ዘንቀሳቕስ ምዃኑ ብምግላጽ ዝተኻተዓሉ ስነሓሳብ 'ወያናይ ዴሞክራሲ' እዩ።
ኣብ'ዚ ክትዕ፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝኽተሎ ስነሓሳብ "ወያናይ ዴሞክራሲ" ነቐፌታታት ቀሪቡዎ እዩ።
ውድብ ሳወት፡ ንናይ ህወሓት ስነሓሳብ ክነቅፍ እንከሎ፡ ዝተማእኸለ ቁጠባዊ ኩነታት ስለዝተተኸለ፡ ህዝቢ ፋሕፋሕ ክብልን ኣደዳ ስደት ክኸውንን ምኽንያት ኮይኑ እዩ ብምባል፡ ኣዲስ ኣበባ ማእከል ስሕበት ቁጠባን ፖለቲካን ንምግባር ትግራይ ክትከስር ምኽንያት ኮይኑ እዩ ኢሉ።
ሳወት ወሲኹ፡ ትግራይ ናይ ፖሊሲ ሓርነት ከይህልዋ፡ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 51 ሓኒቑ ከምዝሓዛ ገሊጹ ተኻቲዑ።
ንረብሓ ትግራይ ከገልግሉ ዝኽእሉ ትካላት ኣብ ክንዲ ምህናጽ፡ መብዛሕትኡ ኣገዳሲ ስልጣንን ትካላትን ብዝተማእኸለ መገዲ ኣብ ኢድ መንግስቲ ፌደራል ወዲቑ እዩ ክብል ድማ ነቒፉ።
እዚ ድማ፡ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ዝጠልብ እዩ ኢሉ።
ህወሓት ንኹሉ ፖሊሲታቱ ኣብ ክንዲ ካብ ብሄራዊ ትንተና፡ ካብ መደባዊ ትንተና ስለዝብገስ ድማ ንረብሓ ትግራይ ኣሀጊሩ እዩ ክብል'ውን ነቒፉ።
'ህወሓት ምልኪ ሓረስታይ ተበሊጹ፡ ማሕበረ ቁጠባዊ ሽግግር ከይመጽእ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ' ድማ ኢልዎ።
ባይቶና ብግድኡ፡ ሳወት ንዝኽተሎ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ሓዊሱ 'ካብ ደገ ዝመጸ ናይ ባዕዳውያን ስነሓሳብ ንትግራይ ኣይኸውንን' ብዝብል ተኻቲዑ።
ብፍላይ ድማ፡ ስነሓሳብ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ "ልምዓት ከምጽእ ኣይኽእልን። ኣብ ግብሪ ምእካብ ዝተመስረተ እዩ" ክብል ነቒፉ።
ሳወት ግን፡ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ሃፍቲ እዩ ዘከፈፍል ዝብል ጌጋ ምዃኑን፡ ሃፍቲን ልምዓትን ንምፍጣር ዘኽእል ስነሓሳብን እዩ ብዝብል ሞጒቱ።
ውናት 'ባይቶኣዊ ልምዓት' ዝኽተሉ እንትኾኑ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ካብ ህወሓት ብምንታይ ትፍለዩ ክብሉ ነቒፎም።
ውናት ብወገኖም፡ ህወሓት ዝኽተሎ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ወያናይ ዲሞክራሲ፡ ነቲ ስርዓት ጓዕጺጹ ኣየስርሕን ከምዝበሎ 'ምበር ብመሰረቱ ጸገም የብሉን ዝብል ምላሽ ሂቦም።
ባይቶና፡ ንስነሓሳብ ህወሓት ኣመልኪቱ ክነቅፍ እንከሎ፡ ህወሓት ዝኽተሎ 'ሓቀኛ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣይኮነን' ኢሉ።
ውድብ ሳወት ብግድኡ፡ 'እቲ ባይቶኣዊ ስርዓት ዝበሃል ዘሎ፡ እቲ ናይ ህወሓት ስነሓሳብ ልምዓታዊ መንግስቲ እዩ። ነዚ እናሰዓብካ ካብ ደገ ዝመጽኡ ስነሓሳባት እናበልካ ምንቃፍ ዘኽይድ ኣይኮነን' ብዝብል ሞጒቱ።
ህወሓት ድማ፡ ነቲ ናይ ባይቶና "ባዕዳዊ ስነሓሳብ" ዝብል ስነ-ሞጎት ንምንቃፍ፡ 'ዓለማዊ ኣተሓሳስባታት ይጸላለዉ እዮም' ኢሉ።
ህዝቢ ድማ ይረብሓኒ እዩ ዝብሎ ሓሳብ ብከይዲ ግዜ እናተቐበለ ከምዝኸይድ ብምግላጽ ተኻቲዑ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







