ክልል ትግራይ፡ ንኣባልነት ቦርድ መረጻ ዓሰርተ ተሓጽዮም

ምርጫ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ሓድሽ ቦርድ መረጻ ንምጥያስ ብዘሕለፎ ውሳነ መረሰት፡ ካብቶም ንኣባልነት ዝተረቚሑ 177 ሰባት 3 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 10 ተሓጽዮም።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ተኸፊቱ ትማሊ 7 ሓምለ ዝተዛዘመ እዋን ጥቆማ፡ ብተደጋጋሚ ዝተረቑሑ ዝርከብዎም ብሐፈሻ ኣስማት ናይ 177 ሰባት ምቕራቡ ተፈሊጡ።

እቲ ኣጣያሲ ኮሚቴ፡ ካብኣቶም 10 ሓርዩ ንምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ከምዝሃበ ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ኣይተ ኣሰፋ ገ/ስላሰ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

በቲ ዝተቐመጠ መምርሒ መሰረት ድማ፡ ዶክተር ደብረጽዮን ኣስማት ናይቶም ዝተሓጸዩ ውልቀሰባት ብወግዒ ድሕሪ ምግላጽ፡ ምስ ኣብቲ መረጻ ዝሳተፉ ኣርባዕተ ውድባት ሎሚ ከምዝዘተየ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ጸብጺቡ።

ኣቦ መንበር ባይቶና ዓባይ ትግራይ፡ ኣይተ ኪዳነ ኣመነን፡ ኣቦ መንበር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ ተሳትፎኦም ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ኣይተ ኪዳነ ኣመነ፡ ካብቶም ዝተሓረዩ ዓሰርተ ሕጹያት ኣብ ሰለስተ ከምዝተስማምዑ’ኳ እንተገለጸ፡ መነመን ከምዝኾኑ ካብ ምግላጽ ግን ተቖጢቡ።

ኣይተ ሃያሉ ብወገኑ፡ ርእይቶ ውድቡ ብመንግስቲ ተቐባልነት ይረክብ ከምዘየለ ቅሬትኡ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ቅድም ክብል ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዘጽደቖ፡ ሕጊ መረጻ’ውን፡ ቀዲሙ ኣብ ክሊ እቲ ረቂቕ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ውድቦም ዝሃቦ ርእይቶ ኣይተኻተተን።

ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ጽባሕ ካብ ውሽጢ’ቶም ሕጹያት 5 ኣባላት እቲ ቦርድ መረጻ ክመርጽ ትጽቢት ይግበር።