ፖሊስ ክልል ትግራይ ብምልዕዓል ዝኸሰሶም 9 መንእሰያት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ

ፍሉይ ሐይሊ ክልል ትግራይ

ኣብ ክልል ትግራይ 9 መንእሰያት፡ ዘይሕጋዊ ምልዕዓል ከተካይዱ ወጢንኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ከተማ መቐለ ከም ዝበሎ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ “ዘይሕጋዊ ሰልፊ” ከካይዱ ፈቲኖም ተባሂሎም’ዮም ተታሒዞም።

ህዝቢ ትግራይ ሓራ ክወጽእ እንተድኣ ኮይኑ፡ ህወሓት “ካብ ስሩ ክንቀል ኣለዎ” ዝብል ጭርሖታት ከዳልዉ ከም ዝተረኽቡ ፖሊስ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እንተኾነ ግና፡ ሓደ ካብቶም እሱራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዘይወዓሎን ብዘይፈልጦን ክሲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተዛሪቡ።

እቶም መንእሰያት ምስ ሓደ “ፈንቅል” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣንጻር ህወሓት ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ርክብ ኣለዎም ንዝብል ጸብጻብ ግን፡ ኣባላቱ ከምዘይኮኑ ሓቢሩ።

ዋና ኣተሓባባሪ ናይቲ ምንቅስቓስ ዝኾነ መንእሰይ ሚኪ ተስፋይ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተሓስበ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ብኻልኦት መንእሰያት ትግራይ፡ ነቶም ኣብ የመንን ስዑድን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ተጋሩ ስደተኛታት ሓገዝ ክረኽቡ ዝጽውዕ ምዃኑ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሓንቲ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ህወሓት፡ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ትግራይ “ባንዳታት” ክትብል ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ምዝራባ፡ ሓያል ተቓውሞታት ገጢምዋ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ መደበር ነቲ ቃለመሕትት ካብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ብምውራድ፡ ይቕሬታ ሓቲቱ’ዩ። ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት’ውን እቲ መግለጺ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንፖለቲካ ትግራይ ብሒቱ ዝርከብ ህወሓት "ባንዳታት" ኢሉ ንዝገለጾም ውዳበታትን ውልቀሰባትን 'ንምጽራይ' ወፍሪ ጀሚሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ከምዝብልዎ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ትግራይ ተንቀሳቒሶም፡ ህዝቢ ኣንጻር "ባንዳታት" ክለዓልን ረመጽ ክኾኖምን ክጉስጉሱ ከምዝቐነዩ ይገልጹ።

እቲ ውድብ፡ ንፖለቲካ ክልል ትግራይ ኣሳታፊ ክገብሮ ምዃኑ’ኳ ክዛረብ እንተጸንሐ፡ ነቶም ብፓርቲ ደረጃ ተወዲቦም ክንቀሳቐሱ ዝፍትኑ ጉጅለታት ግን ከም ‘ጸላእቲ’ ክገልጾም’ዩ ዝስማዕ።