ምስሕሓብ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይን

ምንጪ ስእሊ, House of Federation ETH
ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ መረጻ ንምስላጥ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ጠጠው ከብል ዝሓትት ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ካብ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ተላኢኹሉ ነይሩ።
ነዚ ብዝምልከት፡ ትማሊ ሰኑይ መልሲ ዝሃበ መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ ነቲ ብባይቶ ፌደሬሽን ዝተልኣኸሉ ደብዳበ “ሕገመንግስታዊ መሰረት ዘይብሉ” ክብል ነጺግዎ።
ብተወሳኺ ድማ፡ “ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ንስልጣኑ ብዘይኣግባብ ብምጥቃም ዝጸሓፎ ደብዳቤ” ብምባል ተቓዊምዎ።
ባይቶ ፌደሬሽን እንታይ እዩ ኢሉ ነይሩ?
ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ዝለኣኾ ደብዳቤ፡ እቲ ክልል ምስ ምክያድ መረጻ ብዝተኣሳሰር ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ‘ሕገ መንግስታዊ ስርዓት እታ ሃገር ንሓደጋ ዘሳጥሕ ከም ዝኾነ’ ዝገልጽ እዩ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ደው ከብል፡ እንተዘይኮይኑ ግን ባይቶ ፌደሬሽን ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግደድ ድማ ዘጥንቕ እዩ ነይሩ።
ምንዋሕ መረጻ ብዝምልከት
ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መረጻ ከካይድ ከም ዘይክእል ጸብጻብ ምስ ኣቕረበ፡ ሕገመንግስታዊ ትርጉም ተዋሂብሉ እዩ ክብል የዘኻኽር።
“ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መረጻ ብእዋኑ እንተዘይተገይሩ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ብንጹር ስለ ዘይደንገገ ድማ እቲ ሕገመንግስቲ ብዝፈቕዶ መሰረት፡ ነቲ ሓጓፍ ብሕገመንግስታዊ ትርጉም ምምላእ ኣድላዪ ምዃኑ ብምእማን መረጻ ክናዋሕ ከም ዝተወሰነ ይፍለጥ” ኢሉ ነይሩ ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ “ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 9 (3) ከምዝብሎ፡ ብጀካ ኣብ’ቲ ሕገመንግስቲ ብዝተነጸረ መገዲ፡ ብኻልእ ዝኾነ መገዲ ናይ መንግስቲ ስልጣን ምሓዝ ኩልኩል እዩ” ዝብል ብምጥቃስ መልሲ ሂቡ።
መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ቅድም ክብል’ውን ክገልጾ ዝጸንሐ ‘ትርጉም ሕገመንግስቲ ብዝብል ሽፋን ብዘይመረጻ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝተገበረ ውሳነ እዩ’ ዝብል ቅዋሙ እዩ ኣንጸባሪቑ።
ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝካየድ መረጻ
ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ነቲ ክልል ትግራይ ክተካይዶ ወጢና ዘላ መረጻ ብዝምልከት “ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 102፡ ብደረጃ ሃገር ኮነ ክልል፡ ሓቀኛ መረጻ ብገለልተኝነት ከካይድ ዝኽእል ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ጥራይ ምዃኑ” ብምግላጽ፡ ክልል ትግራይ ኮሚሽን መረጻ ምጥያሻ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ይገልጽ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ “ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 39፡ ኣብ ክልላት ዝነብሩ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክሳብ ምንጻል ዝበጽሕ ባዕሎም ንባዕሎም ናይ ምምሕዳርን ዕድሎም ናይ ምውሳንን መሰል ኣለዎም” ዝብል መልሲ ሂቡሉ።
ወሲኹ ድማ “ባይቶ ፌዴሬሽን ብትርጉም ሕገመንግስቲ ኣሳቢቡ ምርጫ ንምንዋሕ ዘሕለፎ ውሳነ ኢ-ሕገመንግስታዊ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ መረጻ ኣባላት ቤት ምኽሪ ትግራይ ንምንዋሕ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ስልጣን የብሉን። ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ትግራይ ዝጠሓሶ ውሳነ የለን” ኢሉ።
“ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መረጻ ዝገብር ዘሎ ካብ ምድላይ ብዝብገስ ዘይኮነስ ሕገመንግስታዊ ሓላፍነቱ ንክዋጻእ እዩ” ድማ ይብል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







