ውድብ ዓሲምባ፡ 'ኣብ መረጻ ትግራይ ከይሳተፍ ይግለል ኣለኹ' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, TMH
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ትልሚ ዝተታሓዘሉ ክልላዊ መረጻ፡ ካይሳተፍ ይድፋእ ከምዘሎ ውድብ ዓሲምባ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ዶሪ ኣስገዶም፡ ውድቡ ኣብቲ ክልላዊ መረጻ ንምስታፍ ምድላወት ምግባር ጀሚሩ ከምዝነበረ ይዛረብ።
እንተኾነ፡ ሕጊ መረጻን ምጥያሽ መረጻ ኮሚሽንን ኣመልኪቱ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ምስ ውድባት ተቓውሞ ኣብ ዝተኻየዱ ዘተታት ክሳተፍ ከምዘይተፈቐደሉ ይዛረብ።
ኣብቲ ጉዳይ ሌላን ጉሌላን ይፍጸም ኣሎ'ውን ኢሉ።
"ህወሓት ምስ እትደልዮም ውድባት ጥራሕ እያ መረጻ ከተካይድ እትደሊ" ዝብል ኣይተ ዶሪ፡ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ስም ውድቡ ፡ ጸለመ ይካየደሉ ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓንቲ ኣመራርሓ ህወሓት ንውድብ ዓሲምባ ሓዊሱ፡ ንገለ ተቓወምቲ ውድባት 'ባንዳታት' ምባላ ዝዝከር እዩ።
ሓለፊ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ናይታ ውልቀሰብ ውልቃዊ ርእይቶ-እዩ ዝብል ምላሽ ሂብሉ እዩ።
ብዛዕባ እዚ ካብ መንግስቲ'ቲ ክልል ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን።
ዓሲምባ ቅዋሙ እንታይ እዩ?
ንመስል ህዝቢ ኢሮብ ዝቃለስ ሓድሽ ውድብ ዓሲምባ፡ እቲ መረጻ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ ከምዝኣመን እዩ እቲ ኣቦ መንበር ዝዛረብ።
እቲ ኮሚሽን ምጥያሹ ደጊፉ፡ እንተኾነ ሕግን ደንብን እቲ መረጻ እቲ ኮሚሽን እዩ ከውጸኦ ነይርዎ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።
"ተብተብ እዩ ዝመስል። ተብተብ ኢልካ ዝግበር ከኣ ናይ ባዕሉ ክፍተታት ዘስዕብ እዩ" ኢሉ።
እኹል ግዜ ከይተውሃቦ፣ ናይ ሚድያ ጎስጓስ ከይተኻየደ ዝግበር መረጻ፡ ኣብ ፍትሓውነትን ተኣማኒነትን ዘስዕቦ ኣበር ከይህሉ'ውን ይሰግእ።
ካብ ገለ ኣመራርሓ ህወሓት፡ ንውድብ ዓሲምባ 'ምስ ውድብ ብልጽግና ሓቢሩ ይሰርሕ እዩ' ዝብል ሕሜታ ከምዘሎ ዝዛረብ ኣይተ ዶሪ፡ "ምስ ዝኾኑ ውድባት ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘለና "ኢሉ።
"ማእኸልና ህዝቢ እዩ። ንህዝብና ዝጠቅም ንድግፍ፤ ንህዝቢ ዝጉድእ ድማ ንቃዋም' ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ፡ 'ኣብ ትግራይ መረጻ እንተካይድኩም ስጉምቲ ክወስድ እየ' ምባሉ ስዒቡ ድማ፤ ውድቡ ተቓውሞ ከምዘስመዐ ይገልጽ።
"ንሕና ኢና ቀዲምና ዝተቓወምናዮ። 'ስጉምቲ ክንወስድ ኢና' ምባል ትኽክል ኣይኮነን፤ 'ስጉምቲ እንተወሲድኩም ግን፡ ንሕና'ውን ምስ ህዝብና ኾይንና ክንወግአኩም ኢና" ዝብል መግለጺ ከምዘውጽኡ ይዛረብ።
"ስለዚ ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ እንተሃልዩ ቀዲምና ኢና ንቃወም። ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጸገም ግን ሓሊኹ ከየውድቐና -ንሱ ንቐደም ንፍታሕ"።
ኣብቲ ክልል ግን፡ ናይ ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ሃዋህውን ጸገም ከም ዘሎን ክስተኻኸል ከምዝለዎን'ውን ተዛሪቡ።
ካልኦት ውድባትከ?
ኣብቲ መረጻ፡ ዛጊድ ነቲ ገዛኢ ውድብ ወሲኹ ኣርባዕተ ክልላዊ ውድባት ፖለቲካ ከምዝሳተፉ ኣፍሊጦም ኣለው።
ህወሓት፣ ሳልሳይ ወያነ፣ ባይቶና ዓባይ ትግራይን ውድብ ናጽነት ትግራይን [ውናት] ከምዝሳተፉ ዕላዊ ዝገበሩ እዮም።
ኣብ ምርቃቕ ሕጊ መረጻን ምጥያሽ ኮሚሽን መረጻን ዝተገብሩ ሓበራዊ ዘተታት'ውን ተሳትፎ ገይሮም እዮም።
እንተኾነ፡ እቶም ውድባት ኣብ ገለ እቲ መስርሕ ቅረታ ከምዘለዎምን ኣብ ውዱእ ነገር ናይ ምጽዋዕ ኩነታት ከምዘሎን ንቢቢሲ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።
ካልኦት ክልላዊ ውድባት እቲ ክልል፡ ዓረና ንዲሞክራሲን ንሉኣላዊነትን ከምኡ'ውን ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ [ትዴፓ] ዛጊድ ኣብቲ መረጻ ተሳትፎ ክገብሩ ኣይረአዩን።
ዓረና፡ ኣብቲ ጉዳይ መርገጺ ዘይወሰደ ምዃኑ ንቢቢሲ ዝገለጸ ኾይኑ፡ ኣቦ መንበር ትዴፓ ግና፡ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ እቲ መረጻ ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሉ ከምዝኣምን ተዛሪቡ እዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







