ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ መረጻ ዘሳልጥ ትካል ክጣየስ ሓቲቶም

ኣርማ ሰለስቲአን ሰልፊታት ተቓውሞ ፖለቲካ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, FB PAGE OF THE PARTIES

ኣብ ክልል ትግራይ፤ 6ይ ዙርያ መረጻ ኣብ እዋኑ ክካየድ ዝጠልቡ ዘለዉ ሰለስተ ክልላዊ ውድባት፡ ኣብቲ ክልል ክካየድ ዝተሓሰበ መረጻ ዘሳልጥ ሓበራዊ ቤት ምኽሪን ትካል መረጻን ክጣየሽ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ሓቲቶም።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ብሄራዊ ባይቶና ዓባይ ትግራይን ውድብ ናጽነት ትግራይን፡ ሎሚ ሓሙስ ኣማስዮም ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ እዮም እዚ ጻውዒት ኣቕሪቦም ዘለዉ።

ኣብቲ መግለጺ፡ እቲ ነቶም መረጻ ኣብ እዋኑ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ካከየድ ዝጠልቡ ተቓወምቲ ሓዊሱ ዝጣየሽ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ፡ ብፍላይ ድማ እቲ መረጻ ኣመልኪቶም ዝወጽኡ ሕግታትን መምርሕታትን ዘሳልጥ ከምዝኸውን ይሕብር።

እዚ ቤት ምኽሪ ምጥያሽ እቲ መረጻ ነጻን ፍትሓዊን ክኸውን ከምዝሕግዝ ድማ እቶም ውድባት ይኣምኑ።

እቲ መግለጺ፡ እዚ ከይተገብረ ናብ መረጻ ምኻድ ግን ኣብ ፌዴራል መንግስቲ ተፈጺሙ ዝበልዎ ጌጋ ምድጋም ከምዝኸውን ገሊጾም።

ብሃገር ደረጃ መረጻ ክናዋሕ ዝተወሰነ ኾይኑ፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግን መረጻ ኣብ እዋኑ ከካይድ ከምዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ፡ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ እቲ ክልላዊ መረጻ ዘሳልጠሉ ሕጋዊ ኣግባብ የብለይን ክብል ትማሊ ነጺጉዎ እዩ።